2014-10-30 15:56:34

መልእኽቲ ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ መንበረ ዋልሲንግሃም


RealAudioMP3 ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብታ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሮምዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ንዝምለሱ ዝምልከት Anglicanorum Coetibus-ኣንግሊካውያን ጉጅለ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቶም ናብ ካቶልካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምልኡ ውህደት ዝመልሱ ኣባላት ኣንግሊካውያን ዘሰንይ ዕለት 4 ሕዳር 2009 ዓ.ም. መንበር ክቐውም ዝወሰንዎ ሓዋርያዊ ቅዋም ሓምሻይ ዓመቱ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ናብቲ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ታሪኻዊ ናይ ባቪየራ ቤተ ጸሎት መንበሩ ናብ ዝገበረ እቶም ካብ ኣንግሊካዊት ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምለሱ መንፈሳውን ሰብኣውን ስነ ስርወ እምነትን ሕንጸት ዝረኽብሉን ኣገልግሎት ዝፍጽሙሉ መንበር እኖ ቅድስቲ ማርያም ዘዋልሲግሃም ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምስረታ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መንበረ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እንከለዉ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ለንደን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቶም ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ውህደት ዝምለሱ ዝሕነጽሉ መንበረ ዘቕርቦ ዓቢይ ኣገልግሎትን እቶም ኣብቲ መንበር ዘገልግሉ ኩሎም ብሓቂ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ተልእዀ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመርሉ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.