2014-10-18 19:49:55

እግዚአብሔር ንመንግሥተ ሰማይ ከም ዓስቢ ዘለዓለማዊ ሕይወት ሂቡና ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምቲ ልሙድ አብ ቤተመቅደስ ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “እግዚአብሔር ንክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ አቢሉ ንመንግሥተ ሰማይ ከም ዓስቢ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዓዲልዎም ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ብዙሕ ጊዜ ወይ ብምኽንያት ዕጽው ሕይወት ወይ ናይ አመሰሉነትን ፈሪሳውነትን ናብራ እዚ ዓቢ ህያብዚ ተዘንጊዑ ይረኤ” እንክብሉ አብ ዕለቱ ናይ ዝተነበ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈውሶን ቀዳማይ ምዕራፍ ቁ.13 “ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም።
ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ።” ዝብል ከማኡ ከአ ነቲ ካብቲ ብሑቅ ፈሪሳውያን ዝኾነ ናይ አምሰሉነት ናብራ ክጥንቀቁን ብዘይፍርሒ መሰኻኽሩ ክኾኑን ዝዕድም ንነፍስና ሥጋን ብሓባር ናብ ገሃነም ከውድቅ ካብ ዝኽ እል እንበር ንሥጋ በይኑ ክቀትሉ ካብ ዝኽ እሉ ክፈርሁ ከምዘይብሎም በዚ ከአ መንግሥተ ሰማይ ናቶም ከምዝኾነት ዘረጋግጽ አብ ወንጌል ሉቃስ 12 ዘሎ ብምስትንታን ሰቢኾም፣
“መንነትና ከስ እቲ ማኅተም መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ነዚ ከአ ኩልና አብ ጥምቀት ተቀቢልናዮ ኢና፣ መንፈስ ቅዱስ አብ ልብና ምሕታም ጥራይ ዘይኮነ ምሳና ይጐዓዝ ኢዩ፣ እዚ እቲ ኢየሱስ ንሓዋርያት ዘተስፈዎም መጸናንዒ ኮይኑ መንነትና ዝገልጽ ጥራይ ዘይኮነ ዕርቡን ወይ ትሕጃ ውርሻና ኢዩ፣ በዚ ከአ እቲ መንግሥተ ሰማይ አብዚ ምድሪዚ እንከሎና ንጅምሮ፣ ነዚ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝኾነ ሰማያዊ ሕይወት አብዚ ምድሪ እንከሎና ክነብሮ ጀሚርና አሎና ምኽንያቱ ከአ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓተምና ስለዝኾና፣ አብ ኢድና ኢዩ ዘሎ፣ በዚ ማኅተም መንፈስ ቅዱስ መንግሥተ ሰማይ አብ ኢድና አላ፣ እንክብሉ ዝተንተኑ ቅዱስነቶም እዚ ግን ንብዙኃት ክርስትያን ናብ ፈተና ሸተት ካብ ምባል ውሕስነት ክኾኖም አይከአለን፣ ናይዚ ጸገምዚ ቀንዲ ምኽንያት ከአ መንነትና ክንክሕድ አብ ምድላይ ዘይኮነስ ነቲ ዝተዓደለና ብርሃን ብኩሉ ዓጺና ከምዘይረኤ ክንገብር ከሎና ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“አይምውቅ አይዝሑል ዝኾነ ክርስትያን ቀንዲ ጸገም ኢዩ፣ ርግጽ ኢዩ ንጡፍ ክርስትያን ንክመስል ሰንበት ሰንበት ቅዳሴ ይሳተፍ ኮይኑ ግን አብ ሕይወቱ ክርስትና አየንጸባርቅን፣ ዝገደደ ከአ ከም ሓደ አረሜን ይነብር፣ እንተኾነ ወላ ከም አረመን እንተነበረእውን ገና ክርስትያን ኢየ ኢዩ ዝብል፣ አይምውቅ አይዝሑል ኮንካ ምንባር ነቲ ብርሃንካ ምዕፋን እቲ ዚዓበየ ኃጢአት ኢዩ፣ ነዚ ከአ ኢዩ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ካብ ብሑቅ ፈሪሳውያን ተጠንቀቁ እንበለ ካብ አምሰሉነት ክጥንቀቁ ከምዘለዎም ዘመልከቶም፣ ከም ክርስትያን ንክትነብር ምስትምሳል አብቲ ሓዊ ምስ አቶኻ ግን አሰር ክርስትና ዘይብሉ ሕይወት ምንባር ጸገም ኢዩ፣ ክርስትያን ኢና እኳ እንተበሉ እወ ክርስትያን ኢዮም ኮይኑ ዘይክርስትያናዊ ተግባር ኢዮም ዝገብሩ ወይ እውን ዝነበሩ ክበሃል ይከአል፣ ምኽንያቱ ከአ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝገልጾ እታ ብሓቂ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሃንጸት ክርስትያናዊት ሕይወት እዚ ፍረታት እዚ አለዋ፣
“ፍቅሪ ታሕጓስ ሰላም ዓቢ ልቢ ሠናይ ምንዮት ሕያውነት ምትእምማን ትሕትናን ገዛእ ር እስኻ መሊኽካ ምኽአልን፣ አብ መንገዲ መንገስተ ሰማይ ከምዘልና ዘመልክቱ ከአ እዚኦም እንተልዮምና ኢዩ፣ እዚ ከአ ኢዩ መንግሥተ ሰማይ አብዚ ይጅምር ዘበለና፣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሓትመ ሰብ ግድን ኢዩ ፍረታት መንፈስ ቅዱስ ክሓፍስ፣ ጐይታ ነዚ ማኅተም መንፈስ ቅዱስ ክነስተው ዕለሉ ጸጋኡ ክህበና እሞ መንነት ክርስትያናና ፈሊጥና ነቲ አብ ኢድና ከም ዓስቢ ዝተዋህበና ክንጠቀመሉን ክንነብሮን ከኽ እለና ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.