2014-11-11 16:45:09

ክርስትያን ወትሩ ክምሕር አለዎ!


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘቅረብዎ ስብከት “ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ደርጃኡን ጸዋዕታኡን ብዘየገድስ ወትሩ ክምሕር አለዎ ዕንቅፋት ንእምነት ስለዘዕኑ ከአ ዕንቅፋት ዝበሃል ክህብ የብሉን” እንብክሉ ነቲ አብ ወንጌል ብዛዕባ ዕንቅፋት ኢየሱስ ዝብሎ ማለት “ነዞም ነአሽቱ ንዝ ዕንቅፍ አብ ክሳዱ መጥሓን አድጊ አሲሮም አብ ባሕሪ ክድርብይዎ ይሓይሽ” ንዝብል መሠረት ብምግባር ሰቢኾም፣
ኢየሱስ ነርድ እቱ ነዙይ ክብሎም እንከሎ ምናዳ ነቶም ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ሕጻናትን ደቂ እግዚአብሔርን ዕንቅፋት ምሃብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንክገልጽ ከምዝኾነ ዘስተምሃሩ ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታ “እቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዝመጽእ ሰብ ወይሉልኡ” ዝበሎ ብኃይሊ ቃል ደጊሞም፣ ቀንዲ አተኵሮ ስብከት ቅዱስነቶም ናብ ካህናትን መራሕትን ሃይማኖትን ስለዝነበረ ከአ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንቲቶ ብዛዕባ ሕይወት ካህናትን ሰበኽቲ ወንጌልን “ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎም ተቐባልት አጋይሽ፡ ሰናይ ዝፈው፡ ለባማት፡ ቅኑዓት፡ ቅዱሳን፡ ይኣኽለኒ በሃልቲ፡ መንቅብ ዜብሎም፡ ከም ናይ ኣምላኽ መገብቲ እምበር፡ ፈተውቲ ርእሶም ዘይኰኑ፡ ዘይኵርዩ፡ ናብ መስተ ዘየድህቡ፡ ዘይዋቕዑ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ሰባት ኪኾኑ ከምዝግብኦም።” ሓደራ ዝብሎ እንደገና አዘኻኺሮም እንከብቅ ዑ እዚ ግን ንኩሉ ክርስትያን ዝምልከት ምዃኑ ብምስማር ነዙይ ዘይገብር ክርስትያን ምስክርነት ስለዘይህብ ድሮ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ክንፈልጥ አሎና ቢሎም፣
“ሓደ ክርስትያን ወይ ሓንቲ ክርስትያን ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸዱ ከለው ናብ ቍምስና ዝመላለሱ በዚ ሕይወት እዚ እንተዘይተመላሊሶም ዕንቅፋት ይኾኑ፣ ኮይኑ ግን ብዙሕ ጊዜ ብዙኃት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን አነ ቤተ ክርስትያን አይከይድን ኢየ ኽንያቱ ከም በዓል ኵስቶ ናብ ቤተ ክርስትያን እናተመላለስካ ሕማቅ ሕይወት ካብ ምንባርን ዕንቅፋት ካብ ምዃንን አብ ገዛኻ ተሪፍካ ብቅንዕና ምንባር ይበልጽ ዝብሉ ብዙሕ ጊዜ ንሰምዕ፣ እዚ ዘመልክቶ ነገር እንተልዩ ዕንቅፋት ንእምነት ከምዘዕኑ ኢዩ፣ በዚ ከአ ኢዩ ኢየሱስ አበርቲ ዑ ዝግስጽ፣ ተጠንቐቑ እናበለ ኩልና እንቅፋት ክንከውን ከምንኽእል ዘዘኻኽረና ቢሎም፣
እቲ ሓቂ እዚ እንክኾን በንጻሩ ድማ ኵልና ክንምሕር ከምዘሎና ምሕረት ደአ ንልመድ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣ ናይ ምሕረት አድላይነት ንክገልጽ ጐይታ አብ መዓልቲ ክሳብ ሾብዓተ ሳዕ እውን እንተኾነ ክንምሕር ይ እዝዘና ዘይምሕር ክርስትያንከስ ዕንቅፋት ኢዩ ዝኸውን፣
“ስለዝተመሓርና ክንምሕር አሎና፣ እዚ ከአ አብ አቦና አብ ሰማይ እትነብር ኢየሱስ ዝመሃረና ኢዩ፣ ንዝበደሉና ይቅረ ከም እንብል ንበልና ይቅረ በለለና እናበለ፣ እዚ በተሓሳስባ ደቂ ሰባት ክትርድኦ ቀሊል አይኮነን፣ ከመይ አተሓሳስባ ደቂ ሰባት ናብ ቂመበቀልን ሕነምፍዳይን ጽል እን ምክፍፋልን ስለዘምርሕ ኢዩ፣ አብዚ ግዜና ሰአን ምምሓር ክንደይ ስድራቤታት ተመቃቂለን ክንደይ ውሉድ ካብ ወለዶም ርሒቆም ክንደይ ሰብ ሓዳር ተበታቲኖምን ተራሓሒቆምን ከምዘለው ምሕሳብ ጥራይ ምሕረት ክሳብ ክንደይ አድላዪ ምዃኑ ከረደአና ኢዩ፣ ስለዚ እንተዘይምሒረ ንክመሓር መሰል ከምዘይብለይ ክርዳእ አሎኒ ብኻል እ አዘራርባ እንተዘይምሒረ ጐይታ ከምዘይምሕረኒ አጸቢቀ ክፈልጥ አሎኒ፣ እንክብሉ ነታ ናይ ዕለቱ ወንጌል ካል አይቲ ነጥቢ ምስ አብርሁ አብታ ሳልሳይቲ ማለት ሓዋርያት ንጐይታ ዝበልዎ ጐይታ እምነት ወስኸና ናብ ዝበልዋ ቃል ምልስ ኢሎም ከአ፤“ብዘይ እምነት ዕንቅፋት ከይኮንካ ክትነብርን ወትሩ ክትምሕርን አይከአልን ኢዩ፣ በታ ካብ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር አቦናን ጐይታናን ዝተቀበልናያ እምነት ብርሃን ጥራሕ ኢና ክንምሕር እንኽ እል፣ እሞ ምስ ሓዋርያት ኰና ጐይታ እምነት ወስኸልና ንበሎ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.