2014-10-16 19:22:41

ተስፋ ክርስትያን


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ተስፋ ክርስትያን ተሓጕስካ ንክትሓድር ዝወሃብ ትስፉውነት ዘይኮነስ ነቲ ፍልልይን አነነትን ዘይብሉ ዘመን ክኸስተልና ዝምለስ ኢየሱስ ክርስቶስ ብብርቱዕ ሃረርታ ምጽባይ ኢዩ፣ ነዚ ከአ ኾሊዓ እትዕቅቦ ቤተ ክርስትያን ኢያ” እንክብሉ ነቲ ብዛዕባ ባህርያት ቤተ ክርስትያን ዘስተምህርዎ ትምህርቲ ቀጺሎም፣
አብ መኽፈቲ ትምህርቶም እዛ አብ ጕዕዞ እትርከብ ሕዝቢ እግዚአብሔር ዝኾነት ቤተ ክርስትያን መወዳእታስ እንታይ ኮን ይኸውን ክብሉ ይሓቱ እሞ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ምምላስ ክርስቶስን መወዳእታ ዓለምን ደጋጊሞም ዝሓትዎ ንዝነበሩ ሰብ ተሰሎንቄ ዝሃባ መልሲ “ብኸምዚኸስ ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ጐይታ ክነብር ኢና” እትብል ሓረግ ብምጥቃስ ነቲ ል ዕሊ ሓሙሳ ሺሕ ዝኸውን ዳርጋ ካብ ኩሉ ዓለም ብዝተፈላለየ ምኽንያትን ንንግደትን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ነታ ሓረግ ብምድጋም ነዙይ ት አምኑዶ ቢሎም ይሓቱ እሞ ሃየ ሰለስተ ጊዜ ብሓባር ንድገመን ቢሎም አዚዞም፣ ብምሉ አቶም ከአ ሰለስተ ግዜ “ብኸምዚኸስ ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ጐይታ ክነብር ኢና” ቢሎም፣
“እዘን ቃላት እዚኤን ቅልል ዝበላ ክመስላ ይኽእላ ኮይኑ ናይታ ዝዓበየት ተስፋና ጽ ዑቍ ትሕዝቶ አለወን፣ “ብኸምዚኸስ ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ጐይታ ክነብር ኢና” ነዙይ ትአምኑዶ ሃየኸስ ሰለስተ ጊዜ ንድገመን፣ “ብኸምዚኸስ ንዘለዓለመ ዓለም ምስ ጐይታ ክነብር ኢና” ምስ በሉ ናብ ጽሑፋት ራእይ ዮሓንስ ይሓልፉ እሞ ነቲ ቅ.ዮሓንስ አብ ነቢያትን ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኵሱ ንቤተ ክርስትያን ከም ሓዳስ ኢየሩሳሌምን መርዓትን ገሩ ዝገልጾን እታ አብ መወዳእታ እትገሃድ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ከአ ሓዘንን ፍልልይን ጸገምን ዘይብላ ምዃና ዝገልጾ ም ዕራፍ 21 ጠቂሶም “እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። 4 - ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” እዚ መር ዓ እዚ ሓቀኛ መር ዓ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣.
“እዚ ሓደ አገባብ ብሂል ጥራይ አይኮነን ሓቀኛ መር ዓ ክኸውን ኢዩ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ከማና ሰብ ብምዃን ምሳኡ ሓደ ክገብረና ከአ ብሞቱን ትንሣኤኡን ነታ ንሕና እነቍማ ቤተ ክርስትያን ተመር ዕይዋ ኢዩ፣ እዚ ከአ እንትርፎ ነቲ ናይ ድሕነት ዕላማ አብ ፍጻሜ ምብጻሕ እንተዘይኮይኑ ካል እ አይኮነን፣ እዚ ዕላማ እዚ ከአ አብ ታሪኽ ሕዝበ እግዚአብሔር አብ ታሪኽ ነፍሲ ወከፍና ክሳብታ ፍጻሜ ይጐዓዝ አሎ፣ ነዚ ጕዕዞ እዚ ዘገስግሶ ከአ ባዕሉ ጐይታ ኢዩ፣
አምሳል ናይ ሓዳስ ኢየሩሳሌም እውን ቤተ ክርስትያን ከም ከተማ ኩሉ ብዘይ ፍልልይ ብሰላም ሓቢሩ ዝነበረላ ሓዳስ ከተማ ማለት ኢዩ፣
“ድንኳን እግዚአብሔር ክትከውን ኢያ! አብዚ ናይ ክብሪ ድንጓን እዚ ጽምዋን ፍልልይን ብሥልጣን ምብዕላግን አይክህሉን ኢዩ፣ ናይ ሃይማኖት ናይ ዓሌት ሌላ ጉሌላ አይክህሉን ኢዩ፣ ኩልና አብ ክርስቶስ ሓደ ክንከውን ኢና፣ ተስፋ ክርስትያንከስ እዚ ኢዩ፣
“ተስፋ ክርስትያንከስ ማንም ሃረርታ ወይ ሠናይ ምንዮት ወይውን ምድራዊ ትስፍውነት አይኮነን፣ ተስፋኸስ ክመጸካ ናይ ዘለዎ ብሃንቀውታ ምጽባይ ኢዩ፣ እዚ ክመጽ እ ዘልዎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ከስ ነዚ ሽግ ናይ ተስፋ አብርሃ አብ ዝረኤ ቦታ ክተንብራ አለዋ ከምዚ ብምግባራ ጥራይ ኢያ ንምሉእ ዘመደ አዳም ከም ርግጸኛ ምልክት ድሕነት ኮይና ንኩሎም ብምብራህ ነቲ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ክረኽቡሉ ዝኽ እሉሉ መሪሕ ክትከውን አለዋ፣ እንክብሉ ምስ አስተምሃሩ ነፍሲ ወከና ናብ ገዛእ ር እስና ተመሊስና ከአ ናይዚ ትጽቢት እዚ ሓቀኛ ብርሃን ዝለበስና እሙናት መሰኻኽርዶ ኰና ንመላለስ አሎና፧ማኅበራትናኸ ኢየሱስ ከምዝምለስ እንክጽበዩ ንሱ አብ ማእከሎም ከምዘሎዶ ኮይኖም ይነብሩ አለው ወይስ ዝደኸሙን ተስፋ ዝቈረጹን ኮይኖም ይመላለሱ? ምናልባት ከምተን ዓያሱ ደናግል ናይ እምነት ዘይትና ናይ ሓጐስ ዘይትና ተወዲኡ ከይከውን ነስተውዕል እንክብሉ እምነትናን ተስፋናን ከነሐድስ ሓደራ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.