2014-11-15 15:34:17

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብቓል ዘይኰነስ ብግብሪ እምነት ምንባር


RealAudioMP3 ንሕጻናትን ንመንእሰይ ወለዶን እምነት ንምትሕልላፍን ናይ ሓቅን ፍቕርን ተመክሮ ክገብሩ መታን እዅል ወለዶ ዘቕርበሎም ሓገዝ ብግብርን ኣብነትን እምበር ብብዝሒ ቃላት ከይከውን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 14 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ነቲ ብናይ ሥነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ስነ ጥበብ ዝተዓብለለ ናይ ዘመንና መንእሰይ ከመይ ገሪካ እዩ እምነት ዝመሓላለፍ? ሎሚ እውን ከም ቀደም ብኣብነትን ግብርን ጥራሕ ምዃኑ ዝሓባሩ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ መንእሰያት ከም ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህርን ሓናጺ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኰይኖም ቅርብ ቢሎም ብሕቶን መልስን ሓሳብ እናተለዋወጡ ንመንእሰይ ምጥማትን ምሕሳብን ነቲ ቃል ዝተኣትወ ውሕስነትን ነቲ ዝመጽእ ዓለም ምጥማትን ማለት ምዃኑ ገሊጾም፣ ኰይኑ ግን ንመጻኢ እንታይ ኢና እንሓድግ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፦ “ከምቲ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ምንባብ ዝሰማዕናዮ ኣብ ሓቅን ፍቕርን ክጐዓዙ ዲና እንምህሮም ወይ ከኣ ሕይወትና ኣብ ካልእ ኣንቢርና ብቓል ጥርሕ ኢና እንምህሮም? እቲ ኣዅል ክፍሊ ሕብረተሰብ ንመጻኢ ወለዶ ምጥማት ሓላፍነት እዩ መጻኢ ወለዶ ናይቲ እዅል ወለዶ ሓላፍነት እዩ። ሓደ ክርስቲያን ነቲ መንእሰይ ወለዶን ሕጻናትን ክሓልን እምነት ከመሓላልፍን ማለት እቲ ዝነብሮ ኣብ ልቡ ዘሎ እምነት ከመሓላልፍን ማለት እዩ። እቲ ዝዓቢይ ተኽሊ ሸለል ክንብሎ ኣይግባእን” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ልዕሊ ዕሸል ወለዶ ዘሎና ሓላፍነት ክንለብሶ ይግባእ፣ ኰይኑ ግን እቲ ሓላፍነት ከመይ ገርና ኢና እንለብሶ? እውን ብመንፈስ ሓውን ሓፍትን ኣቦን ኣደን ድዩ፣ ወይ ድማ ዘይዕቢይ ንሳቶም ይዓብዩ ኣነ ድማ ሕይወተይ እገብር ብዝብል መንፈስ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ቅዱስ ኣቦና፦ “ኵላትና እቲ ዘሎና ሓላፍነት እቲ ኵሉ ብሉጽ ነቲ ዝዓብይ ውለዶ ምውፋይ እዩ። እቲ ብሉጽ ድማ እምነት እዩ። እዚ ብሉጽነት እምነት ብኣብነትን ግብርን ምትሕልላፍ እዩ። ዋሕዚ ቃላት ኣይዓብስን እዩ። ሎሚ ቃል ኣይዓብስን እዩ። እዚ እነብረሉ ዘሎና ዓለም ብመርኸቢ ብዙሃንን ናይ ኢድ ቴሌፎንን ኣቢሉ ብዋሕዚ ቃላት ዝተመልኤ እዩ። እወ እቲ ዘድሊ ኣብነትን ግብርን እዩ። ኣብነትን ግብርን” ብዝብል ቃል እቲ ምስቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዝተሳተፉ መንሰያት ዘካይድዎ ዘተ ኣዕሪፎም፣ ነቶም መንእሰያት ስለምታይ ኢኹም ኣብ ቅዳሴ ዝተረኸብኩም? ሓደ መንእሰይ ድማ ሓፍ ቢሉ ክንርኤኩም እንክብል ይምልሰሎም እሞ ቅዱስነቶም ቀጺሎም እወ ኣነ እውን ክርኤኵም ባህ ይብለኒ። ካብቶም ሕጻናት መኖም እዩ ቀዳማይ ቅዱስ ቁርባን ዝገበረን ሜሮን ዝተቐበለን ብዘየገድስ ቅዱስነቶም “መዓጾ ሕይወት ክርስትና ምስጢረ ጥምቀት እዩ” ከምቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ካልኤይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 1፣ 3-9 ዘሎ ጠቒሶም ምስጢረ ጥምቀት እቲ ኣብ ሓቅን ፍቅርን ክንጓዓዝ ዘብቅዕ ጸጋ ምዃኑ ገሊጾም፣ ካልኦት ኩሉ ቅዱሳት ምስጢራት ድማ ንምስጢረ ጥምቀት ይስዕቡ፣ ዝተቐበልናዮ ምስጢረ ጥምቀት ከምቲ ክርስቶስ ምቕባሉ መሲልና ክንበሮ ከምዝግብኣና ኣዘኻኺሮም፦ “ቅዱሳት ምስጢራት እቲ ዝዓበየን ዓሚዩቕን ጸሎት እዩ። ጸሎት ቅዱስ ምስጢር ድዩ? ኣይኰነን። ኣብቲ ጉዕዞ ሓቅን ፍቕርን እንፍጽሞ ስጉምቲ ዝሕግዝ እዩ። ንጐይታን ንኢየሱስን ንማርያም ምጽላይ ድማ ንሱ እዩ። ተረዲእኩም ዶ፣ ክትሪኡኒ ዲኹም መጺእኵም? ኣኰነን ምስቲ ሕጂ ኣብ መንበረ ታቦት ዝምጽእ ኢየሱስ ክንረኽብ ኢና መጺእና? ቀዳስን ተሳታፍን ኩሉ እውን ኣብዛ ሰዓት’ዚኣ ንኢየሱስ ክረክብ እዩ መጺኡ፣ ኣብ ሓቅን ፍቕርን ከመይ ቢልና ክንጓዓዝ ከስተምህረና እዩ እሞ ጽን ንበሎ፣ ጐይታ ኣብ ሓቅን እምነት ጎዕዞ ሓግዘና ቢልና ንጸልይ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.