2014-10-11 18:22:43

ኅልናኻ ምምርማር ካብ ጥንቲ ዝነበረ ዝበለጸ መጋበሪ ንስሓን ቅድስናን ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ፈተናታት ዲያብሎስ ክንሃድምን አብ ልብና ሕማቅ ነገራት ከይአቱ ንምክልኻልን ናይ ኅልና መርመራ ምግባር ዝበለጸ መጋበሪ ምዃኑ ገሊጾም፣
አብ ዕለቱ ዝትነበ ወንጌል ካብ ሉቃስ 11 ኮይኑ ብዛዕባ ምውጻእ አጋንንቲ ምስ ጸሓፍትን ሊቃውንትን እንክከራኽር ንሱ ብኃይሊ አምላኽ ከምዘውጽኦም እንተኾነ እቲ ዝነጽሔ ሰብ እንተዘይተጠንቂቁ “ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፥ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል።
ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ።” ክብል የጠንቅቅ፣
“ጐ.ኢ.ክ አብ ምድረበዳ ብዲያብሎስ ምስ ተፈተነ አብ ወንጌል ሉቃስ እንረኽቦ ክፋል እቲ ሰይጣን ንጊዜኡ ሓደጎ ይብል እዚ ማለት ከአ አብ ሕይወት ኢየሱስ ጸጸኒሑ ም እንቲ ክፍትኖ ይመላለስ ነሩ እዚ ከአ መጻወድያታት እናሰናደው አብ ሕማማት እውን ክሳብ መስቀል ፈቲንዎ ኢዩ፣ አብ መስቀል እንከሎ እውን ብአፍ እቶም ከሓድቲ ገሩ ንስኻ ወዲ አምላኽ እንተዀንካ ካብ መስቀል ውረድ እሞ ብ አኻ ክንአምን ቢሎሞ፣ እዛ ቃል እዚአ ልቢ ከምትትንክፍ ኵልና ንፈልጣ ኢና፣ እስኪ ትኽእል እንተኾንካ አርእየኒ ሱቍቢልካ ኢኻ አይትኽ እሎን ክብሉኻ ከአል ኩሉ ክንስኻ ኃያል ፈተና ኢዩ፣ ስለዚኸስ ሰይጣን ከምቲ ምስ ኢየሱስ ዝገበሮ ክሳብ መወዳእታ ካብ ምፍታን ዓዲ ስለዘይውዕል ወትሩ ዕጡቃት ክንከውን የድሊ፣ ልብና ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ብምግባር ካብዚ ፈተናዚ ንከላኸል፣ ልብኻ ምሕላው ልክ ዕ ሓደ ገዛ ከምምሕላው ኢዩ፣ መፍትሕ መርሆ ሸጋጥ ወይ ካል እ ዝኾነ መከላኸሊ ገርካ ገጥ ምባል ኢዩ ዘድሊ፣ እንተዘየሎ ሕማቅ ሓሳብ ሕማቅ ሕልና ቅንኢ ሕሳደ አብ ከባቢና ሸኾርተት ስለዝብሉ እንተዘይሓሊና አብ ልብና ብቀሊል ክአትው ይኽእሉ፣ ምስ ጐይታ ሕይወት ጉጅም ዝብል ልቢ ንጐይታ ጽን ዝብል ልቢ እዚ ፈተናታት እዚ ክቅልቀሎ አይክእልን፣ ከም ገለ ሰቲኾም እንተአትዮም ግን መዕደሪ ቦታ ረኺቦም ከሰራጥዩና ስለዝኽእሉ ወትሩ ናይ ኅልና መርመራ ክንገብርን ልብና ክነንጽሕን ናይ ግድን ኢዩ፣
“አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ካልእ ዝብለና እውን አሎዎ ምሳይ ኰይኑ ዘይ እክብ ይብትን ይብለና ካብዚ ክንድሕን እቲ ጥንታዊ ዝኾነ ግን ብዙሕ ፍረ ዝሕፈሶ ናይ ኅልና መርመራ ክነካይድ የድሊ፣ ቀቅድሚ ምድቃስና ናብ ልብና ምልስ ቢልና ሎሚ ከመይ ውዒለ እንታይ እንታይ ሓሲበ ሰሪሔ ቢልና አብ ቅድሚ አምላኽ ኅልናና ምምርማር አገዳሲ ኢዩ፣ ነዚ እንተዘይገቢርና ዘድሊ ሓለው ንገብር የሎናን ማለት ኢዩ፣ ናይ ኅልና መርመራ ሓደ ጸጋ ኢዩ ከመይ ልብና እንክንሕሉ ነቲ አብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ንሕሉ ማለት ኢዩ፣
“ሰይጣውንቲ ተመላሊሶም ከምዝመጹ ኢየሱስ አነጺሩ ይነግረና ንሕና ከአ ነዚ አጸቢቅና ንፈልጥ፣ ክኸሰና ድሕሪ ሞት እውን ከምዝስ ዕበና አይንዘንግ ዕ፣ ስለዚ ብሕትው ቢልና ብጸጥታ ልብና ንፈትሽ ንሓሉ፣ ካብቲ መታለሊ ዝኾነ ፍሕሶ አጋንንቲ ከአ ክንድሕን ኢና፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.