2014-11-13 17:28:00

አቡናት ዝንባሌ ውልቀምልኪ አይሃልዎም እኳ ደአ ነቶም ካብ ቤተ ክርስትያን ርሒቆም ዘለው እውን ከይተረፈ ጽን ቢሎም ይስምዕዎም!


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ጳጳሳት ዝንባሌ ውልቀምልኪ አይሃልዎም እኳ ደአ ነቶም ካብ ቤተ ክርስትያን ርሒቆም ዘለው እውን ከይተረፈ ጽን ቢሎም ይስምዕዎም” እንክብሉ ነቲ አብ ዝሓለፈ ሶሙን ብዛዕባ አቡናትን ካህናትን ዲያቆናትን ዝሃብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም፣ አተሓሒዞም እውን “አቡናት ፈለጥቲ ኩሉን ናይ ኩሉ ሕቶ መልሲ ዝጨበጡን ኮይኑ አይሰማዓዮም ንቤተ ክርስትያን ብጐደና ጽድቂ ንክትዓቢ ይምርሕዋ” እንክብሉ እውን ንምእመናን ጽን ቢልካ ምስማዕን ካባኦም ዝመሃርዎ ነገር ከምዘሎን ከስተውዕሉ ሓደራ ቢሎም፣
ቅዱስነቶም አብ መኽፈቲ ትምህርቶም “ንመጓሲኡ ልቡ ዝኸፍት ሕያዋይ ጓሳ ከመይ ክኸውን አለዎ? ከማልኦም ዘለዎም ነገራትከ እንታይ እንታይ ኮን ይኾኑ? ይሓቱ እሞ አብተን ዝሓለፈ ሶሙን እውን ዝጠቀስውን ቅዱስ ጳውሎስ ናብ አርድእቱ ጢሞቴዎስን ቲቶን ዝጻሓፈን ሓዋርያውያን ናይ ጕስነት መልእኽታት ምልስ ቢሎም ን አቡናትን ካህናትን ዲያቆናትን ጥራይ ዘይኮነ ንም እመናን እውን ሽማግለታትን መን እሰያትን ብኸመይ ክመላለሱ ከምዘለዎም ዝሕብር መሠረታውያን ነገራት “ምቅባል ጋሻ ህድአት ርእስኻ ምምላኽ ትዕግሥቲ ትሕትና ተአማንነት ሕያዋይ ልቢ ምውናን” ዚአመሰሉ ይጠቅሱ፣ እዚ ከአ ሀሁ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ኮይኑ መሠረታዊ ሰዋስውን መምርሕን ምዃኑ ብምግላጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ አቡን መሠረታዊ መምርሒ ከአ እዚ ምዃኑ አብሪሆም፣ እንተዘየሎ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ እንተዘየሎ አገልግሎት ክትህብን ሓቀኛ ሓጎስን ተአማንነትን ዘለዎ ምስክርነት ክትህብ አይከአልን ቢሎም፣
“መዓርገ ጵጵስና ክህነት ወይውን ዲቝና ዝቅበሉ ብብልሒ አእምሮኦም ወይውን ካብ ካልኦት ዝበለጹ ኮይኖም ዘይኮነ ብኃይሊ ጸጋ ማለት ካብ እግዚአብሔር ብዝዕደል ናይ ፍቅሪ ጸጋን ብክእለት መንፈሱን ንሠናይ ናይ ሕዝቡ ዝወሃብ ምዃኑ ወትሩ ክዝክሩ አለዎም፣ እዚ ዝኽሪ እዚ አድላዪ ኢዩ ሓደ ዓቢ ጸጋ ስለዝኾነ ከአ ዕለት ዕለት ነዚ ጸጋዚ ክንምህለል አሎና፣
ስለዝኾነ ከአ ሓደ ጓሳ ሓዋርያዊ ተልእኾኡ ካብ ምሕረት እግዚአብሔር ካብ ልቢ እግዚአብሔርን ከምዝምንጩ ዘስተውዕል እንተኾይኑ ካብቲ ኩሎም ም እመናን አብ ትሕቲ እግሩ ኮይኖም ክግዝ እዎን ከገልግልዎን ቤተ ክርስትያን ከአ ንብረቱ ገሩ ከምድላዩ ክገብራ ካብ ዝፈታተን ዝንባሌ ውልቀምልኪ ነጻ ክኸውን ይኽእል፣ ኩሉ ጸጋን ትዕድልትን አምላኽ ምዃኑ ምዝካርከስ ንሓደ ጓሳ ካብዚ አብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ፈተና ከድሕኖ ይኽእል፣
ሓደ አቡን ወይ ካህን ወይውን ዲያቆን ንኩሉ እፈልጥ ዝብል እንተሎ ወይልኡ! ወይውን ንኩሉ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ አሎኒ እሞ ሓገዝ ናይ ካልእ አይድልየንን ኢዩ ዝብል ወይልኡ! በንጻሩ እኳ ደአ ንሱ ንባዕሉ ብኽእለቱ ዘይኮነስ ብጸጋን ምሕረትን እግዚአብሔር ንቤተ ክርስትያን ከገልግል ከምዝተመርጸ እንተደአ ተረዲኡን አሚኑን ትሑት ንምዃንን ምስ ካል ኦት ንምርድዳእን አይጽግሞን፣ ብዝለዓለ ከአ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝብሎ ነቲ መዝገብ እምነት ብትብ ዓት ንክሕሉ ዝተጸው ዔ ምዃኑ እንተተገንዚቡ ንም እመናን ጽን ቢሉ ንምስማዕ አይጽግመን፣
በዚ ከአ ኩሉ ጊዜ ካብ ካል ኦት ዝመሃሮ ሓዲስ ነገር ከምዘሎ ብምርዳእ ወላውን ካብቶም ካብ ቤተ ክርስትያን ርሒቆም ዘለው እውን እንተኾነ ገለ ክረክብ ስለዝኽ እል ጽን ቢሉ ክሰም ዖም ይግደድ፣ ል ዕሊ ኩሉ ከአ ምስ አኅዋቱ ጳጳሳትን መሳርሕቱ ካህናትን ዲያቆናትን ብዝተሓደሰ መንፈስ ንክርዳዳእን ሓላፍነት ንምምቅቃልን ብኅብረት ንምስራሕን የኽእሎ፤ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.