2014-10-16 19:27:00

ቅድስት ተረዛ ዘአቪላ፣


ብላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ትማሊ በዓል ናይ ቅድስት ተረዛ ዘአቪላ ተዘኪሩ ውዒሉ፣ ምስ ኡ እውን ናይዛ ቅድስቲ እዚአ ልደት መበል 500 ዓመት ተዘኪሩ፣ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዙ ዕለት እዚ ብምዝካር እዛ ቅድስት ናይ ዝተወልደትሉ ዓዲ አቪላ አቡን “ቅድስት ተረዛ ዘአቪላ ናብ እግዚአብሔር ገጽካ ምጕዓዝ ናብ ደቂ ሰባት ገጽካ ምጕዓዝ ምዃኑ ትምህረና፣ አብዚ ቤተ ክርስትያን መበል 500 ዓመት ልደት ቅድስት ተረዛ እትዝክረሉ ዘላ ዕለት ነዙይ ንዘክር” እንክብሉ መል እኽቲ ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣
ቅዱስነቶም አተሓሒዞም ቅዱስ ወንጌል ምንጪ ኩሉ ምዃኑ እምበር ክበድ ክኾነና ከምዘይብሉ “ቅዱስ ወንጌል ንልብና ብታሕጓስ እግዚአብሔር መሊኡ ንካልኦት ከምዚከማና ደቂ ሰባት ክነገልግል ምንጪ ዝኾነና እምበር ከቢድ ናይ ሓጻውን ሻንጣ አይኮነን፣ ቅድስቲ ተረዛ አብ ኢዳ ወንጌል ሒዛ አብ ልባ ከአ መንፈስ ቅዱስ መሊአ አብቲ ግዜአ ናብ ጐደንታት ዓዳ ብምውጻእ ቃል አምላኽ ብግብርን ብቃልን ምሂራ” ቢሎም፣
መንፈሳውነት ቅድስት ተረዛ ብሓጺር ንምግላጽ ከአ አርባዕተ ቃላት መሪጾም፤ ሓጐስ ጸሎት ሕውነትን አብ ግዜኻ ንገዛእ ርእስኻ ምውፋይን ቀንዲ መለለዪአ ከምዝኾነ እቲ ሓጐስ ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝምንጩ ኮይኑ ንካል ኦት ንክተፍቅርን ንኽተገልግልን ዝደፋፍ እ ሓጐስ ኢዩ፣ እዚ ኩሉ ከአ ንጸሎት ይምግብ ጸሎት ከአ ንኩሉ ተስፋ ቍርጸት ሓሊፉ ሓደስቲ ሠናይ ተበግሶታት ንክትገብር ይሕግዝ፣ ድሕሪ ቢሎም ሕይወታ ናይ ብሕትውና ሕይወት ምንባሩ ኮይኑ ግን እዚ ካብ ዓለም ከምዘይፈለያ ብተጻዩ ሓዲስ ድፍ ኢትን ትብ ዓትን ብምፍጣር ንሕዝባ ክተገልግል አበገሳ፣ ነቲ ናይ ዘመና ጸገማት ንምሽናፍ ከአ አኽአላ፣ አብዚ ዘመንና ካብ ቅድስት ተረዛ እንመሃሮኸስ እምነትና አብ ገንዘብን ሥልጣንን ብምግባር አብ ቅልውላው አቲና ስለዘሎና እግዚአብሔር ክንዲ ኩሉ ስለዝኾነ ንሱ ጥራይ ይ አኽለና እንተቢልናን አባኡ አሚና እንተተጓዒዝናን ክን ዕወት ከም እንኽ እል ኢዩ፣ ን እግዚአብሔር እንተሓዝና እኹል ኢዩ፣ ን እመን እንክብሉ መል እኽቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.