2014-11-18 16:13:02

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ዓለም ይቕይድ ክርስትና ግን ይሕርር


RealAudioMP3 ነቶም ጸረ ኣምዝራነትን ጸረ ንግድ ዘርኢ ሰብን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ስነ ምርምር ተቛም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ዕለት 15 ሕዳር ክሳብ ዕለት 16 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ መንእሰያት ተቐቢሎም ካብ ምቕያድ ምሕራር ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝገለግሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
“ጸረ ኣመንዝራነትን ጸረ ንግድ ዘርኢ ሰብን ኩላትና ክንፍጽሞ ዝግብኣና ቃልሲ እዩ። ነቶም ፍጥረት ሰብ ከም ግኡዝ ዝምልከቱን ሰብ ከም ነገር ዝልወጥን ዝሽየጥን እዩ ዝብል ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክንቃወምን ኣብዚ ቃልሲ እዚ ድማ ኩላትና ክንዋሳእ ሓደራ። ናይ ሰብ መሰልን ክብርን ናጻ ምውጻእ። ብርግጽ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሰብ ከም ኣቕሓ ተጠቂምካ ምጉሓፍ ዝብል ባህሊ ይሰፍሕ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ግን ሰብ ኣቕሓ ዘይኰነስ ክቡር እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ፦ “ፍጥረት ሰብ ኣርአያን ኣምሳልን ቅድስቲ ስላሴ እዩ። ከምዙ ብምዃኑ ድማ ነቲ ልዑል ክብሩ ረጊጽካ ነቲ ነዚ ክብሪዚ ዘሕስር ተግባር ጊላ ክኸውን ክተግድዶን ክትቕይዶን እቲ ኣዚዩ ዝኸፍኤ ተግባርን ዓቢይ ሓጢኣትን እዩ። ሕይወት ምእንቲ ብጻይካ በጃ ምሕላፍ እቲ ዝለዓለ ክቡር ዋጋ እዩ” ቢሎም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓውደ ጉባኤ ብዝሓት መንእሰያት ክሳተፉን ኣብ ጸረ ኣመንዝራነትን ጸረ ንግድ ሰብን መንእሰያት ተዋፊሮም ከገልግሉ ብሓቂ ክንደይ ደስ የብል፣ ኣብዚ መዳይ ዘገልግሉን ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ መንእሰያት ብዝሒ ክብ ክብል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.