2014-10-16 19:25:05

ዕላማ ሲኖዶስ ንመልእኽቲ ክርስቶስ ናብ ስድራቤታት ንምብጻሕ ኢዩ፣


እቲ ዝሓለፈ ሶሙን ጀሚሩ ንክዛዘም ዝቀራረብ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቀንዲ ተል እኮኡ ንመል እኽቲ ክርስቶስ ናብ ሥድራቤት ምትሕልላፍ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ገሊጾም፣
ብፁዕነቶም ከም ጠቅላሊ አዋሃሃዲ ናይዚ ሲኖዶስ እዚ ምስ ተሓጋገዝቶም ኮይኖም ጽማቍ ናይቲ ብአበው ዝቀርብ ዘሎ ሓሳባት ጽሒፎም ንዘተ እንከቅርብዎ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ከም ቤተ ክርስትያን መጠን ነቲ ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቀበልናዮ ሓደራ ክንፍጽም አሎና እዚ ከአ መል እኽቲ ናቱ ናብ ኩሉ ምትሕልላፍ ኢዩ፣ አብዚ ክንጸር ዘለዎ ሓዲሽ መልእኽቲ አይኮነን ንምህዝ ዘሎና ነቲ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቀበልናዮ መል እኽቲ ኢና ከነመሓላልፍ ዘሎና፣ ማእከል ናይ ኩሉ ክኸውን ዘለዎ ክርስቶስ ኢዩ ናይ ሥልጣናዊ ትምህርቱ ፍልጠት ከአ ክመርሓና አለዎ፣
ምክፍፋልን ናይ ሓሳባትን ርእይቶታን ፍልልያትን እንተሎ ተሓቲቶም እንክምልሱ ርግጽ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ እዚ ከአ ኢዩ ንዘተ ዝመርሕ እንተ ከም ናይ ፖሎቲካውያን ምጉጅጃልን ምክፍፋልን ግን የሎን፣ ካብዚ ሲኖዶስ እዚ እንጽበዮ ብቀዳምነት ንቃል ኪዳንን ንስድራቤታትን ዓቢ ምትብባዕ ክህብ ትጽቢት አሎኒ፣ እዚ ምትብባዕዚ ብኃይሊ እምነት ናይ ስድራቤት ሓቀኛነትን ጽባቀን አድላይነትን አብ ሕይወት ደቂሰባት ከስርጽ ንምነ፣ ርግጽ ኢዩ ብዙሕ ፈተናታት ናይ ተነጽሎ ግላውነት አሎ ኮይኑ ግን ንሕና እንአምኖ ብኅብረት ክነብር ዝተጸዋዕና ኢና ማኅበር ከአ ብዘይስድራቤት ትርጉም የብሉን፣ ስድራቤት ዘይብሉ ማኅበር ማኅበረሰብ አይኮነን፣ እዚ መል እኽቲ እዚ አብ ኩለን ቍምስናታት ክበጽሕ አለዎ እንክብሉ ጕዕዞ ሲኖዶስን ዕላማኡን ትጽቢቶምን ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.