2014-10-09 16:31:44

ኣዋጅ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ


RealAudioMP3 ዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ንር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ብፅዕና ክትእውጅ ምዃና ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ ኣብ ኢጣሊያ ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተወለዱላ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያ ናይታ ክፍለ ሃገር ካቶሊካዊ ማሕበር ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ንዕለት 12 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣውራጃ ብረሺያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሞንቲኪያሪ መንፈሳዊ ዓውደ ጉባኤን ዓወደ መጽናዕትን ከምእተዳለው ናይ ተቛም ጳውሎ ሻድሻይ ኣቦ መንበር ኣባ ኣንጀሎ ማፈይ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብ መንጐ ጳውሎ ሻድሻይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘሎ ምትእስሳርን ተመሳሳልነትን መንታውነት ንጹር እዩ፣ ጳውሎስ ሻድሻይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝጸውዑ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝተረከቡ እዮም፣ ድሕሪ 50 ዓመት ኣቢሉ ድማ ነቶም ክልተ ዓበይቲ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘራኽቡ ነቶም ክልተ ኣበው ምሉእነት ዘልበሱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተዓደሉና ገሊጾም፣ ጳውሎስ ሻድሻይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕሊና መርመራ ዝገበረትሉ ጉባኤ ከምዝኾነን ካብዚ መርመራ’ዚ ዝነቐለ ቤተ ክርስቲያናዊ ምስትውዓል ዝረጋገጸትሉ እንክብሉ እንክትንትንዎ ድሕሪ ሓምሻ ዓመት እቲ ናይ ሕሊና መርመራ ዘነቓቕሖ ቤተ ክርስቲያውነት መንፈስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይትንትኑ።
እታ Evangelii Nuntiandi-ናይ ወንጌል ናይ ምብሳር ጻዕሪ” እተሰምየት ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተደርሰት ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብቶም ኣብ መዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምልከቱ ዓበይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርታት እታ ዝዓበየት እንክብሉ ይገልጽዋ። እቲ ደስ ዘብል ድማ እቲ ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ፍሉዩ ሳልሳይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝፍጸመሉ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፅዕና እትእውጀሎም ዕለት እዩ። መዕጸዊ ሶኖዶስን ኣዋጅ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ድማ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝነበርዎ ቤተ ክርስቲያናዊ መንፈስ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እናተተንተነ ንኽንበር ብምድጋፍን ይቕጽልን ይምዕብልን ከምዘሎ ዘረጋግጽ ምትእስሳር እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.