2014-11-20 16:23:20

ሃገረ ቫቲካን፦ ዓውደ ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት


RealAudioMP3 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ 14 ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝግመቱ ተጋባእያን ዘሳተፈ “Humanum-ሰብኣዊ ፍጥረት” ዘርእስቱ ሰብኣይን ሰበይትን ተማለእቲ ምዃኖም ዘነጽር ዝተፈላለየ ኣስተምህሮታት ዝቐረበሉ ዕለት 17 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ዝተጀመረ ዓውደ ጉባኤ ስድራ ቤት-ምስጢረ ተክሊል ሕመረት ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምቅላሕ ዕለት 19 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።
ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ላፊተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ኵለን ሃይማኖታት ኣብ ዘፍጥረት ዝኣምናን፣ ፍጥረት ናይ ኣጋጣሚ ናይ ሓደ ትርጉም ኣልቦነትን ሕንፍሽፍ ውጺኢት ከምዘይኰነን ብድሕሪኡ ሓደ መለኰታዊ ቀልቢ ከምዘሎ ዝኣምና ምዃነን ዘረጋገጻሉን ብሓቂ እቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝተቓልሓሉ ጉባኤ ከምዝነበረን፣ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝንበር ፍቕሪ ዝመስከራን፣ እቲ ፍቕሪ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ መንጐ ሰብኣውይን ሰበይትን ዝጸንዕ ርክብ ሰገር ከምዝዀነን እዚ ድማ ኣብቲ ምፍቓሮም ብካልእ ሓደ ልዑል ፍቕር ዝተፈቕሩን ነቲ ዘፍቅሮም ሰገር ሰብኣዊ ፍቕሪ ዝዀነ- ካልእነት ድዩ እግዚኣብሔር ንኸፍቅሩ ድላይ ዘንብረሎም ምዃኑ እቲ ዓውደ ጉባኤ ከምዘስመረሉ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ላፊተ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተወከሱ ሓሳባት ከምዝቐረቡን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ስድራ ቤትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ሕጻናት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝምልከት ኰይኑ፣ ሕጻን ኣቦን ኣደን ክህልዎ መሰሉን ክብሩን እዩ። ከምዚ ከበሃል እንከሎ ድማ እንታይ ማለት እዩ? እዚ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ተማላእቲ ምእዃኖም እዩ ዘረጋግጽ፣ ኣብቲ ተማልእነቶም ድማ ውላድን ፍቕሪ ንውላድን ዝብል ባህርይ ኣሎ፣ እዚ ባህርይ’ዚ ድማ ሕጋውነት ሓልዮ ሕጻንን ክንክንን ብሓደ ኣቦን ኣደን ተቐባልነት ዝብል ምዃኑ ደጋጊሞም ቅዱስ ኣቦና ዘነጸርዎ ሓሳብ ዘቓልሔ እዩ። እዚ ብሓቂ ናይ ሓደ ሕጻን ናይ ምውላድን ምፍቓርን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ዘረድእ ሓሳብ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ ናይ ሕጻን ሕንጸት ይመጽእ ኢሎም።
ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታት ቅዱስ ዮሓስን ጳውሎስ ዳግማዊ ብዙሕ ጊዜ ተጠቂሱ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቲ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ዛዕባ ዝስድራ ቤት ስሩዕ ገይሮም ዘቕረቡ ብሓቂ ናይ ስነ ሰብእ ሊቅ እዮም። ምስጢረ ተክሊል ኣብ ሕደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ዝጸንዕ ፍቕሪ ምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ፈላስፋን ደራስን ናይ ስነ ግብረ ገብ ሊቅን ተመራማርን ቲዮሎጊያ ሊቅን ብዓብዩ ድማ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዕምቆት ኣነጺሮም ገሊጸምዎ እዮም። መደብ ኣምላኽ ኣብ ሓዳርን ስድራን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዙሕ ተንቲኖምዎ እዮም። ክርስቲያን እንተዀንካ ብእምነት እትቕበሎ ኣስተምህሮ እውን ይኸውን ዘይክርስቲያን እንተዀንካ ድማ ብስነ ምርምር እትበጽሖ ሓቂ ምዃኑ ተስተውዕሎ ዓሚዩቕ ስልጣናዊ ትምህርቲ ምዃኑ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።
ቀጺሎም እውን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ተወላዲ ዓባይ ብሪጣንያ ሎርድ ጆናታን ሳክስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ “እምነተ ኣይሁድ ካብቲ ቀዳማይ ታሪኽ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ሥፍራ ኤደን ኢዩ ዝጅምር፣ እዚ ኤደን ወይ ከኣ ገነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ሰብኣውይን ሰበይን ኣብ ዝጸንዕ ፍቕሪ ዝድለይን ንኽንበር ዝፍተን ኵነት እዩ። እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ድማ ነቲ ምዕራብ ዓለም ዝፈልጦን ኰይኑ ግን ዘጥፍኦ ዘሎ ዘደንቕ ክብሪ መርዓ መሊሱ ክረኽቦን ግምት ክህቦን ዘተሓሳስብ እዩ። ኣቲ ብምስጢረ ተክሊል ዝጸንዕ ቃል ኪዳን ንምዕራብ ዓለም ንልዕሊ ክልተ ሺሕ ዓመታት ሓይሊ ኰይንዎ እዩ። ሕጂ ግና ዝቕህም ዘሎ ሓይሊ እዩ ዝመስል፣ ብዙሕ ጊዜ ዝዝረብን ዝንገርን ዋሕዲ ዝውለዱ ሕጻናት ዝረጋግጾ ሓቂ እዩ” ኢሎም እቲ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ መንግስታትን ብዙሓት ምዕራባውያን ዚጋታት ሸልል ዝብልዎ ዘለዉ እቲ ናይ ስነ ሕይወትን ስነ ማሕበራውን ስነ ሰብእን ዓንዲ እዩ። እዚ ድማ እቲ ሰብኣዊ ዘብሎ ዓንዲ እዩ። ነዚ ዓንዲ’ዚ ሸለል ምባሉ ድማ እቲ ሰብ ሰብ ኣብ ዘብሎ ሰብኣዊ ምዃኑ ዝተነብረ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ሓደ ዝገብሮም ቃል ኪዳን ክከላኸሉን ነቶም ዝውለዱ ድማ ከዕብዩን ክሃንጹን ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም።
ጽኑዕ ሓዳር ዝንበረን ሃገራት ብርቱዕ ሕብረሰብ ይህልወን፣ እዚ ድማ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ኣተን ምስጢረ ተክሊል ድኹም ዝዀነለን ሃገራት ድማ ድኹማት ኰይነን እየን ዝርከባ፣ ስለዚህ ሓለዋን ክንክንን ምስጢረ ተክሊል ወይ ድማ ቃል ኪዳን ክበሃል እንከሎ ሱቕ ቢልካ ናይ ዝዀነ ሃይማኖት ሓደ ዓንቀጸ እምነት ንምክልኻል ኣይኰነን። ብስነ ምርምር እውን ዝተረጋገጸ ሓቂ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ዝበዝሔ ክፍሊ ምዕራባዊ ዓለም ነቲ ባህላዊ መረዓ ዝዝንግዕ ወይ ድማ ናብ ሓደ ባህላዊ ምድንጋር የምርሕን ድሮ እውን ኣብ ባህላዊ ምድንጋራት ወዲቑ ኣሎ ምስ በሉ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብሓቂ ኣብ ዘዕግብ ናይ ሓባር ውጽኢት ክበጽሕ ክኢሉ እዩ። እዚ ድማ ምስጢረ ተኽሊል ድዩ ሓዳር መርዓ ኮታ እቲ ባህላዊ መርዓ ንሱ ድማ ኣብ ሓደ ሰብኣይን ሰብይትን ዝጸንዕ ቃል ኪዳናዊ ምትእስሳር ምክልኻል ኣብ ዝብል ናይ ሓባር ስምምዕ በጺሑን መርዓ ዘለዎ ክቡር ዋጋን ንሓንቲ ሃገር ንእዋናውን መጻእን ዋሕስ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.