2014-11-13 16:11:10

ርክብ ናይ ካቶሊክን ምስልምናን ሃይማኖት ናይ ሓባር ጉባኤ ልኡካን ምስ ቅዱስ ኣቦና


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ድሕሪ እቲ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ካቶሊክን ምስልምናን ሃይማኖት ናይ ሓባር ጉባኤ ልኡካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ስፐይን ናይ ዛራጎዛ ርእሰ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ማኑኤል ኡረኛ ፓስቶር ብሕገ ቆኖና ስርዓት ላቲን ዓንቀጽ 401 ቁጽሪ 2 መሰረት ልሂቅ ጳጳስ ንኽኾኑ ንዘቕረቡሎም ሕቶ እወታዊ መልሲ ከምዝሃቡሉ ዝገለጸ ናይ ቅድቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ ስፐይን ናይ ሰጎቪያ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንኸል ሩቢዮ ካስትሮ ዘቕረብዎ ተመሳሳሊ ናይ ልሂቅነት ሕቶ ተቐቢሎም ናይ ማድሪድ ሰበኻ ተሓባበሪ ጳጳስን ናይ ሩሶና ሐዋርያዊ መንበር ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኣውጉስቶ ፍራንኮ ማርቲነዝ ናይ ሰጎቪያ ሰበኻ ጳጳስ ቢሎም ከምዝሰይዎምን ኣብ ብራዚል ናይ ኦሊንዳን ረሲፍን ርእሰ ሰበኻ ጳጳስ ንኽኾኑ ናይ ጃከይ ሰበኻ ጠቕላሊ ምስሌነ ጳጳስ ክቡር ኣባ ኣንቶኒዮ ቱሪኞ ነቶ ናይ ሳታፊ ጳጳስ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.