2014-11-18 18:46:09

ሕጻናት ብአቦን ብአደን ዝቆመ ሥድራቤት ክረኽቡ መሰሎም ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ መንበሮም ንተሳተፍቲ ናይቲ ንዓንቀጸ ሃይማኖት እትኃሊ ማኅበር ዘሰናደዎ ብዛዕባ ምምልላእ ሰብአይን ሰበይትን ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ጉባኤ አብ መንበሮም ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ “ሕጻናት ምስ አቦን ምስ አደን ኪዓብዩ መሰሎም ኢዩ፣ እዚ ሓቂ እዚ መሠረታውን ሰብአውን እምበር ናይ ዝኾነ ጕጅለ ሓሳብ ዝድግፍ ወይ ዝነጽግ አይኮነን” እንክብሉ ሥድራቤት መሠረት ኩሉ ከምዝኾነን ንዝመጽእ መስከረም 2015 ዓምፈ ሻሙናይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሥድራቤት ክሳተፉ ንፊላደልፍያ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ ክኸዱ ምዃኖም ሓቢሮም፣
ቅዱስነቶም አተሓሒዞም መንፈስ ቅዱስ ንነፍሲወከፍ ዝተፈላለየ ውህበታት ከምዝዓደለን እዚ ከአ ንሠናይ ነገር ናይ ምሉእ ማኅበረሰብ ዘመደ አዳም እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እናአማለኤ ንምንባር ኢዩ፣ እዚ ከአ እግዚአብሔር ዝገበሮ ውህደት ኢዩ፣ እንክብሉ ምምልላእ ሰብአይን ሰበይትን አብ መሠረት ቃል ኪዳንን ሥድራቤትን ከምዝኾነ እዚ ከአ ውህበታትናን ውህበታት ካልኦትን ንምግምጋምን ንምቅባልን እንመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ኢዩ፣ ርግጽ አብ ስድራቤት ዝተፈላለየ ወጥርታት አሎ ኮይኑ ግን ነዚ ወጥርታት እዚ እውን እንፈትሓሉ ሃዋህው ዝፈጥር ኢዩ፣
“አብዚ ኩነት እዚ ብዛዕባ ምምልላእ ሰብአይን ሰበይትን ክንዛረብ ከሎና ናይ ክልቲኦም ጾታታት እጃም ሥራሕ ብቀሊል መንገዲ ዘርዚርካ አብ ሓደ ኩነት ወይ ዘንቢል ጠሚርካ ዝረኤ አይኮነን፣ እዚ ምምልላእ እዚ ብዙሕ ገጻት አለዎ፤ ነፍሲ ወከፍ ሰብአይን ነፍሲ ወከፍ ሰበይትን ንሓዳርን ንምዕባይ ቆልዑትን ምምሃሮምን ነናቶም እጃም የበርክቱ፣ ነፍሲ ወከፎም በቲ ዝውንንዎ ትዕድልትን ክእለትን ምስ አበርከቱ እቲ ምምልላእ ዓቢ ሃብቲ ይድልብ፣ እዚ ከአ ሠናይ ነገር ጥራይ እቲ ዝበለጸ ሃብቲ ኢዩ፣ አብ ግዜና ሓዳር አብ ብዙሕ መዋጥር ይርከብ፣ አብ ዝመነ ግዝያዊነት ንነብር ስለዘሎና ከአ ንቃል ኪዳን ብዕሊ ክለብስዎ አይደልዩን፣ እንክብሉ ናይ ዘመንና ቀንዲ ጸገም ምስ ገለጹ፣
“እዚ ናይ ባህልን ሞራልን ለውጢ እዚ ነቲ ግላዊ ነጻነት ብማለት ዝንቀሳቀስ ናይ ዘመንና ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል ባንደራ የንበልብል፣ እንተኾነ ግን እዚ ምንቅስቃስ እዚ መንፈሳውን ንዋታውን ሃብቲ ብዙኃት ሰባት እናአዕነወ ብኅልፊ ነቶም ተአፈፍቲ ዝኾኑ ብዙሕ ክጐድ እተረኽበ፣ ርግጽ ኢዩ እዚ ውድቀት ባህሊ ቃል ኪዳን ዘስዕቦ ጸገማት ምስ ድኽነትን ካል ኦት ጸገማትን ይተሓሓዝ እዚኦም ከአ ንማኅበረሰብ ብሙሉኡ ብኅልፊ ከአ ንደቂ አንስትዮን ሕጻናትን ሽማግለታትን ይጐድእ፣ በዚ ቅልውላው እዚ ዝጉድ ኡን ዝሳቀዩን ከአ ወትሩ እዚ ክፋል ኅብረተሰብ ኢዩ፣ ቅልውላው ስድራቤት ንብምሉኡ ወዲሰብ አብ ጸገም አእቲይዎ ይርከብ ከምቲ ንባህርያዊ ከባቢና ክንሕሉ ንግደድ ከስ ንናይ ማኅበራዊ ናብራ ከባቢና እውን ክንሕልዎ የድሊ፣
“ሽሕኳ አብዚ ግዜና ንባህርያውያን ጸገማትን ለውጥታትን ርኢና ንምክልኻል ንንቀሳቀስ እንተሎና ኩሉ ጊዜ ዝንጉዓትን ዝሑላትን ምዃና እናበርሀ ይመጽእ አሎ፣ አብዚ ንማኅበረሰብና አንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ እውን ገና እዚ ዛሕሊ እዚ ይረኤ አሎ፣ ስለዚኸስ ወዲሰብ ርእሱ ዘድኅነሉ ከባቢስ ይትረፍ ንባዕላ እታ ሰብ አውነት አብ ምጥፋእ ገጻ ተንቈልቍል ስለዘላ ሓዲስ ሓለዋ ሕይወትና ክንፈጥርን ንቅድሚት ክነገስግሶን ሕጂ እዋኑ ኢዩ፣ ሓቢርካ ንምንባር ውሕስነት ዝህብን ማኅበረሰብ ፈርከሽከሽ ከይብል አደልዲሉ ዝሕዞ ስድራቤት ጥርያ ምዃኑ ንረዳእ፣ ሕጻናት አብ ማእከል ስድራቤት ምስ አቦን ምስ አደን ክዓብዩን ንም ዕባሌኦምን ብስለቶምን ዝሕግዝ አከባቢ ንክ ዓብዩ መሰሎም ኢዩ ክብሉ ተማሕጺኖም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.