2014-10-23 16:39:26

ኣብ ሲኖዶስ ዝተነብረ ሃዋሁ ግልጽነትን ነጻነትን ንቕዱስ ኣቦና ምስጋና ዘገብእ እዩ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ማለት “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራ ቤት ኣብ እዋናዊ ዓለም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ ዝተኻየደ ፍሉይ ሳልሳይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ቅለ መሕትት ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተረእየ ውዕዉዕ ዘተን ክትዕን ባዕሉ እቲ ስድራ ቤት ዝብል ኣርእስቲ ዝጠለቦን ናይ ኵሉ ሕይወት ዝምልከት ብምዃኑ እቲ ዘለዎ ልዑል ክብሪ ዝምስክር እዩ እንክብሉ ሓቢሮም።
እቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ዝተጠልበ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝዘተየ ፍልዩ ሲኖዶስ ካብቲ ቅድም ክብሉ ኣብ ቤተ ክርሲያን ዝተኻየዱ ሶኖዶሳት ፍልይ ዘብሎ ክፉት ሲኖዶስ ምንባሩን ኣዚ ማለት ድማ ብሓባር ጉዕዞ ዝተገብረሉ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንገዛእ ርእሱ ንዝቕጽል ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ክፉት ምዃኑ እዩ። ስለዚህ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘውጽኤ ዕጹው ዘይምዃኑ ገሊጾም፣ ከምዚ ክኸውን ዝደለዩ ድማ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና እዮም፣ እቲ ዘተ ዝተገብረሉ ኣርእስቲ ንኹሉ ሕዝቢ ዓለም ዝምልከት ጉዳይ ሕይወት እዩ፣ ስለዚህ እዚ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ምስ ኩሉ ዝተሓላለኸ ኩነታቱ ዝምልከት ዓለማውያን ምእመናን መጋብያንን ዝምልከትን እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዘጣመረ ብምዃኑ ብሓቂ ከቢድ ኣርእስቲ እዩ ኔሩ ኢሎም። እዚ ኩሉ’ዚ ድማ ነቲ ሲኖዶስ ብሓቂ ውዕዉዕ ዘተ ክህልዎ ከምዝደረኸን እቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተረእየ ኩነት ዘንጸባረቐ እዩ። እዚ ተመሳሳልነት’ዚ ወይ ድማ ምንጽጻር ትኽክለይና እዩ። ዮሓንስ መበል 23 ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ቤተ ክርስቲያን ዝጓዓዝን ኵላውነት ጉዕዞ ዝኣመተ ክኸውን እዮም ዝገበርዎ፣ ልክዕ ከምኡ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዝጠለብዎ ሲኖዶስ ነዚ መንፈስ ክነብር ገይሮምዎ እዮም፣ እቲ ሲኖዶስ ቅድም ክብል መዛተይ ሰነድ ከሰናድው ቢሉ ናይ ሕቶ ሰነድ ናብ መላእ ዓለም እትክርበ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነት ምእመናንን መንፈሳዊ ማሕበራትን ብምትሕልላፍ እቲ ዝተውሃቦ ርእይቶን መልስታትን ድማ ናይቲ ሲኖዶስ መዛተይ ነጥቢ ከምዝነበረን ዓለማውያን ብተዓዛብነት ስልጣን ዘሳተፈን ንኣኣቶም እውን ጽን ዝበለ ከምዝነበረ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ እዚ ዅሉ ከይዲ ናይቲ ሲኖዶስ ርኢኻ ኩሉ ዘሳተፈ ብወከልቱ ኵላዊነት መልክዕ ክለብስ ገይሩ እዩ ምስ በሉ፣ ብተዘዋዋሪ መገዲ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ማሕበረሰብ ዘሳተፈ እዩ፣ ኩላትና ኣብ ጉዕዞ ኢና ስለዚህ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ዝርከብ ዘሳተፈ ክበሃል እንኮሎ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ከከም ናይ ጸዋዕታ ሓላፍነት ዘሳተፈ እዩ።
