2014-10-21 19:01:49

አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘለው ክርስትያን ብሰንኪ ሸለልትነት አብዝኃ ይስደዱ አለው፣


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቫቲካን ምስ ካርዲናላት ዘካይድዎ ዘለው ብኮንቺስቶሮ ዝፍለጠ ዕጽው ጉባኤ ንቅድስናን ብፅዕናን ብዝምልክተን ካል እ ጉዳያትን ክዝትዩ አብ ዝተጋብኡሉ ኢዩ፣ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፐትሮ ፓሮሊን ብወገኖም ተኸተልቲ ሃይምኖት ምስልምና ንኩሎም ብስም ሃይማኖት ምስልምና ንር እሶም ጀሃዳውያን እናበሉ ዓመጽ ንዝፍጽሙ ክውግዙ ጻው ዒት አቅሪቦም፣ እዚ ጻው ዒት እዚ ነቶም ክርስትያን እውን አብ ፈተና ከይ አትው ምናዳ ብወታሃደራዊ ኃይሊ ክከላኸሉሎም ዝኽ እሉ ካብ ምንዳይን ፖሎቲካውያን ኃይልታት ክሕግዝዎም ካብ ናይ ምድላይ ፈተናን ክጥንቀቁ፤ እኳ ደአ አብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተ ከሐይሉ ዝጽውዕ ኢዩ፣ ካብቲ ቀንዲ ዛዕባ ናይዚ ጉባኤ እዚ ብዛዕባ ቅድስና ብፁዕ ጁሰፐ ቫዝ ናይ ተአምራዊ ቅዱስ መስቀል ናይ ጎዋ ሰበኽቲ መሥራቲ ዝኾኑን ናይ ስሪላንካን ሃገረ ህንድን ሰባኺ ወንጌል ዝነበሩ ከማኡ እውን ናይ ብፅ ዕት ማርያ ክርስቲና ዘንጽሕት ድንግል ማርም መሥራቲት ናይቲ መሥዋዕቲ ዝኾነ ኢየሱስ ናይ ከሓስቲ ማሕበር ደናግል ዝመሥረታ ጉዳይ ቅድስና ብዝምልከት ንምጽናዕ ኢዩ፣
ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝአገረ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላምን ምርግጋእን ክነግሥ አትሪሮም እንክምሕጸኑ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ጸሎት ዘይፈትሖ ነገር ስለዘየለ ነቶም ተጋባእቲ ንጸሎት ዓዲሞም፣ ካብቲ ቅዱስነቶም ብምረት ዝገለጽዎ ፍታሕ ናይዚ ኩሉ ግጭታት ብዘተን ብ ዕርቅን ናተይ ቢሎም ዝሰርሑ ፖሎቲካውያንን ከምዝኾነ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ነቶም አብዚ ከባቢታት እዚ ዝነበሩ ክርስትያን አብቲ ዘለውዎ ጸኒዖም ክነብሩ ዝለዓለ ሓገዝ ክግበር አለዎእምበር ህድማ ፈውሲ ከምዘይኮነ ገሊጾም፣
“ብዙሕ ጊዜ ዕድል አብ ዝረኽብኩሉ ደጋጊመ ከምዝበልክዎ ክርስትያን ዘይብሉ ማእከላይ ምስራቅ ክሕሰብ ዘይብሉ ኢዩ ናይዚ ቦታዚ ክርስትያን ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ንስም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስከሩ ኢዮም፣ አብዚ መወዳእታ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ምናዳ ምናዳ አብ ኢራቅን ሲርያን ዝግበር ዘሎ ብዘይመጠን ዘተሓሳስብ ኢዩ፣ ንክትሓስቦ ዘስካሕክሕ ራዕዲ ንዕዘብ አሎና፣ ብዙኃት አሕዋትናን አኃትናን ተሰዲዶም ብባርባራዊ አገባብ ከአ ካብ ቤት ንብረቶም ተሰዲዶም መርበቶም ክሓድጉ ይግደዱ አለው፣ ክብሉ ምረት ናይቲ ፍጻሜታት ምስ ገለጹ ማኅበረሰብ ዓለም እንተስደንዚዙ እንተስ እንታይገደሰኒ ብማለት ሸለልትነት አሕዲሩ ነታ ክብርቲ ሕይወት ወዲሰብ ዋጋ ከምዝኸል አ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ክብሪ ሕይወት ወዲሰብ ዋጋ ዝሰአነ ይመስል፤ ክቡር ወዲሰብ ከም ማንም ነገር ንካልእ ጥቅምታት ዝስዋእ ዘሎ ይመስል፣ እዚ ከአ ብዙኃት ር እዮም ከምዘይረአዩ ኮይኖም ሸለል ክብሉ ዝኽሰት ዘሎ ኢዩ፣ ርግጽ ነዚ ዘይፍትሓዊ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ አበርቲ ዕካን አዘውቲርካን ምጽላይ የድሊ ኮይኑ ግን ማዕረ ማዕረኡ ከአ ዓለምለኸ ማኅበረሰብ ብቍዕ መልሲ ክህብ ኃላፍነቱ ክዋጻእ አለዎ፣ ብሓገዝ ጐይታ ካብዚ እነካይዶ ዘሎና ርክባት ነቶም ዝሳቀዩ ዘለው አኅዋትናን አኃትናን ንምሕጋዝ ዘኽእል አስተንትኖን ለበዋታትን ከምዝርከብ ርግጸኛ ኢዩ፣ እንክብሉ ሓደራ ምስ በሉ እዚ መሠረት ክርስትና ዝኾነ ቦታ ማእከላይ ምብራቅ ብዘይ ክርስትያን ከይትረፍ ተስፋ አሎኒ ቢሎም፣
ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፐትሮ ፓሮሊን እውን ብወገኖም ዓለም ለኸ ማኅበረሰብ አብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዘስካሕክሕ ኩነታት አጽቂጡ ሸለል ክብል የብሉን፣ እዚ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝካየድ ዘሎ ተራእዩን ተጸሚዑን ዘይፈልጥ ግፍዕን ጭካነን ክግታእን መፍትሕን ክርከበሉ ተማሕጺኖም፣
“ንዘይፍትሓዊ ዓማጺ ጠጠው ክተብሎ ግᎄእ ምዃኑ ወትሩ ምስ ተዘርበ ኢዩ ኮይኑ ግን ነዚ ክትገብር ግን ከምቲ ቅዱስ አቦና ዝበልዎ ዓለምለኸ ሕጊ ተመርኵስካ ኢዩ፣ ኩሉ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ወተሃዳራዊ ፈተነታት ብወተሃደራዊ ኃይሊ ጥራይ ክፍታሕ ከምዝከአል አነጺሩ የመልክተልና አሎ፣ እቲ ዝሓሸ ድሕሪት ተመሊስካ ምኽንያትን ሱርን ናይዚ ጸገም እዚ ካብ አኽረርቲ ሃይምኖት ከምዝኾነ ብሩህ ኢዩ፣ እቲ ብስሙ እስላማዊ መንግሥቲ ብተግባሩ ግን ቍራጽ ዘይጣን ኮይኑ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ግፍዒ ዝፍጽም ዘሎ መን ኢዩ ዝድግፎ ዘሎ አጽዋር ካበይ የምጽእ አሎ ቢልና እንተሓተትና ካብ ፖሎቲካዊ መሰል ደገፍ ጀሚርካ ክሳብ ዘይሕጋዊ መሸጣ ዘይትን ዕድጊ አጽዋርን ተክኖሎጅን ይረኤ፣ ነዚ ብኃባር ንምቅላስ ይብሉ ብፁዕነቶም ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና እጃሞም ከበርክቱ ትኽ ብትኽ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም፣
“ነገራቱ ጭብጥ አቢልካ ብጭብጢ እንክት ዕዘቦ ሓላፍነት ናይዚ ንገዛእ ር እሱ እስላማዊ መንግሥቲ ቢሉ ዝጽ ው ዕ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልማና ኢዩ፣ እዚ ከአ ነቲ መንግሥቲ እስልምና ዝብል ወይ ካሊፈይት ዝብል አይንቅበሎን ምባል ጥራይ ዘይኮነ ሃይማኖት ጉልባብ ገርካ ንዝግበር ቅትለትን ሌላ ጉሌላ ምፍጣርን አነጺሮም ክውግዝዎ አለዎም፣ እቲ ዝገደደ ከአ ንክርስትያን ብሱሩ ካብ ማእከላይ ንም እላይ ዝግበር ዘሎ ናይ ጽንተት ዓመጽ ክግታእ አለዎ፣ ቤተ ክርስትያን ከም አደ መጠን ነዞም አመንቲ እዚኦም ቅርበታ ትገልጽ ም እንታኦም ትጽሊ ብዝተኻእላ ከአ ክትሕግዞምን ክትከላኸለሎምን ኢያ፣ ነቶም ዘከላኸለሎምን ዝድግፎምን ዘይብሎም ብኩሉ ዝተሓድጉን ዝተገለሉን ድምጺ ዘይብሎም ሓቂ ተመርኵሳ ድምጺ ንክትከውን ድንብርጽ አይትብልን ኢያ ክብሉ አቅዋም ቤተ ክርስትያን ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.