2014-10-07 16:48:32

ሲኖዶስ፣ ሰረተ እምነት ክርስትና በትረ ፍርዲ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጠመተ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ።


RealAudioMP3 እቲ ናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ዝማርኽ ዘሎ ብፍሉዩ ድላይን ሓልዮትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጸውዓ ፍልዩ ሳልሳይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. መሠረት ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ቡዳፐስትን ኤስቶርጎምን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ሲኖዶስ ዋና ዘጋቢ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶን ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኪየቲ-ቫስቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተን ከምኡ እውን ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሲኖዶስ ልኡኽ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረ ኣርማንዶ ቪንግት ትሮይስን ኣብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝተረኽቡ ጋዜጠይናታት ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
እቲ ሲኖዶስ ፍልይ ዘብሎን ሕዳሴኡን ብቐጥታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎን እቲ ሲኖዶስ ዝጥቀመሉን ናይ ዕለታዊ ከይዲ ሲኖዶስ ጸብጻብ ዝቕርበሉን መግለጺ ዝሃበሉን ከምቲ ልሙድ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓፈሻዊ ቋንቋ ላቲን ዘይምዃኑን እውን ፍልይ ዘብሎ ከምዝኾነን ናይ ሲኖዶስ ዋና ዘጋቢ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ከይዲ ቀዳማይ ዋዕላ ሲኖዶስ እንክሕብሩ፦ ናይቲ ሲኖዶስ ዕለታዊ ዋዕላ ጸብጻብ ብቛንቋ ላቲን ዝቐርብ ብዘይ ምዃኑ ንሓላፍነት ኣገልግሎት ኣሰናዳኢ ሲኖዶስ ንተሳተፍቲ ብምሉኦም እውን ምቹእን ዘየሸግርን ክኸውን ከምዝሓገዘን፣ ኣብ ዝሐለፉ ሲኖዶሳት ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ብቛንቋ ላቲን ዝቐርብን ዝወሃብን ዝነበረ መግለጺ ብሓቂ ቀሊል ኣይነበረን፣ ሕጂ ግን ቛንቋ ላቲን ምዃኑ ተሪፉ ቋንቋ ጥልያን ዝጥቀም ብምዃኑ ንገዛእ ርእሱ ፍልይ ዘብሎ እዩ። ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ካብቲ ናይቲ ከይዲ ሲኖዶስ ትሕዝቶን ዝኽተሎ ሜላ ወጻኢ እቲ ሲኖዶስ ንኽዝትየሉ ቅድም ክብል ካብ ዝተዳለወ መጋበርያ ዕዮ ወይ ከኣ ዝክረ ነገር ወጻኢ ናብ ናይ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድም ክብል ግዚኡ ሓልዮ ብፅሑፍ ዝተመሓላለፉ ካልኦት ሕቶታትን ሓሳባትን ግምት ዝህብ ብምዃኑ እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ድሕሪ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ብፍላይ ድማ እዚ ሲኖዶስ ምስጢረ ተክሊል ዘፍረሱን ዝተፋትሑን ዳግም ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ቃል ኪዳን ዝኣሰሩን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ሱታፌ ከይህልዎም ዝግበር ዝብል ሕቶ ዝምልከት ኰይኑ፣ ነዚ ዓይነት ኩነት ስድራ ድማ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መልሲ ዘድልዮ ምዃኑ ዝተሓሳስብ ክኸውን እንከሎ፣ ቅድሚኡ ግና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰረተ እምነት ምቕያር ወይ ከኣ ምምሕያሽ ዝጠልብ ጉዳይ ይመስል ዶ? ንዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዘቕረበ ሕቶ ናይ ሲኖዶስ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ እንክምልሱ፦ “ሰረተ እምነት ክርስትና በትረ ፍርዲ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጠመተ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚህ ነፍሳት ምድሓን እዩ ትርጉሙ፣ እዚ እዩ ድማ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክኸውን ዘለዎ። ድሕነት ነፍሳት፣ እዚ ማለት ግና መዳይ ሰረተ እምነት ሸልል ምባል ወይ ድማ ግምት ዘይምሃብ ማለት ኣኰነን፣ ሰረተ እምነት ንገዛእ ርእሱ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዕጹው ረቒቕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ከም ሓደ በትረ ፍርዲ ኰይኑ ዝቐርብ ከምዘይኰነ ንምርግጋጽ እዩ። እዚ ድማ ሰረተ እምነት ክርስትና ናይ ድሕነት መልእኽቲ ምዃኑ እዩ ዝነርጽር። ናይ ሰረተ ክርስትና ሕመረት ድማ ፍቕርን ምሕረትን እግዚኣብሔር እዩ። እዚ እዩ እቲ ቅዉም ነገር፣ ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት እንታይነቱ ምንጻር እዩ። ከምዚ ክብል እንከለዅ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት ይለዋወጥ እዩ ንምባል ኣይኰነን፣ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ጭቡጥ ሰብ ሰረተ እምነት ከም ቤት ፍርዲ ገይሩ ከይሓስቦ ምድጋፍ እዩ። ሰብ እቲ ክበጽሖ ናብኡ ዝመጽእ ናይ እግዚኣብሔር ጠመተ፣ ምሕረት ምዃኑ ከስተውዓል ከምዘለዎ ንምሕባር እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ናይ ሲኖዶስ ልኡኽ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪንግት ትሮይስ ብወገኖም ሲኖዶስ ልክዕ ከም ሓደ ሕዝባዊ ባይቲ ብዙሃን ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ዝስዕረሉን እቲ ውሁዳን ነቲ ብዙሃን ክመሳሰል ኣለዎ ዝብል ጉባኤ ማለት ከምዘይኰነ ክስትውዓል ከምዘለዎ እንክሕብሩ፦ “ሲኖዶስ ኣብቲ ዝቐርብ ዘተ፣ ብዙሃን ንምዃን ክትዕ ዝካየደሉ ኣይኰነን፣ እንታይ ድኣ ኣብ ፍጻሜ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ድላይ ንኽብጻሕን እቲ ዝቐርብ ሓሳብን ዘተን ናብቲ ናይ ሓባር ቤተ ክርስቲያናዊ ድላይ እናበጽሔ ክዓብይ ምይይጥ ዝግበረሉ እዩ። ብድብድቡ ኣብ መላእ ሰበኻታት ክኽበርን ክፍጸምን ዘለዎ ውሳኔ ዝጸድቐሉ መድረኽ ማለት ኣይኰነን፣ ከምዚ ኢልካ ምሕሳብ ንገዛእ ርእስኻ ምድንጋር እዩ። እንታይ ደኣ እቲ ናይ ሓባር ቤተ ክርስቲያናዊ ድላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ናይ ከባቢ ጭቡጥ ኩነት ግምት ብምእታው ዝሕንጸጽ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክበጽሖም ንዝተኣመቶም ሸቶታት ዝመርሕን ዝድግፍን እዩ” ምስ በሉ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ድማ ብወገኖም፦ እዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ፍሉይ ሳልሳይ ሲኖዶስ ቅድም ክብል ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ እውን ካብቲ ስሩዕ ቅድም ቢሉ ዝተመደበ ሓሳብ ኣቕረብትን ርእዮቶ ወሃብትን ካብ ዝብል መርሃ ግብሪ ወጻኢ ዝተኣታትውዎ ናጻ ክትዕ ዝብል ውሳኔ ዝኽተል እዩ። ብሓቂ ብነጻ ርእይቶ ዝቐርበሉን ሰፊሕ ክትዕ ዝግበረሉን ናጻ ሲኖዶስ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሲኖዶሳውነት ልዑል ዋጋ ዘጉልሑ እዮም፣ እዚ ማለት ድማ ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ዕላማ የስምዕ፣ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ናይቲ ሲኖዶስ መኽፈቲ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፣ እቲ ሓሳቡ ከቕርብ ዝደሊ ብነጻነት ሓሳብ ከቕርብ ብነጻነት ብነጻነት ክኸውንን፣ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ብዝብል ሓቅነት ዝምራሕ ይዅን” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ “ኣብ ቅዱስ ኣቦና መዓሙቕ ልቢ ዘሎ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሕጹጽ ድላይ እዩ፣ ብሓባር ጸገሙን ተስፋኡን ዘናድይ ሲኖዶስ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምዕዳኖም ገሊጾምዎ እዮም” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ እስዒቦም ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኣብ መክሲኮ ናይ ትላልነፓት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ካሮሎስ ኣጉያር ረተስን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ከምእተሳተፉ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.