2014-10-30 16:04:27

ምስፋር ኣይሁዳውያን ኣብ ኢየሩሳሌም


RealAudioMP3 ኣብ ኢየሩሳሌም ሃራ ሆማን ኣብ ራማት ሽሎሞ ኣይሁዳውያን ንምስፋር መንግስቲ እስራኤል ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኣባይቲ ክህነጽ ውሳኔ ድሕሪ ምቕራቡ እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብቲ ከባቢ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን ግምት ብምሃብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ቤት ምኽሪ እስራኤል ኣብ ኢየርሳሌም እትፍጽሞ ዘላ ቀጻሊ መደብ ምስፋራ ኣይሁዳውያን ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ከምዝዘተየን፣ ብራሰልስ ከምኡ እውን ዋሽንግቶን ከምዚ ዓይነት ሰፈራ ናይ ምስፋሕ መደብ ምስቲ ንናይ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሰላም ከይዲ ዘይሰማማዕ ምዃኑ እንከመልክቱ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ናይ ሰፈራ ውሳኔ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጎሪያና ናይ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ መምህር ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ኣባ ጁሊዮ ቺፖሎነ፦ ናይ ኢየሩሳሌም ታሪኻውን መንፈሳውን ገጽ እንክትንትኑ ኢየሩሳሌም ዝብል ቃል ትርጉሙ፣ ኣነ ክርእይ እደሊ እቲ ሓደ ድማ ሰላም ዝብል ቃል ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ድማ ተስፋን ሰላም ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዝሕብር እዩ። ኢየሩሳሌም በቲ ሓደ መዳይ ጦብያ ብኻልእ መዳይ ድማ ውሕስነት ተስምዕ፣ ኣብ ምዕራብ ካብ ምስራቕ ብርሃን መጸ ይበሃል፣ እወ እዚ ድማ እቲ ብርሃን ካብ ኢየሩሳሌም መጺኡ ዘስምዕ እዩ። ኢየሩሳሌም ናይቲ ዝዀነ ገና ዝኸውን ግልጸት ትእምርቲ እያ። ስለዚህ ነዚ ኵሉ ቲዮሎጋውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ዓለማዊ ታሪኻን ብሓፈሻኡ እቲ ልዕሊ 2000 ዘለዎ ታሪኻ ካብ ክርስቶስ ንደሓር እውን ቅድም ወይ ድማ ደሓር ምእታው ሃይማኖት ምስልምና ኢየሩሳሌም ሓንቲ ከተማ እያ። ናይተን ዓበይቲ ኣብ ሓደ-እዚኣብሔርነት ናይ ዝኣምና ሃይማኖታት መንፈሳዊት ከተማ እያ። ኣብታ ከተማ እቲኣ ዘይምቅብባል ዘይምትሕልላይ ክህሉ ብሓቂ ንናይ ኢየሩሳሌም ጸዋዕታ ምቅዋም እዩ ዝኸውን። እታ ከተማ እቲኣ ድማ ናተይ ናታካ ዘይኰነት ናይ ኩላትና ከተማ እያ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.