2014-10-18 16:33:12

ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ጥዋል፦ ንናይ እዋናዊ ዓለም ብድሆ ክፉት ዝኾነ ሲኖዶስ


RealAudioMP3 ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ጥዋል ብዛዕባ እቲ ስድራ ቤት ዘማእከለ ሲኖዶስ ኣደጊፎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ፦ ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተራእየ ሓድሽ መንፈስ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ኣብ እዋናዊ ዓለም ዝረአይን ኣብ ስድራ ቤት ንዘጋጥሙ ብድሆታትን ኩሉ ክፍትቲ ምዃና እዩ፣ እዚ ክኸውን ዝደረኸ ድማ ቤተ ክርስቲያን ናይ ድሕነት መልእኽቲ ኣብሳሪት ብምዃና እዩ። ስለዚህ ንእዋናዊ ሰብን ኩነትን ብድሆታትን ምስትውዓልን ምሕረትን ዝብል እዩ። ምሕረት ግና ናይ ቤት ክርስቲያን ስርዓትን ዓንቀጸ እምነትን ዘወግድ ዘይኰነስ ዘበርትዕ ምዃኑ ከነስተውዕል ይግብኣና ቢሎም፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ኵነት ስድራ ቤትን ብድሆ ስድራ ቤትን ካብቲ ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአይ ዓመጽን ውግእን ናይ እስራኤል ወተሃደራት ዝፍጽምዎ ናይ ፍልስጥኤም ከባቢታት ምቁጽጻርን ፈላላይ መንደቕን ስደትን ተመዛብሎን እቲ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ዘጋጥም ውሽጣዊ ብድሆ እውን ኣሎ። እቲ ሲኖዶስ ነዚ ኹሉ እዋናዊ ብድሆ ቤተ ክርስቲያን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ገጢማ መልሲ ክትህብሉ ዘተባብዕን ዝመርሕን ሲኖዶስ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. እቲ ናይ ሲኖዶስ ጉባኤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ህሉው ኩነታት ክዝትይ ቅዱስ ኣቦና ቅድም ክብል ዝሃብዎ ውሳኔ ንማእከላይ ምብራቕ ማሕበረ ክርስቲያንን መላእ ሕዝብን ዓቢይ ተስፋ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.