2014-10-30 16:01:40

ዓውደ መጽናዕቲ ዛዕባ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ


RealAudioMP3 ኣብ ሮማ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ኤውሮጳ ምስ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ኣብ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻን ኣናስር ኤውሮጳን ናይ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ኣማእኪሉ ንኽዝትይ ዝተዳልወ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
ቅድሚ 50 ዓመት ኣቢሉ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 24, 1964 ዓ.ም. "Pacis nuntius-መልእኽቲ ሰላም’ ብዝብል ሓዋርያዊ መልእክቶም ኣቢሎም ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ናይ መላእ ኤውሮጳ ሓላዊ ቅዲስ ቢሎም ከምዝኣወጁ እንክዝከር፣ ኣብቲ እዋን ብፍላይ ድሕሪ ፍጻሜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኤውሮጳ ክፍለ ዓለማዊ ምሉእነቱ ኣብ ምህናጽ ኣብ ዝነበረትሉ ጽንኵር ኣዋን እቲ ካብ ዝቐውም 1500 ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ብቕዱስ ቤነዲክቶስ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዓ.ም. ብምኽንያት ካልእይ ውግዕ ዓለም ዝዓነወ ናይ ቤነዲክታውያን ባዚሊካ ሞንተካሲኖ ዳግማይ ሕንጸት ተጠናቒቝ ኣብ ዝተባረኸሉ እዋን ዝተፈጸመ ኣዋጅ ምዃኑ እንክዝከር ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ነቱ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ ዘረባ ዘጀመሩ ናይ መንበረ ጥበብ ኤውሮጳ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ጋሊዚያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ በነዲክቶስ ብርግጽ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ሰብ እዩ ኰይኑ ግን ስብኣውነቱን መንፈሳውነቱን ኩሉ እዋናዊ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ናይ ኤውሮጳ ክርስቲያናዊ ኣናስር ምልክታን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኢጣሊያ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ተረይና ኣቦ መንበር ኰይና ኣብ እተገልግለሉ ዘላ እዋን ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን ሎሚ እውን እዋናውነቱ ጐሊሑን ንእነንበርሉ ዓለም ዓቢይ ብድሆ ከምዝኾነ ገሊጾም።
ቅዱስ በነዲክቶስ ይብሉ ኣባ ጋሊዚያ ብመስቀልን ብጽሑፋቱን ሰነዳቱን ድርሰታትን ጸሎትን ስራሕን ኣቢሉ ናይ ኤውሮጳ መንፈስ ዝሓነጸ ኣበ ነፍስ ኤውሮጳ እዩ፣ ብፍላይ ኤውሮጳ በቲ ዝንበረላ ዝተፈላለየ ቋንቋን ዓሌትን ሃይማኖትን ከይተዓናቀፈት ናይ ውህደት ክፍሊ ዓለም ከምይ ቢላ ክትብቅዕ ከምዘለዋ ሓባሬ መገዲ ኰይኑ ኣብዚ መዳይ እምነት ክርስትና መሰረት ከምዝዀነ ዝመስከረን እዩ። ሎሚ እውን እዚ መገዲ’ዚ ንኤውሮጳ ዓቢይን ክቡርን ዋጋ እዩ” እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.