2014-10-07 19:16:01

ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳት ብዛዕባ ሥድራቤት ዝዝቲ ፍሉይ ሲኖዶስ፤


RealAudioMP3 ዝኸበርኩም ሰማዕትና አብ ዚሓለፈ መደባትና ክትከታተልዎ ከምዝቀነኹም ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዚአዘዝዎ ብዛዕባ ሥድራቤት ዝዝቲ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳሳት ፍሉይ ሲኖዶስ ትማሊ ብዕሊ ጉባኤኡ ጀሚሩ፣ ቅዱስነቶም ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ዘመሓላለፉሉ ጊዜ ጀሚሮም መንፈስ ቅዱስ ነቦታት ሲኖዶስ ብርሃኑ ክሰደሎምን አብ ጸገም ንዝርከቡ ስድራቤታት ዘገልግል ዝተሓደሰ መደብ ጕስነት ነፍሳት ንኽሕንጽጹ ከስተንፍሰሎም ኵልና ክንጽሊ ሓደራ ቢሎም ነቢሮም፣
ንሶም እውን ብወገኖም ለይትን መዓልትን እንክጽልዩ ናይ ዓዲ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ከአ ከም ደገፍ ጸሎት ንሲኖዶስ አብ ድሮ እቲ ሲኖዶስ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ጸሎት ክገብሩ ከምስዩ ብዝወጽእዎ መደብ ዝሓለፈ ቀዳም ልዕሊ አርብዓ ሺሕ ዝኾነ መብዛሕትኦም ስድራቤታትን ሕጹያትን ዝርከብዎም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተአኪቦም ሽምዓ ብምውላዕ ክጽልዩ አምስዮም፣ ቅዱስነቶምን ካብ አበው ሲኖዶስ መብዛሕቶምን አብዚ ጸሎት እዚ ተኻፊሎም፣ ቅዱስነቶም ቤት ጽሕፈት ረኪበ ጳጳሳት ነዚ ሓሳብዚ ምስ አቅረቡሎም ተቀቢሎም ምስ አጽደቅዎ ኩሉ ዓለም ምሳኦም ክሓብር ምናዳ ከአ ስድራቤታት ዓዲ ጣልያን እቶም ናብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክመጹ ዘይከአሉ ከም ናይ ብጸሎት ምሕባር ምልክት አብ መሳዅቶም ሽምዓ አብሪሖም ም እንቲ ስምረት ናይዚ ሲኖዶስ ክጽልዩ ብዝተሓሳሰብዎ መሠረት ዳርጋ አብ መብዛሕትኤን መሳዅቲ ም እመናን ዓዲ ጣልያን ቀዳም ለይቲ ሸምዓ በሪሁ ሓዲሩ፣ ቅዱስነቶም አብቲ ምሸት እቲ ነቶም ተሳተፍቲ ናይ ሲኖዶስ አበው ዝሃብዎ ሓደራ ጽን ቢልካ ምስማዕ ትብል ኮይና እዚ ጽን ቢልካ ምስማዕ ብቀዳምነት ብጸሎትን በስተንትኖን ድምጺ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጽን ቢልካ ምጽማዕ ብካልአይ ደረጃ ከአ ናይቲ ብሓደራ ናይ ዝተዋህቦም መጓሰ ድምጺ ጽን ቢሎም ክሰምዑ ምናዳ ናይቶም ጭኑቃትን ሓገዝ ዘድልዮምን፣ እንክብሉ አዘኻኺሮም፣
ንጽባሒቱ ሰንበት አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ነቲ አብ ዕለቱ ዝተነበ ወንጌል ዘመልክቶ ዘይ እሙናት ሠራሕተኛታት አታኽልቲ ምሳሌ መሠረት ብምግባር እቲ ግራት ተኽሊ ወይኒ መደብ ድሕነት ደቂ ሰባት ከምዝኾነ እቶም ሓደራ ዝተዋህቦም ሊቃውንትን መማህራንን እስራኤል ሸለል ከምዝበልዎ እዚ መግበሪኦም ከአ ናይ ሥልጣንን ገንዘብን ህርፋን ስለዝኾነ እዞም ናይ ሎሚ ጓሶት ከይመስልዎም ሓደራ ብማለት ነዚ ክን ዓየሉ ዝተጸዋዕና ግራት ተኽሊ ወይኒ ከም ግቡእ ክሰርሑ አብዚ ሲኖዶስ እዚ ከአ አብ ጕስነት ንዘጋጠሞም ነገራት ክዋስ ኡን መፍትሒ ክረኽቡሉን መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ንጸሊ እንክብሉ ምስ ተማሕጸኑ አብ ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቅረብዎ ጉባኤ አስተምህሮ ከአ ም እመናን ኩሎም ብጸሎት ክሕግዙ ቀንዲ ከአ ንስድራ ቤት ዘድሊ ቃል አምላኽ ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ቅዱስ መጽሓፍ ክትሕዝን ከተንብቦን ካባኡ ከአ ፍታሕ ናይ ኩሉ ሽግሮም ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ብምዝኽኻር ማኅበር ደናግል ቅዱስ ጳውሎስ ፓውሊነ ብነጻ ነቲ አባኡ ዝተረኽበ በሽሓት ዝቍጸር ምእመናን ቅዱስ መጽሓፍ ክዕድላ ምዃነን ሓቢሮም ነቲ ማሕበር አመስጊኖም፣
ትማሊ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ብዝመርሕዎ ጸሎት ሳልሳይ ፍሉይ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሳይ አብ ዝርከብ ቤተሲኖዶስ ተጀሚሩ፣ አብዚ ሲኖዶስ እዚ ብሓፈሻ 253 እንክሳተፉ ካብዚኦም አበው ሲኖዶስ 191 እንክኾኑ እዚኦም በሥራሖም እንክንምልከቶም 25 በቲ አብ መንበረ ሮሜ ናይ ቅድስት መንበር ኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ክፋል ቤተ ክርስትያን አኅሉቅ ስለዝኾኑ ብዘለዎም ሥልጣን ብቀጥታ አባላት ሲኖዶስ ዝኾኑ 114 ናይተን አብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሔን ዝርከባ ረኪበ ጳጳሳት ሓለፍቲ እዚኦም በብክፍለ ዓለም ክንከፍሎም እንተኾና 36 ካብ አፍሪቃ 24 ካብ አመሪካ 18 ካብ ኤስያ 32 ካብ ኤውሮጳ 4 ካብ ኦሽያንያ ኢዮም፣
ብዘይካ እዚኦም ካል ኦት 62 ዝኾኑ ብፍሉይ መንገዲ ዝሳተፉ አለዎ እዚኦም 8 ወከልቲ ናይ አኃት አብያተ ክርስትያናት 13 ብፍሉይ መንገዲ ካብ ምስራቃውያን አብያተ ክርስያናት እንክኾኑ 13 ወከልቲ ሰብ ኪዳን ዝርከብዎም 38 ሰማዕቲ ጥራይ ድምጺ ግን ክህቡ ዘይክ እሉ ኢዮም፣ አብ ር እሲ እዚኦም ንፍሉይ ዋናይ ጸሓፊ ዝሕግዙ 16 ሊቃውንቲ አለው፣
ቅዱስነቶም አብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ አብ ዘስምዕዎ ቃል ኩሎም አበው ሲኖዶስ ቃል ሕዝቦምን ቤተ ክርስትያኖምን ሒዞም መጺኦም ስለዘለው ብዘይስክፍታ ነቲ ዝስምዖም ክገልጹ ልዕሊ ኩሉ ከአ ድምጺ ናይታ ንሶም ዝውክልዋ ቤተ ክርስትያን ሒዞም ስለዝመጹ ክበሃል አለዎ ዝብልዎ ነገር ኩሉ ብዘይ ቃል ዓለም ከቃልሕዎ አዘኻኺሮም፣
ዝ አመንካሉን ዝተሰመዓካን ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነ ግን ነቲ ሓውኻ ዝብሎ እውን ብትሕትና ጽን ቢልካ ምስማዕን ልብኻ ከፊትካ ን ር እ ይ ቶኡ ምቅባልን ከምዘደሊ እውን አዘኻኺሮም፣
ብድሕሪኦም ነቲ መድረኽ ዝተረከቡ ናይ ዕለቱ ናይቲ ሲኖዶስ አቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ከአ ቤተ ክርስትያን ናይ ኩሎም ገዛ ምዃና ብምግላጽ ብሕልፊ እቶም ብጸገም ቃል ኪዳን ዝተገለሉ ኮይኑ ዝስም ዖም ቤተ ክርስትያን ቤቶም ቤት አቦኦም ምዃና ተገንዚቦም ከም ካል ኦት ሓልዮትን ጉስነትን ከምዘድልዮም ድሕሪ ምሕባር ናይዚ ሲኖዶስ እዚ ውጽ ኢት ክኸውን ብዙኃት ዚጽበይዎ ንኩሉ ዘሐጉስ መምርሒ ክወጽእ ምዃኑ አገንዚቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.