2014-10-11 18:20:45

1 ሰንበት ዘጽጌ 2ጥቅ 2007 ዓ.ም. (10/12/14)


RealAudioMP3 ምስ ማርያም አብ መአዲ አምላኽ ዕዱማት ኢና።
መዝሙር፡ ትዌድሶ መርዓት እንዘ ትብል ነዐ ወልድ እኁየ ንፃዕ ሐቅለ. . . . ።
ንባባት፡ ፊሊጲ 4:12-20፥ ራእ 21፡1-9፥ ግ.ሓ. 15፡22-ፍ፥ ማቴ 22:1-4።
ምስባክ፡1. ፍሬ ጻማከ ተሤሠይ፥ ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ፥ ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሓ ቤተከ። “ዕዮ አእዳውካ ዘፍረዮ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብፁዕ ኢኻ፥ መነባብሮኻ ኹሉ ኸአ ኺባረኽ እዩ፥ ሰበይትኻ አብ ውሽጢ ቤትካ ከም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን እያ” መዝ. 128፡2~3።
2. እስመ ፈተወ ንጉሥ ስነኪ፥ እስመ ውእቱ እግዚእኪ፥ ወይሰግዳ ሎቱ አዋልደ ጢሮስ በአምኃ። “ብመልክዕኪ ንጉሥ ክፈትወኪ እዩ፥ ንሱ ጎይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ፥ ሕዝቢ ጢሮስ ገጽ በረኸት ኬምጽኡልኪ እዮም” መዝ. 45፡11።
አብ ናይ ግዕዝ አቆጻጽራ ዘሎናዮ እዋን ካልአይ ክፍሊ ዓመት እዩ መጽው ይብሃል፥ ካብ 26 መስከረም ~25 ታሕሣሥ ዘሎ እዩ። አብኡ ፫ ንኡሳን አዝማን ይርከቡ፡
1. ዘጽጌ፥ 6 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ብ፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ይፍለጥ። 2. ዘአስተምህሮ 5 ሰናብቲ ዝሓዘ ዘወረደ፥ ዘቅድስት፥ ዘምኵራብ ዘመጻጉዕ፥ ዘደብረ ዘይት። 3. ዘስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል 3 ሰናብቲ ዝሓዘ፡ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ።
ዘመነ ጽጌ እምብአር ፮ ሰናብቲ ዝኀዘ እዩ። አብዚ እዋን ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ብአምሳል ርክብ መርዓትን መርዓውን ነቲ አብ መኀልየ መኅልይ “ንወዲ ኀወይ. . . . . መርዓት ትውድሶ” ዝብል መሰረት ገሩ ንምሕረት አምላኽ ይገልጽ። ሎሚ እውን አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ርክብ ክፈጥር ይደሊ አሎ። እንተ ቐረብናዮ አብ ሕይወትና ተሓድሶን ለውጥን ክገጥመና እዩ ብፍላይ ዕድመ አምላኽ እንተ አኽበርና ጸጋን በረኸትን አብ ሕይወትና ይህበና ስለዚ ዕድሚኡ አኽቢርና አብኡ ንቕረብ።