ዓንቀጸ እምነት ምስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣጣሚርካ ምንባር ቀሊል ኣይኰነን፣ ርእስን ልብን ምርኻብ ማለት እዩ። ኣብቲ ናይቲ ሲኖዶስ መኽፈት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ መርሕ ቃል ሂቦም፣ እቲ ሲንዶስ ምስ ተኸፍተ ድማ ብጽንታ ርእይቶ ብዘይ ምቕራብ ተሳታፊ ኰይኖም ተረኺቦም እዮም፣ እዚ ድማ እቲ ሲኖዶስ ነጻን ግልጽነት ክነብር ስለ ዝደለዩ ምኻኖምን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ርእዮት ክህቡ ናይ ቅዱስ ጴጥርሳዊ ተኸታልነት መሰሎም እዩ፣ ኰይኑ ግን ትሕቲ ቢሎም ነዚ እውን ይጽናሕ ዝበሉ እዮም። ምሉእ ነጻነትን ግልጽነትን ነቲ ሲኖዶስ ኣውሒሶም ዕለት 18 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ሲኖዶስ ዘስምዕዎ ዘረባን ደሓር ድማ መዕጸዊ ሲኖዶስን ንምእዋጅ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ናይቲ ሲኖዶስ እንታይነት ብልዑል ኣገላልጻ ኣነጺሮምዎ እዮም። ናይቲ ሲኖዶስ ተመክሮ ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ንፋስን ኣስተንፎ መንፈስ ቅዱስን ኣመሳሲሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ብሓቂ ሲኖዶሳውነት ዘረጋገጸ እዩ ኢሎም፣ ብዘይ እዚ ዘስምዕዎ ስብከት እቲ ሲኖዶስ ዘይተማልኤ ኰይኑ ምተረፈ ኔሩ፣ ካብ ዓሚዩቕ እምነት ዝመንጨወ ስብከት እዮም ለጊሶም።
ብዙሓት ዘገረሞም ድማ ኣብቲ ሲኖዶስ ውዕዉዕ ምንጽጻርን ዘተን ርኢቶን ኣብ ዝንበረሉ ዝነበረ እዋን ቅዱስ ኣቦና ሓሳቦም ይገልጹ ይኾኑ ዝብሉ ትጽቢት ኔርዎም እዮ፣ ንሶም ግን ፈጺሞም ኩሉ ብነጻነት ሓሳቡ ክገልጽ መታን ድማ ግልጽነት ኣሰራርሓ ክህሉ ስለ ዝደለዮ ብጽንታ ኣብቲ ሲኖዶስ ክነብሩ እዮም ዝመረጹ። ነቲ ሲኖዶስ ዝመርሖ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ዝኣምኑ እዮም፣ ኣብቲ ዘስምዕዎ ስብከት መንፈስ ቅዱሳዊ ልልያ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣነጺሮም እዮም እቲ ዅሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሲኖዶስ ዝነበርዎ መንፈስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ከይዲ ዝሓበረ እዩ ኢሎም።
እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ እቲ ሲኖዶስ ብነጻነት ዝተኻየደን ግልጽነት ዝመልኦ ኣሰራሓ ከምእተኸተለ የነጽር፣ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ሲኖዶስን ቅድም ክብል እውን ወግዓዊ ዘውጽኦ ናይ ንኡሳን ጉጅለ ሲኖድስ ኣበው ዘካይድዎ ናይ ዘተ ሰነድ መሰረት ገይረን ገለ ገለ ነጥብታትን ኣርእስታት ቆንጺብካ ዜና ንምሃብ ዝተኸተልኦ ኣገባብ ናይቲ ሲኖዶስ ምሉእ መልእክዑ ዘየንጸባርቕ ብምዃኑ ኣብ ሕዝቢ ዘይንጹር መልእኽቲ ክበጽሕ ዝደገፈ ኰይኑ እዩ ዝተረእየ፣ ኰይኑ ግን ብዝተፈላለዩ ብፁዓን ካርዲናላትን ብናይቲ ሲኖዶስ ናይ ቤት ጽሓፈት ጉጅለ ዋና ጸሓፍትን ከምኡ እውን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ደረጃ ብቑዕን ንጹርን መግለጽታት ክቐርብ ተገይሩ እዩ ኢሎም “ብተደጋጋሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝህብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እቲ ሲኖዶስ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግዜን ምስ ግዜን እናዓበየት እትኸይድ ምስ ኩሉ ብሓባር እትጓዓዝ ብትሕትና ሰማዒተ ኵሉ ከምዝኾነትን እዚ ድማ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መንፈስ እናሰዓበት እተርእዮ ዘላ ስጉምቲ እዩ። እቲ ሰዓሪ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኩሉ ወይ ድማ ጠሪሹ ወለ ሓደ ዝብል ዘይኰነስ ንቲ ዝተሓላለኸ ህሉው ኩነታት ዓለምን ሕዝቢ ዓለም ግምት ዝህብ ትዕግስቲ ዝዓሰሎ ከይዲ እዩ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን” እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.