2014-11-04 15:49:55

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ውደራን ትምክሕትን ንቤተ ክርስቲያን ዝሃስይ ፈሓሪቶ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ መርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 3 ሕዳር 2014 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም ብዘይ ምንዳይ ውልቃዊ ረብሓ ብመንፈስ ትሕትናን ስምምዕን ነቶም ንቤተ ክርስቲያ ዝሃስዩዋ ፈሓሪቶ ዝኾኑ መንፈስ ውደራን ትምክሕትን ነወግድ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓት ቀዳማይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊፒሲዩስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ምዕ. 2 ካብ 1-4 ዘሎ ጠቒሶም ናይ ሓደ ጳጳስ ሃሴት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፍቕርን ሓድነትን ውህደትን ስምምዕን ምስ ዝህሉ ጥራሕ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ስምምዕ’ዚ ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ እዚ ስምምዕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከሕድር መታን ክንተሓባበሮ ዝተጸዋዐ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፊሊፒሲዩስ ካብ ሕድ ሕዳዊ ውደራን ትምክሕትን ክርሕቑ ዝምዕድ። ሕድ ሕዳዊ ውደራን ጎነጽን፣ ረኣዩለይ ምባልን፣ ብሉጽ ምዃነይ ክረአየለይ ካብ ምባል ክንቑጠብን ውደራን ትምክሕትን ኣብ እዋንና ዝረአይ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ቀደም ዝጸሐ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፦ “ክንደይ ሳዕ ኣብ ቤተ ክርስቲያንናን ተቛማት ኣቢያተ ክርስቲያንናን ኣብ ቁምስናታን ኣብ ውሉደ ክህነትን ክትረአይ ቢልካ ዝፍጸም ናይ ረአዩለይ ተግባርን ውደራን ትምክሕትን ብዙሕ ጊዜ ዝርአይ እዩ፣ ውደራን ትምክሕትን ንቤተ ክርስቲያን ዝበልዑን ዘድክሙን ክልተ ዓይነት ፈሓሪቶ እያቶም፣ ጸረ ስምምዕን ውህደትን እያቶም፣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣክንዲ ውደራን ትምክሕትን ንሓድ ሕድኩም ብትሕትና ተቐራረቡ፣ ትሕትና እምበአር ካልኦት ልዕለዅም ከምዝዀኑ ሕሰቡ ይብል። ጳውሎስ ሓዋርያ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘይብቑዕ ምዃኑ እዩ ዝኣምን፣ ገዛእ ርእሱ ትሕት ብምባል ድማ ካልኦት ልዕሊኡ ምዃኖም ይሓስብ ነበረ” እንክብሉ ተንቲኖም እቲ ትሑት በነዲክታዊ ሓው ቅዱስ ማርቲን ደ ፖረስ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 3 ሕዳር ዝኽሪ ቅድስናኡ እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ መንፈሳውነቱ ኣብ ኣገልግሎት ንዅሉን ነቶም ካብኡ ንላዕሊ ሓጥኣንን ላዕሎዎት ኣገልጋሊ ኰይኑ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ውላቃዊ ረብሓ ካብ ምንዳይ ይቑጠብ ከምዝነበረ ድማ ገሊጾም፦ “ናይ ካልእ ማለት ናይ ብጻይካ ሰናይ ምንዳይን፣ ንኻልኦት ምግልጋልን፣ እዚ እዩ ናይ ሓደ ጳጳስ ሃስየት፣ ሓደ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያኑ ክምልከት እንከሎ ሓድነታዊ ስምዒትን ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ተግባር ዝረአየሉን ሓደ ልብን ሓደ መንፈስን ስምምዕን ዝብሉ መለለዪ ከስተውዕል ይግባእ። እዚ እዩ እቲ ኢየሱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ክርእዮ ዝደሊ ተግባር፣ ዝተፈላለየ ርእይቶ ክህልወካ ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግን እቲ ዝተፈላለየ ርእይቶ ኣብ ሓደ ልብን ሓደ መንፈስን ኣብ ስምምዕን ዝንበር ክኸውን ኣለዎ፣ ብትሕትናን ብዝስዋዕ ፍቕርን ንዝዀነ ይዅን ብዘይምሕሳርን ዝንበር ናይ ርእይቶ ፍልልይ ሰናይ እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 12 ክሳብ 14 ዘሎ ጠቒሶም፦ ቤተ ክርስቲያንን ተቛማት ኣቢያተ ክርስቲያንን ሓንቲ ሰበኻን ቁምስናን ውልቃዊ ረብሓ ዝድለየሉ ስፍራ ክኸውን ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ከምዝብሎ፣ ውልቃዊ ረብሓ ኣይተናድዩ፣ ኣብ ግብረ መልሲ ኣይትጓዓዙ፣ ብዙሕ ጊዜ ሕኸኸለይ ክሓከልካ ዓይነት ግበረለይ ክገብረልካ ብዙሕ እዋን ነቲ እንገብረሎም ሰናይ ዘበለ ኩሉ ብዝተኻኸል መገዲ ክምልሱልና ንዝእክሉ ድራር ምዕዳም ኣይኰነን፣ ብነጻ ብዘይ ግብረለይ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስምምዕን ውህደትን ሓድነትን ውልቃዊ ረብሓ ዘይምድላይ እዚ እዩ እቲ ብነጻ ምንባር፣ ክምለሰልካ ሓሲብክ ሰናይ ዘይምግባር ንንበር፣ ገበርቲ ሰናይ እምበር ሰናይ ምግባር ከም ዕዳጋ ክጥቀመሉ ኣይግብኣንን” ምስ በሉ ኩሉ ከም ቁምስናን ሰበኻን ከም ማሕበረ ክርስቲያንን ናይ ሕልና ምርመራ ኽገብርን ኩነታትና ኩነታተይ ከመይ እዩ፣ ፍቕርን ትሕትንና ስምምዕን ውልቃዊ ረብሓ ሃሰው ሰው ብዘይ ምባል ዝንበረሉ ድዩ ኣይኰነን እወ ገዛእ ርእስና ንመርምር ምናልባት ክእረም ዝግብኦ ጠባይ ክንረክብ ንኽእል ብዝብል ሓሳብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.