2014-10-21 16:19:52

ኣባ ሎምባርዲ፦ ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ድሕሪ ፍጻሜ ዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዝዘተየ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻእን ውሽጥን ልኡካን ጋዜጠይናታት ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።
ኣብቲ ጉባኤ 86 ብፁዕን ካርዲናላትን ፓትሪያርካትን ከምእተሳተፉን 30 ርእይቶ ዝቐረበሉ ጉባኤ ምንባሩን እቶም ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ኣብቲ ዕለት 19 ዝተፈጸመ ናይ ፍሉይ ሳልሳይ ናይ መላእ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝተሳተፉ 6 ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርካት ብፁዓን ካርዲናላት ኣብቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ዘረባ ከምዘስምዑን እቶም ናይ ኩለን ናይ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽሪን ሊቀ መናብርትን ቅዱሳት ማሕበራት ህየንተታት ብምሉኦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዝዝትይ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ምጥላቦም ከምዘመስገኑን፣ ብሓቂ ቅርበትን ሓልዮትን ናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ንማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያን ዝተንጸባረቐሉ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ሓልዮትን ቅርበትን ዘጉልሕ ምዃኑ ዝምስክር ጉባኤ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘረጋገጹ ኣባ ሎምባርዲ ኣዘኻኺሮም ካብ ዒራቕ ሶሪያ ግብጺ ቅድስቲ መንበር ፍልስጥኤምን ሊባኖስን ዝመጹ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርካት ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ከባቢኦም መግለጺ ከምዝሃቡን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ዘጓንፎ ዘሎ መከራ ንስደትን ምዝብልናን ይዳርጐ ከምዘሎ ከምዝገለጹ ጠቒሶም ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኰነ ኣብቲ ከባቢ ንኵላዊት ቤተ ክስቲያን ዓቢይ ግደ ዘለዎም ብምዃኑ ምስራቓውነት ኣድማሱ ዓቂቡ ዋላ’ኳ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ይኹን ኣብ መዳይ ሰላም ዘለዎ ግደ ዓቢይ ምዃኑ እቲ ጉባኤ ከምዘገለጸ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምሓበሩ ኦንዳርዛ ኣመልኪቶም።
“ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክተርፍ ንማእከላይ ምብራቕን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ኵለ መዳያዊ ኣስተዋጽኦ እቲ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብምትሕስሳብ ኣብ ሕንጸት ሰላም ዓቢ ግደ እውን ከምዘለዎን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአይ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣኽራርነትን ኣሸባርነትን ብፁዓን ካርዲናላት ኰኒኖም ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ማሕበራውን ጥቕሚ ዝኣመተ ኣብ ምስትውዓል ዝቖመ ናይ ሓባር ዘተ ኣብቲ ከባቢ ክነቓቓሕ ሓደራ ከምዝበሉ” ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም “ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም መንፈሳዊ ንገድት ክተባባዕን በዚ መገዲ’ዚ ድማ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ናይ እትርከብ ካቶልካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ቅርበት ክምስከርን” ዘተሓሳሰበ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ምንባሩ ድሕሪ ምግላጾም፣ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዓለም ለኻዊነት መልክዕ ክህልዎ ተሓሲቡ ዝተባርዔ ቅልቅላው፣ መፍትሒ ክረከበሉን ዝተጨውዩ ንኽፍቱሕን ብዛዕባ እዚ ርእሰ ጉዳይ ዘማእከለ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተሓስበ መደብ ኣለዎም ዶ ዝብል ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣባ ሎምባርዲ፦ “ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብዚ እዋን ብህጹጽ ዝተሓሰበ ኰነ ብመደብ ዝተተሓዘ ውሳኔ የሎን” እንክብሉ መልሲ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኦንዳርዛ ሓቢሩም።
ኣብ መወዳእታ ይብሉ ኣባ ሎምባርዲ እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ብፅዕና ዝእወጀለን ማሪያ ክርስቲና ዘንጽሕት ድንግል ማርያም ንኣዋጅ ብፅዕናኤን ዝዓርግ መስዋዕተ ቀዳሴ መዓስ ይኹን ኣብ ዝብል ሓሳብ ከምዘምኸረን ገና እውን ከምዘይተወሰነን ከምኡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ኣብ ስሪላንካ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፅዕና ንዝእወጀሎም ኣባ ጁዘፐ ቫዝ ኣብ ዘመልከተ ሓሳብ ከምዝዘተዩ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.