2014-10-25 16:34:18

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኵላትና ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንትጋህ፣ ብርታዔና ካብዚ ይምንጭው


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣለዳ ከምቲ ልሙድ መዓልታዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፦ “ኵሉ ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክዓዪ፣ ብርታዔና ድማ ካብቲ ንሓድነት ኣሚትና እንገብሮ ጻዕሪ ዝምንጭ እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
በቲ ብዙህነት ዘርኢ ሰብ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ዘረጋግጽ መንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ገዛእ ርእስና ንኣኡ ክንሓድግ ከምዝግብኣና ዘነጽር ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ብትረት ኣተሓሳሲቦም፣ ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፎሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኣመርኵይዞም፦ ደጊመ ኣነ እሱር ብጐይታ ሓድነትኩም ከተጽንዑ እምዕደኩም” ዝብል ለበዋ ቅዱስ ጳውሎስ ጠቒሶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ከነማዕብል ዝተጸዋዕና ከምዝዀንናን ኵሉ ማሕበረ ክርስቲያን ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክዓዪ ዝተጸውዔ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ክዛረብ እንከሎ ህያዋን እምኒ ይብል፣ እቶም ህያዋን ኣእማን ድማ ኣንሕና ከምዝዀንናን ናይዚ ተጻራሪ ድማ እቲ ብናይ ትዕቢት እምኒ ዝተሃንጸ ናይ ባቢሎን ግምቢ ከምዝዀነ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም፣ እቲ ቀዳማይ ቤተ መቐደስ ሓድነት እዩ፣ ካብዚ ወጻኢ እቲ ካልእ ግን ዕግርግርን ብዙህነት ዘይርዳእን ዘይፈልጥን ምርድዳእ ዘይዓሰሎ ምዃኑ እንክሕብሩ፦ “ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ምጽናዕን ምሕናጽን እዩ ጸዋዕታና፣ ሓደ ሕንጻ ንምሕናጽ ቅድም ቀዳድም ብቑዕ መሬት ምርካብ ደሓር እዚ ምስ ተረኽበ ድማ ናይ መሰረት እምኒ ምርካብ እዩ። እቲ ናይ ርእሲ ማእዝን ዝዀነ እምኒ ማለት መሰረት እምኒ ድለዩ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፣ ስለዚህ ናይ ቤት ክርስቲያን ናይ ርእሲ ማእዝን እምኒ ድማ ኢየሱስ እዩ። ናይ ሓድነት ናይ ርእሲ ማእዝን እምኒ፣ ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ኣብ ጌተሰማንየ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር ‘ኦ ኣቦይ…ሓደ ክዀኑ መታን’ ክብል ዝጸለይ፣ ሓይልና ድማ እዚ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቀድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኢየሱስ እቲ ቤተ ክርስቲያን እንሃንጸሉ ናይ ማእዝን እምኒ እዩ፣ ብዘይ ብኣኡ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምህናጽ ዘይከኣል እዩ፣ እቲ ዋሕስና ዝኾነ መሰረት ኣንተዘየሎ ኣንሕና ከም ቤተ ክርስቲያን የሎናን ሓድነት እውን ከምዘይህልወና ገሊጾም መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ህልው ዝገብር ብዙህነት ኅብረ ባህልን ኅብረ ቋንቋን ኅብረ ዓሌትን መጋበርያ ሓድነት ዝገብሮ መንፈስ ቅዱስ እዩ፦ “ቅዱስ ጳውሎስ ትሕትና ገርሄይናታትን ቦቕባቕን ጥዑምን ልቢ ይሃልኹም ይብል እዚ ድኻምነት ከስምዕ ይኽእል፣ ኰይኑ ግን ሓይሊ እዩ። እዚ ድኻምነት’ዚ መጋበሪያ መንፈስ ቅዱስ ንምዃን ስድንው ዝገብር ኩነት እዩ። ጳውሎስ ይብል ብትሕትናን ብህድንኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጸዋወርኩም ንበሩ፣ እዚ ድማ ምእንቲ እቲ ባዕሉ ጳውሎስ ከምዝብሎ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእስር ሰላም ጌርኵም ክትሕልውዎ ተጋደሉ፣ ትሕትናን ገርሄይናነትን ኣፍቃርነትን ድኻምነት ክመስል ይኽእል ኰይኑ ግን ናይ ሓድነት ክቡር ዋጋ እዩ” ኢሎም ኢየሱስ ዝተኸተሎ መገዲ ዝገልጽ እዩ። ማለት ኢየሱስ ድኹም ትሑት ትሁተ ትሁታን ኰይኑ እዩ መጺኡ። እዚ ድማ ብርታዔ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፦ “ትዕቢትን ርእሰ እኹልነት (ብቕዓት) ኣየድልን እዩ። እቲ ዝተጸዋዕናሉ ጽዋዐ ተስፋ እዩ፣ እቲ ናብ ጐይታ ኣቕኒዕና እንፍጽሞ ጉዕዞ ተስፋ እዩ፣ ኣብታ ብህያዋን ኣእማን ዝቖመት ህያው ቤተ ክርስቲያን ናይ ምንባር ተስፋ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ። ንሓደ ዓቢይ ተስፋ ዝተጸዋዕና ኢና፣ በቲ ኢየሱስ ምእንቲ ሓድነት ንቡኡ ዘቕረቦ ጸሎት ተደጊፍናን ነቲ ብርቱዕ እእማን ገይሩ ዝቐርጸና መንፈስ ቅዱስ ምቹእ ልምሉም መሬት ኰይና ናብ ተስፋ ንጓዓዝ፣ እቲ ጊዜኡ ምስ በጽሔ ኣብ ዝረጋገጽ ዳግመ ምጽኣት ጐይታ ሰብ ተስፋ ኰይና ክንርክበ ንመንፈስ ቅዱስ ልምልም መሬት ንዅን” እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.