ዘመነ ጽጌ ብፍሉይ እውን ንማርያም ዝውሃብ ጊዜ እዩ። ማርያም ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ከምኡ አብዚ ዓለም እንከላ እትኽተሎ ዝነበረት ሕይወት እናገለጸ ዕብየት ማርያም ክነስተንትን ፍሉይ ጊዜ ይኸፍተልና። ሓደ ካብቲ ንማርያም ክብሪ ዝህባ ንዕድመ አምላኽ ሕራይ ምባላ እያ። ማርያም ሎሚ እውን ንሕና ደቃ ነቲ አምላኽ ዘቕርበልና አሰራ ተኸቲልና ሕራይ ክንብል እዩ። ካባይ እንታይ ይደሊ አምላኽ፦ ምስ ሓወይ ክዕረቕ፥ ንጽጉም ክሕግዝ፥ ንሕሙም ክበጽሕ፥ ካባይ እንታይ ይደሊ ኢልና ንሕሹኽታ አምላኽ መልሲ ክንህብ ንሕተት አሎና።
አብ መዝሙር ናይ ሎሚ ሰንበት “መርዓት ንመርዓዊ እናወደሰት ኦ ሓወይ ንዓ ንግዳም ንውጻእ እሞ ወይንን ሮማንን ፈርዩ እንተሎ ንርአይ፥ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝሸለመ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘጌጸ። ንሱ ሓደ ወዱ ጎይታ ሰንበት እዩ። መርዓት ኦ ሓወይ ቃልካ ጥዑም እናበለት ትውድሶ”።
አብ መንጎናና አብ መንጎ አምላኽን ዝህሉ ርክብ ብአምሳል ርክብ መርዓውን መርዓትን ይገልጾ፥ ናይ ክልተ ፍቑራት ርክብ ካብ ልቢ ስለ ዝነቅል አብኡ ሓጎስ ምርድዳእ ሓልዮት ዝመልአ እዩ። ክርስትያናዊ ሕይወት ምስ አምላኽ ዘራኽብ ስለ ዝኾነ ብሓቂ እንተ ነቢርናዮ ነዚ ጸጋታት እዩ ዝዕድለና ስለዚ ርክብና ምስ አምላኽ ክንርእዮ እንተ ኸአልና አባና ኩሉ ክህሉ እዩ።
ካብ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝተነበና ብምሳሌ ገሩ ኢየሱስ በቶም መራሕቲ ህዝቢ ከምእተነጽገ ይነግረና። ነዚ ክገልጺ ኢሉ ነቲ ምሳሌ አብ ሰለስተ መቒሉ ይነግረና። 1. ክልተ ዕድመ ናብቶም አብ መርዓ ከምጹ ዝተደልዩ ተላኢኹ። 2. አብ ኩሎም ድኻታትን ጽጉማትን ዕድመ ተላኢኹ። 3. አብቲ ብዓል ዝሳተፉ ከማልእዎ ዝነበሮም ነገራት ነርዎም።
እዚ ማቴዎስ ዘቕርቦ ምሳሌ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽን እቶም ምስኡ ሱታፌ ዘለዎም ህዝብን እዩ ዝዛረብ። አብዚ በቲ ንወዱ መርዓ ዝገብር ንጉሥ ተመሲሉ ይንገር። አብ ኢሳያስ 25፡6-10 ዘሎ እንተ አንበብና ነዚ ክንርዳእ ዝሕግዘና ብዛዕባ እግዚአብሔር ንህዝቡ ዝቕርቦ ዓቢ ምሳሕ ይነግር። አብኡ ዝበለጸ ዓቢ ምሳሕን ዝበለጸ ደረቕ ወይንን ክሰናዶ እዩ፥ ሓዘን ወይ ሞት አይክህሉን እዩ፥ ንሞት ንሓዋሩ አጥፊኡ ንንብዓት ከአ ኻብ ዓይኒ ኹሎም ክደርዞ እዩ፥ ንሱ ስለ ዘድኃነና ኽአ ንሕጎስ አሎና ባህውን ይብለና አሎ ዝብል ነንብብ።
