2014-10-18 16:42:55

ኣዋጅ ብፅዕና ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ


RealAudioMP3 ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ብፁዕ ቢላ ክትእውጀሎም ከምዝኾነት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ልሂቅ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ፣ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ብፅዕና ስዒቡ ድማ ቅድስትና ንኽእወጀሎም መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኣባ ኣንቶኒዮ ማራዞን ምኽትሎም ናይ ሰበኻ ሚላኖ ካህን ኣባ ዳቪደ ሚላኒን ኣብ ሰበኻ ብረሺያ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ተዘክሮ ዘነቓቕሕ ቤት ጽሕፈት ልኡኽ ኣባ ፒየርኣንቶኒዮ ላንዞኒን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣልሳንድሮ ጂሶቲ ኣመልኪቶም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ንምእዋጅ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝስራዕ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክሳተፉ ከምዝኾኑን ብፁዕ ካርዲናል ረ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሮም ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ሊቅ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ፍጻሜ ዘብጹሑን ዝመርሑን ሲኖዶሳዊ ከይዲ ዘተኣታተዉን ኣብ ዘተ ዝኣምኑን ጸላይን መንፈሳውን እዋናውነት ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሑን ናይ ኣሕዛብ ትጽቢታትን ሓንቀወታን ጽን ዝበሉን ነቲ እዋናዊ ንእምነት ብድሆ ንምስጋር ቤተ ክርስቲያን ክትስዕቦ ዝግብኣ መገዲ ዘለልዩን ዝሓበሩን እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.