2014-10-11 16:43:41

ብፁዕ ካርዲናል ቨርሳልዲ፦ ዓቢይን ዓሚዩቕን ኣተኵሮ ኣብ ሕንጸት ምስጢረ ተክሊል


RealAudioMP3 ብዝሒ ምስጢረ ተኺሊል ዘፍረሱ ርኢኻ ሕንጸት ኣብ ምስጢረ ተክሊል ክሳብ ክንደይ ዓሚዪቕን ዓቢይን ክኸውን ከምዘለዎ ትርዳእ፣ እዚ ሕንጸት’ዚ ድማ ብሓባርን ብውልቅን ክኸውን ኣለዎ። ስለዚህ ትርጉም ምስጢረ ተኽሊልን ትጽቢታቱን ሸቶኡን እቶም ሓደ ክንከውን ንደሊ ቢሎም ዝሓቱ ሰባት እቲ ዝብልዎ ሓደኣውነት ኣጸቢቖም ክርድእዎን ክጽልይዎን ክዅክስኩስዎን ዘብቕዕ ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ስርዓት ቅዳሴ መርዓ ኣብ ቤተ ክርስቲያን የውሕድ ይኽውን ኰይኑ ግና ናብ ሓቀይና ምስጢረ ተኽሊል ዘብጽሕ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳያት ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ ቨርሳልዲ ምስ ርዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፣ ድሕሪ ምቕባል ምስጢረ ተኽሊል ጸገም ክህሉ ይኽእል ንቡር ድማ እዩ፣ እቲ ጽገም ንምፍታሕ ዓቢይ ጻዕሪ ይሓትት፣ እቲ ጸገም ከይኽሰት ድማ ብዓንተውኡ ምጥንቓቕ ንጽንዓት ቃል ኪዳን ዋሕስ እዩ። ኣብ ዓመት እምነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እምነት ጸጋ እዩ፣ ኰይኑ ግን ኣብ ስርወ እምነት ሕንጸት ኣገዳሲ ከምዝዀነ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ዓለማውያን ምእመናን ብሕንጸት ስርወ እምነት ክስነዩ ይግባእ፣ ኣብዚ መዳይ ዘገልግሎም ጓሳ የድልዮም በዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢልካ ድማ ነቶም ምስጢረ ተኽሊል ክንቅበል ንደል ንዝብሉ ነዚ ውሳኔ ዝድርኾም ብሓባር ምስኦም ኰይንካ ምንዳይን ጽን ምባልን ዝብል ሓላፍነት ዘድምዕ እዩ። እዚ ዓይነት ምቕርራብ መርዓ ልበ ወለድ ከምዘይኰነ የገንዝበካ ጸገም ክህሉ እውን ክምዝኽእል እቲ ሓቅ የፍልጠካ፣ ፍትሕ ዝነበረ እዩ ክህሉ እውን እዩ፣ ካብዚ ተበጊስካ ግን እቶም ምስጢረ ተኺሊል ክንቅበል ዝብሉ ክንፋታሕ ንኽእል ኢና ዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሮም ቃል ኪዳን ይእሰሩ ማለት ኣይኰነን። ክትፋታሕ ቢልካ ኣይትምርዓውን፣ ቀጻሊ ሕንጸት ምስጢረ ተኽሊልን፣ ቅድመ ምስጢረ ተኽሊልን ድሕሪ ምስጢረ ተኽሊልን ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ቃል ኪዳን ክኣስር ዝብለካ ምስጢረ ጥምቀት ተቐቢሉ ናብ ድሕነት ዝቐረበ እዩ፣ ስለዚህ ድሕሪ ምስጢረ ጥምቀት ዝቕበሎ ምስጢረ ተኺሊል ንገዛእ ርእሱ ቅዱስ ምስጢር እዩ፣ ምስጢረ ተኽሊል ዓቢይ እምነት ዝሓትት እዩ። ምስጢረ ተኽሊል ተራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም በዓል ወይ ድማ ባህሊ ኣይኰነን እምነት ዝሓትት ቅዱስ ምስጢር እዩ። ግብረ እምነት ምዃኑ ምስ እትፈልጥ ድሕሪ መርዓ ንዘጋጥም ሽግር ክትሰግሮ ትኽእል፣ ምስጢረ ተኺሊል በዛ ዕለት ክንቅበል ንደሊ ቢሎም ድሮ ወሲኖም ይመጹ፣ እዚ ዝተለምደ ኰይኑ ኣሎ፣ በምሰረቱ ግና ጌጋ እዩ፣ ምስጢረ ተኽሊል ክንቅበል ንደሊ ቢሎም ክሓቱ እዩ ዝግባእ። ድሓር ምስ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ዓሚይቕ ሕንጸት ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ምስ ተቐበሉ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ድማ መዓስ እቲ ምቕባል ምስጢረ ተኺል ብሓባር ይውስኑ። ቅድም ናይ ሕንጸት መደብ ክከታተሉ ኣለዎም፣ ንመላእ ሕይወተይ ትብሎ ውሳኔ ብጉያ ጉያ ዝብጻሕ ኣይኰነን። ንመላእ ሕይወተይ ዝብል ውሳኔ ብሓቂ ናይ መላእ ሕይወት ሕንጸትን ብስለት ይሓትት ኢሎም።
ዝሓመመ መርዓ ማለት ኣብ ሽግር ዝርከቡ ሰብ ሓዳር ይመጹኻ ቤተ ክርስቲያን ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ኣብ ዓውዲ ከምእትረክብ ቤት ሕክምና እቲ መርዓ ናብ ሞት ዝዳረጐ መርሚራን ኣለሊያን ተሕውይ። እዚ ቅድሚ ምዃኑ ግና እቲ ዝበለጸ እታ ኣብ ዓውዲ እትርከብ ቤት ሕክምና ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ካብቲ መርዓ ንሞት ዝዳርግ ሕማም ከመይ ቢልካ ኣቐዲምካ ንምጥንቓቕ ዘብቅዕ እተቕርቦ ዓቢይን ዓሚዩቕን ሕንጸት ምስጢረ ተኽሊል እዩ እንክብሉ፣ ምሕረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስርወ እምነት እዩ፣ ስርወ እምነት ድም ድሕነት እዩ። ስለምታይ ባዕሊ ጐይታና ክኹንን ወይ ድማ ክፈርድ ዘይኰነስ ክምሕር እየ መጽኤ ዝብሎ ቤተ ክርስቲያንን ስርወ እምነትን በትሪ ፍርዲ ኣይኰነ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.