አብቲ ምሳሌ ወንጌል እውን እቲ ንጉሥ ብዙሓት ካብ አገልገልቱ ናብ ህዝበ እስራኤል ልኢኹ፥ እዚ ኸአ ነቶም በብእዋኑ ዝልእኮም ዝነበረ ነብያት ካብቲ ጌግኦም ክምለሱ ፍቕርን አገልግሎትን ክገብሩ ዝነግሩ ዝልአኾም እዩ ዘመልክት። እንተ ኾነ አይተመልሱን ነቲ ዕድመ አምላኽ ነጺጎሞ ይብል ኢየሱስ።
ካልኦት ጋንታ ልኡኻት ሰዲዱ “እንሆ መአደይ አዳልየ አሎኹ. . . ኹሉ ተዳልዩ አሎ እሞ ናብ መርዓይ ንዑ በልዎም ኢሉ ለአኸ”። አምላኽ ክዕድም ክጽውዕ እንከሎ ኩሉ ጊዜ ቅልጥፍ/ህውኽ ዝበለ እዩ። እቲ እንኮ እዋን እትምልሶ ኸአ “ሕጂ” እዩ። ኩሉ ጊዜ መልሲ ክንህብ ስንድዋት ክንከውን አሎና። አብዚ ምሳሌ ዝኸውን ግን ከምኡ አይኮነን። እቶም ዝተዓደሙ አይግደሱን፥ ምናልባት ገሊኦም በቲ ናብርኦም ትሑዛት ወይ ከአ ነቶም ልኡኻት ንጉሥ አጋፍዕዎምን ቀተልዎምን።
አብ ርእስና ክንምለስ ክንደይ ካባና እዮም ከምቶም ቀዳሞት? ክሳብ ክንደይ እዩ ወላ አብዛ ሕጂ ስዓት ነቲ ካብ አምላኽ ዝመጸና መጸዋዕታ ዕጹዋት እንኸውን ዘሎና እንቕርቦ ምኽንያት ኸአ አብቲ ግዝያውን ንአና ጥራሕ አብ ዝግድሰና ነገራት ቀዳምነት ሂብና ካልእ ዘይግድሰና ኮና፥ ዋሕስ ክህቡና አብ ዘይክእሉ ነገራት ቀዳምነት ሂብና ንነብር አሎና።
ካልአይ እቲ ንጉሥ ነቲ ዝኾነ ምስ ሰምዐ ተቖጢዑ ይብለና ኢየሱስ። “ወተሃደራቱ ልኢኹ ነቶም ቀተልቲ አጥፍኦም ከተማኦም እውን አንደደ” ይብል እዚ ምናልባት እቲ ወንጌላዊ ዝሃቦ ትርጉም እምብአር አብ መጀመርያ ክፍሊ ናይ እቲ ምሳሌ ዝነበረ አይመስልን። ብእዋኑ ንዝተረኽበ ኩነት አዛሚዱ ክርእዮ ከሎ ሮማውያን ብ70 ዓ.ም. አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘውረድዎ ዕንወትን ጥፍአትን ዝምልከት እዩ (ወንጌል ማቴዎስ አብ 85 ዓ.ም. እዩ ክዝውተር ጀሚሩ)። ሎሚ እውን ነዚ አብ ዘመና እንተ ረአናዮ ክንደይ ልኡኽት መልእኽቲ አምላኽ አብ ብዙሕ ቦታታት ይእሰሩን ይሕበሱን ይግፍዑን ይቕተሉን ንርኢ አሎና።
እቶም ቀንዲ ዕዱማት ምምጻእ ምስ አበዩ እቲ ንጉሥ “መርዓይ ዝተዳለወ እዩ” ኢሉ ንጊላዎቱ ዝረኸብዎ ሰብ ክዕድሙ ይልእኮም። ሕጂ እውን እቲ ዕድመ ንጉሥ ህጹፍ መልሲ እዩ ዝጽበ። አብዚ እዋን እቶም አገልገልቲ አብ ገዛውቲ አብ እንዳ ሃብታማት ዘይኮነ አብ ቀራና መገዲ ከይዶም ክዕድሙ ይልአኹ። አብ ጊዜ ኢየሱስ ከተማታት አፍደገታት ከምኡ ናይ ዕዳጋ ቦታታት ነርዎን። ሓፋሽ ህዝቢ ኸአ ብብዝሒ አብኡ ይርከቡ ነሮም፥ መብዝሕትኦም ብሃይማኖትን አብ ሕብረተሰብን ከም ካልአይ ዜጋ ዝርአዩ፥ መኽፈልቲ ቐረጽ፥ ዝሩጋት ኩሎም እቶም ጽሉአት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝሓዘ እዩ። ብዘይ ሓደ አፈላላይ እቲ አዳራሽ መርዓ ክሳብ ዝመልእ ኩሎም ተዓዲሞም ጥዑያትን ዘይጥዑያትን ከአ ዳስ መልእዎ።
