2014-10-23 16:32:51

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ መዘኻኸሪ መለኰታዊ ምሕረት


RealAudioMP3 ቤተ ክርስቲያን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ቢላ ድሕሪ ምእዋጅ ንፈለማ ጊዜ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊጡርጊያዊ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣኽቢራ ከምዝወዓለትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በዛ ዕለት ኣብ ዘቕረብዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኩሉ መዓጹዉ ንኽርስቶስ ጋህ ኣቢሉ ከርህው እንክብሉ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ደጊሞም ልባትና ንኽርስቶስ ብዘይ ደረት ነርህው ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማርቲና ቦካሊኒ ሓቢረን።
“ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመላእ ዓለም መለኰታዊ ምሕረት ዘዘኻኸሩን ዝመስከሩን እዮም፣ ዘይርሳዕ ንኸነስተንትኖን ወትሩ ምእንቲ ሰናይ ቤተ ክርስቲያንን ስድራ ቤትን ሕብረሰብን ብተግባር ጭቡጥ ገርና ክንንበሮ ሓዲጐምልና ዝሓለፉ መንፈሳዊ ሃብቲ መለኰታዊ ምሕረት እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቦካሊኒ ኣስዒበን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ክቕበሉ ተኣኪቦም ካብ ዝነበሩ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ንቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ምድራዊ ሕይወቶም ብቐረበ ዝፈለጥዎም እግዚኣብሔር ብኣኦም ኣቢሉ ዝዓደሎም ጸዋዕታን ጸጋታትን እቲ ዝዓበየ ድማ ምልዋጥ ሕይወትን ከምዝመስከሩን እግዚኣብሔር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንቤተ ክርስቲያኑን ሕዝብን ንዓለምን ስለ ዝዓደለ ነመስግኖ፣ ከምቲ ንሶም ሓደራ ዝበሉና ድማ ልባትና ንኽርስቶስ ኣብ ምርሃው ክንዓብይ ብኣማላድነቶም ዝጽልዩ ምዃኖም ከምዝገለጹ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.