2014-10-30 15:52:24

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (29/10/2014)
ዝንበር ጭቡጥ ፍቕሪ ንብጻይ ነቲ ዘይረአይ እግዚኣብሔር ዝንበር ፍቕሪ ሚዛን እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ንብጻይ እንነብሮ ጭብጥ ፍቕሪ ናይታ ናይ ክርስቶስ መለኰታዊ ኣካል ናይ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን መለኰታዊ መልክዕ ዝገልጽ ብምዃኑ ክርስቲያን ፈጺሙ ናይ መሰናኽልን ዕንቅፋት ኣብነት ክኸውን ከምዘይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ገሊጾም፣ ጭብጥነት ዚረአን መንፈሳዊ ጭብጥነት ኣብ ክውንነት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዝነብሩ ባህርያት ምዃኖም ከምዝተንተኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣብ መክሲኮ ዝተጨውዩ ተመሃሮ ዘኪሮም ምእንታኦም ከምዝጽልዩን ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያን ምእንታኦም ክጽሊ ሓደራ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ዘይረአይ ካብቲ ዝረአይ ልዑል ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ እዩ። እቲ ዘይረአይ መለኰታዊ ባህርያ ማለት ናይ ክርስቶስ መለኰታዊ ኣካል ምዃና ካብቲ ብሰበኻታትን ብቁምስናታትን ብማሕበረ ክርስቲያንን ብውሉደ ክህነት ብዓለማውያን ምእመናንን ብገዳማውያንን ኣቢሉ ዝግለጽ ዝረአይ ጭቡጥ ባህርያ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ከምዝኾነን፣ እቶም ጭቡጥ መግለጺታታ ድማ እቲ እምነት ኣብ ልባቶም ዘንበሮ ሰናይ ዘበለ ኩሉ ኣብ ማሕበራዊ መዳያት ብቓልን ሕይወትን ክነብርዎ ዓቢይ ሓላፍነት የልብስ፣ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡን ነቶም ልዕሊ 30 ሺሕ ዝግመቱ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምእመናን ክርስቲያን ክፍሊ ናይቲ መለኰታዊ ኣካል ምዃኑ ኣነጺሩ ዝፈልጦን ምስ እዚ ምዃን’ዚ ዝሰማማዕ ኣግባብ ዝነብር ድዩ ወይ ከኣ ሸለል ብምባል ነቲ ክፍሊ መለኮታዊ ኣካል ምዃኑ ኣሉ ይብል፣ መንፍሳውን ስጋውን (ጭቡጥ) ባህርይ ኣብ ክርስቶስ ዝሓብሩ ምዃኖም እንክትንትኑ፦ “ኣብ ክርስቶስ ኣቲ ሰብኣዊ ባህርይ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ምርግጋጽ ድሕነት ናይቲ መለኰታዊ ባህርይ ድልየት ዘርውይን ኣብ ኣገልግሎቱ ዝነብር እዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ቤተ ክስርቲያን፣ ቤተ ክርስቲያን እቲ ጭቡጥ ባህርያ ነቲ መለኰታዊ ኣካል ኣገልግሎት ዝውዕል ዝንበር እዩ። ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን መልኰታዊ ኣካል እያ፣ እዚ መለኰታዊ ኣካል’ዚ ድማ ካብቲ ሰብኣዊ ባህርያ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክኸውን እንከሎ ብዓይኒ እምነት ጥራሕ እዩ ክርአይን ክፍለጥን ዝኽእል” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብስጋዊ ዓይኒ እቲ ብክርስቲያን ኣቢሉ ዝግለጽን ክርስቶስ ኣብ ልብን ሕይወትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝፍጽሞ ዘደንቕ ዘበለ ኵሉ ክርአይ ከምዘኽእልን፣ ኰይኑ ግን ኣብዚ ዓይነት ስጋዊ ምርኣይ’ዚ ክጽብጸብን ክዕቀንን ዘይከኣል ኣድማስ ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና እንክገልጹ፦ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲይን ዝረአይ ባህርይ ክጽብጸብን ክዕቀንን ዘይከኣል እውን እዩ፣ እዚ ማለት ድማ እቲ ፍጹም ምልኡነቱ ክትፈልጦ ዘይከኣል ማለት እዩ። እቲ ዝፍጸም ሰናይ ዘበለ ኵሉ ከመይ ገርካ ክተለልዮ ትኽእል? እዚ ድማ ብናይ ፍቕሪ ስራሕን በቲ ዝስዋዕ ፍቕሪን ተኣመንነት ኣብ ስድራን ኣብ ሕንጸት ውላድ እዚ ድማ እምነት ንምትሕልላፍ ዝፍጸም ተግባርን፣ ብዙሓት ስቓዮም ከምቲ ናይ ኢየሱስ ስቓይ መስዋዕቲ ገይሮም ዘቕርቡ እዚ ዅሉ ልዑል እዩ ክትዕቅኖን ክትመዝኖ ዘይከኣል ሰናይ እዩ” ኢሎም፦ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ጭቡጥ ባህርያ ማለት በቲ ንኹሉ ቀራባ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝሳቐዩን ዝተናዕቁን ድኻታትን ዝተነጸሉን ናይ ክርስቶስ ለውሃትን ሓልዮትን ምሕረትን ቀረባ ንምዃን ዝተጸወዐት ምዃና እትገልጸሉን ብግብሪ እትምስክረሉ እቲ ዝረአይን ጭቡጥን እዚ ድማ በቶም ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ፣ ቅዱሳት ምስጢራትን ብናይ ክርስቲያን ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ኣቢላ ትገልጾ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ብርግጽ ናይ ብርሃን መሰካኽር ምዃን ከምቲ ኢየሱስ ነቶም ኣብቲ እዋኑ ዝነበሩ ገዛእ ርእሶም ፍጹማንን ንጹሓንን ገይሮም ንዝሓስቡ ዝነበሩ ዕንቅፋት ኰይኑ ከምእተረኸበ ሎሚ እውን መሰኻኽር እምነት ናይ ዕንቅፋት ምኽንያት ኰይኖም ክርከቡ ዝከኣል እዩ። ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ካልእ ምዝራብን ምሕማይን ዘፈቕሩ ብዙሓት ኣባላት ከምዘለዉን፣ ነዚኣቶም እናረአዩ ድማ ኢእግዚኣብሔራዊ ኰይነ ምንባር ይሕሸኒ ዝብሉ ከምዘለዉን ተንቲኖም፦ “ጸጋ እምነት ንለምን፣ ትሑታትን ድኻታት እውን እንተዀንና ጐይታ መጋብርቲ ጸጋን ናይ ፍቕሪ ጭቡጥ ምልክታ ንመላእ ፍጥረት ሰብ ክንከውን ጸዊዑና እዩ። ከም ኢየሱስ ነቶም ፍጹማን ኢና ዝብሉ ናይ መሰናኽል ምኽንያት ክንከውን ዝከኣል እዩ። እወ እቲ ኢየሱስ ብሕይወትና ክንብሎ ዝግብኣና እናነበርና ናይ ምስክርነት ምኽንያት እውን ክንከውን ዝከኣል እዩ” ምስ በሉ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ልባትና ናብቲ ብዝተጨውዩ ተመሃሮ ደቁ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ መክሲኰን ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ስቓይ ንዝርከብ ኩሉ ቀራባ ኽኸውንን ምእንታኦም ንጸልይ ቢሎም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ፈጺሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.