አብዚ ሕይሩይ ህዝቢ ወይ ፍሉያት ምሩጻት የለዉን። ቤተ ክርስትያን አብ ውሽጣ ንኹሉ ትጽውዕ። ኩሉ ጊዜ ከምኡ ነራ ሕጂ እውን ከምኡ እያ፥ ቤተ ክርስትያን ብጻድቃንን ብኃጥአንን ዝቖመት እያ። ሓደ ክንዝንግዖ ዘይብልና ኩሉ ጊዜ ፈተና ናይ ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ዝብል ፍልልይ ክህሉ እዩ፥ ኵሉ ጊዜ ንሕና ዝብል ስምዒት ንርእስኻ ወይ ንወገንካ ካብ ካልኦት ዝበለጽካ ገርካ ምሕሳብ አሎ እዚ ግን ምንጪ ናይ ጥፍአትን ኃጢአትን ከምኡ ሕማም አብ ቤተ ክርስትያን እዩ። አብ ብዙሓት ከም ዝርአ ፍልልይ ወገንነት አብ መንጎ ሰባት ነጊሱ ሕማም ኮይኑ ንርኢ ብዙሓት ሃገራት ቍምስናታት በዚ ክሳቐያ ይርአ። ከም ባህጊ ካብ ኩሉ ሕማምን ክፍአትን ነጻ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ወይ ቍምስና ክትህልወካ ክንደይ ሰናይ እዩ እንተ ኾነ ዘይክአል እዩ፥ ከምኡ እንተ ኾነ ቤተ ክርስትያና ካቶሊካዊት አይኮነትን ኩሉ ጊዜ ኃጥአንን ጻድቃንን ዘለዋ ቤተ ክርስትያን እያ ናትና። ጻድቃን ጥራሕ ዝሓዘት ቤተ ክርስትያን አብዚ ዓለም የላን።
አብ መወዳእታ ናይ እቲ ምሳሌ ተገራጫዊ ነገራት ይርአ። እቲ ንጉሥ ንልኡኻት አብ ፈቐዶ መገዲ ከይዶም ዝረኸብዎ ኩሉ ክዕድሙ ልኢኹ ከብቅዕ ንሓደ ካብ ዕዱማቱ ልብሲ መርዓ ዘይተኸደንካ ኢሉ ከሳጉጎን ከዋርዶን ንርኢ። እዚ ሰብ አብ ሓጺር ጊዜ ከመይ ገሩ ክዳን መርዓ ክኽደን ተጸብይዎ? አብዚ ፍልይ ዝበለ አስተንትኖ ምርመራ ክንገብር አድላዪ እዩ፥ እንታይ እዩ መልእኽቱ? መራሕቲ አይሁድ ንኢየሱስ ምቕባል አብዮሞ። ካልኦት ዓለት አረመን ዘይንጹሓት ዝሕሰቡ ዝነበሩ አብ ቦትኦም ተዓዲሞም አብቲ መርዓ መሊኦሞ። ዝኾነ ኾይኑ ምስ ተዓደምካ አብ መርዓ ጥራሕ ምምጻእ እኹል አይኮነን፥ ክትመጽእ ከሎኻ ብዓቕምኻ ጽቡቕ ክትክደን ይግብአካ እምበር ምስ ረሳሕን ጨርቃምን ክዳውንትን ክትመጽእ ግቡእ አይኮነን። ግቡእ ከይተኸድነ ዝመጽእ ነቲ ዓዳማይን ነቶም ምሱኡ ዝተዓደሙ ዘይምኽባር እዩ ዘርኢ።
ኩሎም ዕዱማት ከም ዕዱማት መርዓ ኮይኖም ክርከቡ ግቡእ እዩ። ነዚ አዕሙቕ አቢልና ክንርእዮ እንከሎና ቤተ ክርስትያን አእዳዋ ዘርጊሓ ንኃጥእ እትቕበሎ ክንብል ከሎና እቲ ኃጢአተኛ ብወገኑ ናይ ንስሓን ናይ ምምላስን ምልክት ግብሪ ከርኢ ይግብኦ። አብ ናይ ቀደሙ ጠባይትን ሕይወትን እንከሎ ከይለወጠ ክነብር ክትጾሮ አይትኽእልን እያ። ክልተ ጎይቶት ብሓደ እዋን ከሓጉስ ዝኽእል የለን። ክርስትያን እየ እናበልካ ዘይ ናይ ክርስትያን ግብሪ ምሓዝ ፈሪሳውነት እዩ።
ኢየሱስ ንኃጥአተኛታትን መኽፈልቲ ቀረጽን ዝሩጋትን ክቅበሎምን ክዕልሎምን እንከሎ ከምዘሎ ሕይወቶም ከይ ቀየሩ አይኮነን ዝቕበሎም ዝነበረ ንለውጥን ንስሓን አብ ሕይወቶም ርእዩ እዩ ዝቐርቦም ዝነበረ። “እምነትካ/ኪ አሕውዩካ/ኪ ደጊም ካብ ሕጂ ንድሓር አይትአብስ ንዓ/ዒ ስዓበኒ” ይብሎም ነሩ።
አብ ምውዳእ ናይ እቲ ምሳሌ ኢየሱስ “ጽዉዓት ብዙኃት ኅሩያት ግና ውሑዳት እዮም” እናበለ ይውድኦ። ዘሕዝን እዩ ወላእኳ ብዙሓት ካባና አብ መአዲ ክርስቶስ ክሳተፉ አብ ሕይወቶም እንተ ተዓደሙ ውሑዳት እዮም ነዚ አብ ግብሪ ዘውዕልዎ። ዝበዝሑ ከም ሓደ ዓወት አብ ሕይወቶም ገሮም ዝወስድዎ ከምኡ አብ ሕይወቶም ሓጎስ ክብሪ አብ ቅድሚ ሕብረተሰብ፥ ሃብቲ . . . ዝፈጥረሎም ዝሓስብዎ እዚ እዩ። ብዙሓት ወላ እኳ አብ ሕይወቶም ዘይቅሳነትን ጭንቀትን ዝፈጥረሎም ይኹን እምበር ነዚ እዮም ዝመርጹ።
ቤተ ክርስትያን ከም ጓሳ ህዝበ እግዚአብሔር መጠን ናይ ኩሉ መለክዕን መምዘንን ክትገብር ግድን እዩ። ማለት ንሓደ ገፋዕ ህዝቢ ዓማጺ ቀታሊ ንጹሃት አብ መአዲ ክርስቶስ ብቐሊል ክትቅበሎ አይክአልን እዩ። ንኸምዚኦም ዝአመሰሉ ሰባት ሱቕ ኢልካ ምርአይ ብፍላይ አብ ማሕብር ክርስቶስ ንእምነትካ ምርኻስ እዩ። አብዚ ምሳሌ “ልብሰ መርዓ” ተባሂሉ ዘሎ አምሳል ዕዱም መርዓ ናይ ቅድም ሕይወቱ ብዘየገድስ ንክርስቶስ ክለብስ እንከሎ እዩ። ከምዚ ዝአመሰለ ሰብ ብጥምቀትን ካልኦት ምስጢራትን አብ መኣዲ መርዓ ክሳተፍ አኽኢልዎ፥ አብ መንፈስን ትምህርትን ክርስቶስ ስለ ዝአተወ ንክርስቶስ ምስ ሕይወቱ አወሃሂድዎ ስለ ዝኾነ ልብሰ መርዓ ለቢሱ ንብሎ። እዚ አብቲ ዕለት ዕለት ዝገብሮ ለውጢ ተሓድሶ አብ ሕይወቱ በቲ አብ ኢየሱስ ዝረኽቦ ተመክሮን አብ ማሕበር ክርስቶስ ዘልኦን ሱታፌ ይርአ።
ነዚ ኹሉ ምስ ረአና ብቀዳምነት ክንገብሮ ዝግብአን አብ መአዲ መርዓ ንጉሥና ክንሳተፍ ንዝዓደመ አምላኽ ካብ ልብና ብዝነቐለ ክነመስግኖ ይግባእ። ኩሉ አባና ሓዲሩ ዘሎ ናይ አምላኽን ኢየሱስን አፍልጦ ህያብ እዩ፥ እዚ ኸአ ካብ ተመክሮ ዝረኸብናዮን ከምኡ ካብ ከማና ዝበሉ አሕዋትና ዝረኸብናዮ እዩ። እዚ እንተ ዘይኮነ ዝስምዓና ዘሎ አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና ዓሚቕ ርድኢት ኢየሱስ አብ ሕይወትና ዘምጽኦ ትርጉምን ሓጎስን ክህበና ክንልምኖ ይግባእ።
