2014-10-11 16:38:37

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ናይ ሕውነትን ነጻነትን ሃዋሁ ኣብ ሲኖዶስ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፦ “እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ፍሉይ ሳልሳይ ሲኖዶስ ብሓቂ ናይ ሕውነትን ነጻነትን ሃዋሁ ዝዓሰሎን ሕጉስ ከምዝኾነን እቲ ብዛዕባ ቤተሰብ ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ ቤተሰብ መንፈስ ዝዓሰሎ ኰይኑ ክትርኢ ብሓቂ ክንደይ ደስ የብል” እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ ብፍላይ እታ ኣብ ጸገምን ጸበባን ስደትን ኣብ ሃዋሁ ተስፋ ቁርጸት እትርከብ ስድራ ቤት በይና ከምዘይኰነትን ቅርበት ኵላዊት ቤተ ክስቲያንን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዘረጋግጽ ሲኖዶስ ከምዝኾነን እቲ ዘጓንፍ ሽግር ኵሉ ዝፍታሕ ከምዝኾነ ክትኣምንን ወንጌል ስድራ ቤት ኣዚዩ ኣገዳስን ዛዕባ ስድራ ቤት ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እታ ስድራ ቤተ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስኣን ኣብ ቤታን ከምዘሎ ናብ ዝብል እምነት ዘብጽሕ ክኸውንን ወንጌል ስድራ ቤት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ እታ ስድራ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ማለት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባንን ምሥጢረ ትኽሊልን። ኢየሱስ ኣብ ጎድኒ መራዑትን ምስጢረ ተኺሊል ዝቕበሉ ኰይኑ ወትሩ ኣብ ሕይወት ስድራ ቤት ዘስንይ ከምዝኾነን ኢየሱስ ኣብ ቤታ ከምዘሎ እትኣምን ስድራ ሽግርን መከራን እውን እተጋጠመ ካብ ቀቢጸ ተስፋ ፈተና ከምእትናገፍ ዘረጋግጽ ዘሎ ሲኖዶስን ምእንቲ እታ ኣብ ዓቢይ ሽግርን መከራን እትርከብ ስድራ ዝጽልይ ሲኖዶስ እውን ምዃኑ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.