2014-10-09 17:07:21

አብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ፍልልይ ክዓገተና የብሉን ነቲ ዘተሓባብረና ንመልከት፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ርእሲ እቲ ዝመርሕዎ ዘለው ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብምምንጋው ትማሊ ነቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንኸስተምህሩ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡሉ ጊዜ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀቅድሚ ካብዚ ዓለም ምስንባቱ ናብ አቦኡን አቦናን ዘቅረቦ “ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ።”(ዮሓ 17፤21) መሠረት ብምግባር ነቲ አብ ታሪኽና ንቤተ ክርስትያን ናይ ብዙሕ ግጭታትን ስቃይን ምኽንያት ዝኾነ አብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ምምቅቃል ከምቲ አምሪሮም ዝገለጽዎ እኳ ደአ ብዘጕሂ ኩነት ናይ ውግ እ ምኽንያት እውን ዝኾነ ፍልልይ አወጊድና ከምቲ አብ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እን አምኖ ኵልና ብ አ ኡ እን አምንን ሥጋኡን ደሙን እንቅብለን ናብቲ ዘወሃህድና ነገራት እናጠመትና ናብ ፍጹም ሓድነት ክንጐዓዝ ሓደራ ቢሎም፣ እዚ ፍልልያት እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ገና ን አካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን የቍስል ከምዘሎ እውን ገሊጾም፣
“ሎሚ እውን እንተኾነ አብ መንጎ አመንቲ ክርስቶስ ዘሎ ርክብ ብምክክብባርን ልባዊ ምክቅርራብን ይግበር የሎን፣ አብ ቅድሚ እዚ ኩነት እዚ ከመይ ንኹን? እንታይከ ንግበር? ከምቶም በዚ ፍልልያት እዚ ተስፋ ዝቈረጹዶ ኰና አሎና ወይ ከአ ዝገደደ እንታይ ገደሰኒ ብማለት አብ ወሰን ኰፍ ኢልና ንጥምት አሎና? ወይ ከአ ናብ መንገዲ ዕርቅን ፍጹም ሓድነትን ክብጻሕ ይከአለ ኢዩ ቢልና ብልብና አሚናዶ ንጐዓዝ ንህሉ? እቲ ፍጹም ውህደት ብኃባር ሥጋኡን ደሙን አብ ምስታፍ ኢዩ ክውን ዝኸውን ሥጋን ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ!
ክንመቃቀል ከሎና ንክርስቶስ ኢና ነቍስል እንክብሉ ምፍልላይ ከነወግድ አዘኻኺሮም፣
“ነዙይ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ምምቅቃልን ምፍልላይን ዘስዓቡ ምኽንያታት ካብ ፍልልይ ናይ ዶግማዊ ትምህርታትን ሞራላዊ አቋማትን ትምህርተ ንባበ መለኮታዊ ሓሳባትን ናይ ጉስነት ዝተፈላለዩ አመለኻኽታትን ጀሚርካ ክሳብ ናይ ፖሎቲካዊ ዝገደደ ከአ ናይ መራሕቲ ግላዊ ደረቅ አተሓሳስባታት ክኸውን ይኽውን እቲ ይኹን እዚ ወትሩ ድሕሪ መጋረጃ ናይዚ ፍልልያትዚ ት ዕቢትን አነነትን ከምዘሎ ዘይሰሓት ኢዩ እዚኦም ከአ ናይ ኩሉ ሕንፍሽፍሽን ዘይምስምማዕን ምኽንያት ኮይኖም ነንሕድሕድና ከንጸዋወርን ከንሰማማዕን ናይ ሓውና ፍልይ ዝበለ ር እይቶን አመለኻክታን ከይንቅበል አንቂጾምና ይርከቡ፣ ድሕሪ ቢሎም እሞኸደአ እንታይ ይገበር ቢሎም ይሓቱ እሞ መልሱ ካብ ክርስቶስን ንሱ ዝገበሮን ዝመሃሮን ምዃኑ ብምግንዛብ ንሓድነት ክርስትያን ን አ ኡ ጽን ንበል ይብሉ፣
“ኢየሱስ አብቲ ዝመቃቅለና ዝይኮነ አብቲ ዘተሓባብረና ነገራት ክነተኵር ይዕደመና፤ እዚ ነገራት እዚ ከአ ን ኢየሱስ ብዝበለጸ ንኽንፈልጦን ንኸንፍቅሮን ዝ ዕድመና ኢዩ በዚ ከአ ነቲ ናይ ፍቅሩ ሃብቲ ምስ አኅዋትና ክንካፈሎ ንኽ እል፣ በዚኸስ ነንሕድሕድና ንተሓጋገዝ፤ ከጸግመና ዝኽ እል አነ ብኸምዚ እርድኦ ንስኻ ከአ ብኸምዚ ዝብል ኩነታት ኢዩ ብ ዓቢኡ አብ ኩሉ አብያተ ክርስትያናት ውሃ ዘበሎ ናይ ንባበ መለኮት ሊቃውንቲ አለው፣ ተመስገን ቢልና ንኩሉ ዚፈላሊ ድዩ ዘወሃህድ ንሶም ክማጐትሉ ክረዳድ ኡሉ ን ኦ ኦም ንግደፎ ንሕና ብሓባር እቲ ሓደ ም እንቲ እቲ ሓደ እናጸለየን ሠናይ ተግባር እናገበረን ብኃባር ንመርሽ እንክብሉ ንሓድነት ክርስትያን ኩልና ብሓባር ክንጽ ዕርን ክንሰርሕን ብምልባው ትምህሮቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.