2014-10-18 16:38:30

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር


RealAudioMP3 እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን ንምዳህ ናይ ምዕባለ ፖለቲካን ከምኡ እውን ስርዓት ዕዳጋ ብብቕዓት ዝቖጻጻር ሕጊ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ብዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግባዊ ምኽንያት ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕራሻን ማሕበር ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ፕሮፈሰር ኾሰ ግራዚያኖ ዳ ሲልቫ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “ብኣምልኾ ጣዕት መኽሰብ እናተመራሕካን ብሽም መኽሰብ ንናይ ዋጋ መሸጣ ምጽንጻን ዝረአይ ከይዲ ይወገድ። ኣብ ዓለም ክትግምቶ ዘይከኣል መግቢ ክባኽን እናተረእየ ብጥምየትን ስእነት መግብን ዝሳቐዩ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ ዓለም ምርአይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ብድኽነትን ብስእነት መግቢ ዝሳቐን ሕዝቢ ድምጺ ኰይኖም፦ “እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ናይ እዋናዊ ዓለም ኩነት ብዙሕ ጊዜ ዓቕምን ብቕዓትን ዝፈቅድ ኩነት ስለ ዘይብልና ተገዲድና ብሱቕታ እንርእዮን ገለ ገለ እዋን ድማ ብሸልትይናነትን ብንዓይነትን ኣነነትን መንፈስ ስስዔ ናይቲ ቡዙሕ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ሕዝቢ ኣውያት ጽን ካብ ብምባል ናይ ስቓዩ ተሳታፊ ካብ ምዃኑ ሓላፍነት እንርሕቕን ወይ ድማ እቲ ሓላፍነት ዘይምልከተንና ሓላፍነተይ ኣይኰነን ዝብል መልሲ ንህበሉ (ወንጌላዊ ሃሴት, 54 ተመልከት)” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ዋሕድን ስእነት መግብን ንምብዳህ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፦ “ነቶም ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዘድልየሉ ኩነት ንዝርከብ ረድኤት መግባዊ ዕደላ ወይ ድማ ግብረ ምጽዋት ረድኤት ኣቢልካ ረድኤት ብምቕራብ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ረድኤት ዝኣምን ናይ ሓገዝን ናይ ረድኤት ምስፋሕ ፖለቲካ በቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ምህርትን ዕዳጋን መምርሒ ነቶም ኤኮኖሚኦም ኣብ ሕርሻ ዝቖመን ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚኦም ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ ውሳኔን ከጽንዑ ምድጋፍ እዩ መፍትሒ። ኰይን ግን ክሳብ እቲ ንብዙሓት ሕዝቢ ዓለም በቲ ካብቲ ናይ ሃብታማት መኣዲ ዝወድቕ ተረፈ መረፍ ክዓግብ ዝድርኽ ናይ ምህርትን ናይ ኣህላክን ሜላ ክሳብ ዝቕጽልን ዘይቕየርን ስእነት መግብን ጥሜትን ክውገድ ማለት ሕልሚ እዩ። ካብ ናይ ከይዲ ዕዳጋ ኤኮኖሚ ዘይኰነ ኣብ ፍጥረት ሰብን ማሕበረሰብን ዘማእከለ ኤኮኖሚ ንምርግጋጽ ግዚኡ በጺሑ እዩ። ናይዚ ሳዕቤን ድማ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ስራሕ ፖለቲካ ናይ ኤኮኖሚ ሸቶን ምንቅስቓስን መግባዊ ምህርትን ክንክን ስነ ምህዳርን ዝብል እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“ምዕባለ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ ምርግጋጽ እውን ይሃሉ ኣብ ቀረባ ኣዋን ብዛዕባ እቲ ንምዕባለ ኣሚቱ ዝወሃብ ሕዝባዊ ደገፍ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ ይሕብር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይ ገጠር ኤኮኖሚ ናይ ስድራ ቤት ተራ ዓቢይ ምዃኑ ተኣሚኑሉ፣ እቲ ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዘለዎ ዑቑር ሓይሉ ምትብባዕ ከምዘድልን እዚ ድማ ንርእሰ ብቕዓት ዝድግፍ እዩ። እዚ ዅሉ ግን ምስቲ ምኽባር ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ውሳኔ ዝሳነይ ክኸውን ኣለዎ። ስድራ ቤት ናይ ፍቕርን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ለዋህነትን ኣብ መንጐ ኣባላታ ንኽንበር እተተባብዕን እትሃንጽን እያ። ምእንቲ’ዚ ስድራ ቤት ምድጋፍ ነቲ ተወሃሂድካ ብሰላምን ብምትሕብባርን ምንባር ዝብል፣ ንኹሉ ዘዋስእ ባይታ ምፍጣርን ንመጻኢ ወለዶ ብዓንተውኡ ዘስተውዕል ከይዲ ክውን ክኸውን ምድጋፍ ማለት እዩ። መን እዩ ካብ ቤተሰብ ንላዕሊ ማሕበራዊ ሰላምን ፍትሕን ምዕባለን ሃረር ዝብል? ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ኣብ መንጐ ጭቡጥ ኣዚዩ ኣዳላዪ ስድራ ቤትን ነዚ ተኣሚቱ ዝውጠኑ መምርሕታት ዘሎ ምርሕሓቅ ኣብቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ሓቆፍን ብሔራውን መዳይ ዝርእየ በቲ ንስድራ ቤት ዝሓልይ መምዘንታት ክትካእ ሓደራ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ዓለም ሎሚ ካብ ቀደም እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ውግእን ውጥረትን ብሓፈሻኡ ነቲ ዓውሎማዊ ውጥረት ክወገድ መታን ነዚ ዅሉ ብፍላይ ንድኻታት ኣዚዩ ዝጎድእ ዘበለ መሰናኽል ጭቡጥ መውጽኦ ክህልዎ ዘብቅዕ ኣብ መንጐ ሰብን ሃገራትን ውህደትን ምቅርራብን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ነቲ እተወፍዮ ግብረ ሰናይ ብምቕጻል ናይ ኤኮኖሚ ፖለቲካ ክመዓራረይን መደብ እግዚኣብሔር ኣብ ኣባይቲ ስድራን ዓለምን ብምስትውዓል ክረጋገጽ ብጭቡጥ ተግባር እናደገፈት ትርከብ እዚ ድማ ንማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነስ ንኹሉ ሕዝቢ ዓለም ዝምልከት ብምዃኑ ንኹሉ ኣብ ምግልጋል ትርከብ” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.