ካልአይ ክንገብሮ ዘሎና ልብሰ መርዓና ክሳብ ክንደይ እዩ ጽሩይ ዘሎ ክንርኢ ይግብአና። ሕይወትና ክሳብ ክንደይ ኢና አብ ፍቕርን አገልግሎትን ኢየሱስን ህዝቡን ክነውዕል ፍቓደኛታት ዘሎና? አብ ቍምስናና ዘሎና ተሳትፎ አብ ስብከተ ወንጌልን አብ ኩሉ ሕይወት አሕዋትና ወሳኒ ተራ እንጻወቶ ክሳብ ክንደናይ ዝርአ እዩ? ክሳብ ክንደይ ኢና ንአምነትናን ክርስትያናዊ ትምህርትናን አብ ውሽጥን ወጻእን ማሕበርና እንምስክሮ? አብ ውሽጥና አቲና ዝኾነ ሕማቕ ጠባይ ወይ ግብሪ ምስቲ ክርስቶስ ዘስተምሃሮን ዝአዘዞን ዘይከይድ እንተሎ ክንርኢ ይግባእ። ብንጹሕ ሕልና ንዝተዋህበኒ ልብሰ መርዓ ክለብሶ አብ ቅኑዕ መገዲ ዘሎኹ ወይ አብ ሓሶት እየ ዘሎኹ? ወይስ ንልብሲ መርዓ ክለብስ ግዚኡ አይኮነን? ኢልና ንርእስና ክንርኢ እዋኑ እዩ።
ሳልሳይ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ክንርስዖ ዘይበልና አባላት ቤተ ክርስትያን ከም ምዃና መጠን አብ ሕይወት ቤተክርስትያንን አብ ምስክርነት ምሃብ ብትግሃት እናተሓባበርና ክንከይድ ዝግብአና እንከሎ ፈተና በርቲኡናድዩ ወይስ ሕመቕ ወሪስና እንተ ወደቕና እቲ አፍደገ ኩሉ ጊዜ ክፉት ምዃኑ ክንፈልጥ አሎና፥ አብ ዝጠፋእናዮ ፀሓይ ክዐርበና የብሉን ክንምለስ አሎና።
ናይ ሎሚ ንባባትና አምላኽ አብ ማዕከን ጸግኡ ኸዚኑልና ዘሎ ዘደንቕ ነገርት ይገልጹልና። ነፍስወከፍና ዝሓለፈ ሕይወትና ዝነበሮ ብዘየገድስ ሓደ ዓይነት ዕድመ አብ መአዲ አምላኽ ክንሳተፍ ይቐርበልና አሎ። አብ መጀመርያ ነቲ ዕድመ ብምቕባልና ንኹሉ ከም ቅቡል ክንወስዶ የብልናን። አብዚ ምኽንያት ምቕራብ ወይ እውን ዝኾነ ነገር ክነቕርብ ዕድል የብልናን። እቲ ዝኸበደ ጸገም አብ ብዙሓት ዝርአ ዘሎ ኃጢአተኛ ምዃን አይኮነን ካቶሊካዊ ክርስትያን እየ ሰንበት ሰንበት ቤተ ክርስትያን እኸይድ፥ ጥዑይ ሰብ እየ፥ አኽራሪ ካቶሊካዊ አይኮንኩን እናበልና ዝተፈላለየ ምኽንያታት እንህቦም ዝኸበዱ ጸገማትና እዮም። አብዚ ዝኸስር አምላኽ ዘይኮነን ንሕና ኢና። ሎሚ እምብአር ልብሰ መርዓና ጽሩይን ዝኾነ ምልክት ርስሓት ዘይብሉ ክክውን ክንጽሊ አሎና። ዓሚቕ እምነትን ፍቕርን ዘለዎ ሕይወት ነሕዋትናን ቤተ ክርስትያናን ክነገልግለሉ እንኽእል ጸጋን መንፈስን ከውርደልና ከምኡ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ለቢስና ልብሰ መርዓና አጽሪና ክንጉዓዝ ሓግዘና ንበሎ።
ማርያም ሓንሳብ አምላኽ ዕድመ ምስ አቕረበላ ንልብሰ መርዓአ ከየርስሓት ብእምነትን ተአዝዞን ንአምላኽ ሕራይ ዝበለት ፍልይቲ ፍጥረት እያ። አብዚ ቅዱስ ዘመነ ጽጌ እምብአር መጀመርያ ነቲ አምላኽ ዘቕርበልና ጸጋ ርኢና ክንክእል ከምኡ አብቲ ጉዕዞ ሕይወትና ከምቲ ንሳ ዝተጓዕዘቶ ተጓዒዝና ክንክእል ለምንልና ንበላ። አምላኽ ብጸግኡ ንዝተዋህበና ዕድመ እነኽብረሉን ንልብሰ መርዓና ብጽረት እንሕዘሉን ጸጋ ብአማላድነት እኖና ማርያም ይዓድልና። አሜን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.