2014-10-05 14:13:46

ሰንበት ዘፀአተ ክረምት 2007 ዓ.ም.


አብ ግራት አምላኽ ክነፍሪ ሰብ ሕድሪ ኢና!
መዝ. ትብሎ መርዓት ለመርዓዊሃ ወልድ እኁየ ነዓ ወሪደ. . . . . . . . . . . . . ።
ንባባት ፊሊጲ 4፡6-9፥ ፩ጴጥ 2፡1-12፥ ግ.ሓ. 4፡19-31፥ ማቴ 21፡33-43
ምስባክ፡ወአጽንኦ ለዝንቱ ዘሰራዕከ ለነ ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም፥ ለከ ያመጽኡ ነገሥት አምኃ። “ነቲ ንአና ዘድኃንካሉ ኃይልኻ ግለጾ፥ እቲ አብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤት መቕደስካ ነገሥታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም” መዝ. 68፡28-29።
መዝሙር፡ መርዓት ንመርዓዊኣ ኦ ሓወይ ናባይ ንዓ አብ ምውራድ አይትደንጒ አብየት ዓዲ ወይኒ መስቀል ዓምበበ ምስ ጴጥሮስ ዓዋዲ ጳውሎስ አሳዳዲ፥ ማርያም ናይ ብዓል መስቀል ክትገብር እንከላ፥ አብየት መስቀል ናይ ዓዲ ወይኒ ዓንበበ።
24 መስከረም አብ ሶምን መስቀል ሰንበት እንተ ወዓለ “መስቀልከ እግዚኦ ተሰብሓ” ዝብል መዝሙር ይዝመር። እዚ ሶምን እዚ “ፀአተ ክረምት” ይብሃል ክረምቲ ተውዲኡ ቀውዒ ወይ ዘመነ ጽጌ ዝጅምረሉ እውን እዩ። እዋን ቀውዒ እዋን ምህርቲ ዝሕፈሶ ፍሉይ እዋን እዩ፥ ነዚ ምስ መንፈሳዊ ሕይወትና ክንርእዮ ከሎና አብ እምነትና አፍረይቲ ኮና ክንርከብ ዘዘኻክረና እዩ። አብ ኩሉ እሙናት ኮና ክንርከብ ንመገዲ አምላኽ ከይንጠልም ከምኡ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋታት ከምቲ አምላኽ ዝሃበና ከነፍርየሉ ከምዘሎና ክንሓስብ ይግብአና።
ናይ ሎሚ ወንጌል መቐጸልታ ናይ እቲ ሓደ ወላዲ ንኽልተ ደቁ አብ ግራቱ ክዓዩ ዝልአኸ መጸልታ እዩ። ካብቶም ደቁ እቲ ሓደ ሕራይ ኢሉ አይከደን እቲ ካልአይ ከአ አይከይድን ኢሉ ድሓር ግን ተጣዒሱ ከይዱ ዝብል ነንብብ። ብመንጽር ወንጌል ማቴዎስ ክንርእዮ ከሎና ኢየሱስ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ንጹር እዩ። ህዝበ እስራኤል ንአምላኽ አቆጢዖሞ፥ እቶም ኃጢአተኛታት ዝነበሩ አረማውያን እዮም አብ ህንጸት መንግስቲ አምላኽ ብዝያዳ ዝተዋስኡ። እዚ አንጻር አይሁድ አይኮነን ተባሂሉ እዚ አንጻር እቶም ክርስትያን ዝኾኑ አይሁድ ብክርስትያን አይሁድ ዝተጻሕፈ እሞ ናይ ብሓቂ ዘጉህን ክትቅበሎ ዘይክአልን ነገር እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ብተመሳሳላይ መገዲ ገሩ ይዛረብ። እዚ ምሳሌ ክንብሎ አይንኽእልን ኢና ምኽንያቱ ምሳሌ ሓደ ትምህርቲ ይህብ እቲ ዝርዝር ሓሳብ ግን ግሉጽ አይኮነን። አብ “Alegory” ግን ነፍስወከፍ ሓሳብ አብቲ ዛንታ አምሳላዊ ትርጉም አለዋ። ናይ እዚ ዝተነበ ወንጌል ቀንዲ መልእኽቲ ህዝበ እግዚአብሔር ከም ድኻታት ሓረስቶት አብ አታኽልቲ ወይኒ ክሰርሑ ዝተላእኩ እዮም። ነዚ ክነንብብ ከሎና ቅድመና ንዝነበሩ ሰባት ክንፈርድ ኢልና አይኮናን። ነዚ ምሳሌ አብ ናይ ገዛእ ርእስና ሕይወት ክንርእዮ ክንክእል ምእንቲ እዩ፥ እነንብቦ ዘሎና አብ ታሪኽ ስለ ዝተገብረ አይ ኮናን አብ ናይ ነፍስወከፍና ሕይወትን ጠባያትን ክነስተንትኖ ንማለት እዩ።
አብ ኢሳያስ 5፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና ተመሳሳላይ ሓሳባት ምስቲ ናይ ወንጌል ንባብ ንረክብ። አብ ክልቲኡ እቲ ቦታ ህዝበ እግዚአብሔር ክርከብዎ ዝግብኦም እዩ። አብ መጀመርያ እግዚአብሔር ንህዝበ እስራኤል ህዝቡ ክኾኑ ሓርይዎም። አብ ምድረበዳ አብቲ ዘተሰፈዎም ምድረ ተስፋ “ጸባን ምዓርን ዝፈሶ ምድሪ” ክሳብ ዝበጽሑ አሰንይዎም፥ “ነታኽልቲ ወይነይሲ ኃለፋ እቲ አነ ዝገበርክሉ እንታይ ኮን ምተገብረሉ ነሩ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸበኽዎስ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ” (ኢሳ 5፡4) እናበለ አምላኽ ይሓትት።
አብ ክልቲኡ እቲ ህዝበ እስራኤልን/ እቶም ሰራሕተኛታት አብ ወንጌልን ካብቲ ትጽቢት ጎይትኦም አዝዮም ርሑቓት እዮም ዝርከቡ። “ዘቢብ ከፍሪ እናተጸበኽዎ መጺጽ ዝፈሪ ስለምንታዩ?
አብቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ ምሳሌ እቲ ዋና ግራት ሰራሕተኛታት ፍሬ ኸምጽኡሉ ሠራሕተኛታት ልኢኹ፥ እንተኾነ ነቶም ዝለአኾም ንገለ ወቕዕዎም ንገሊኦም ቀተልዎም ንገሊኦም ብእምኒ ቀጥቀጥዎም እዚ ደጋጊሞም ገበርዎ። እዚ በቶም ንኢየሱስ ዝሰምዑ ዝነበሩ ጽቡቕ ገሩ ተረዲእዎም እዩ። አምላኽ ነብያቱ ናብ ህዝቡ ከዘኻኽርዎም ክመልስዎም ከምኡ አብ ኩሉ አገልገልቲ፥ ዘፍሪ ህዝቢ ክኾኑ ይልእኽ ነሩ። እንተ ኾነ ልኡኻት አምላኽ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝሰምዖም አይረኸቡን። ንልኡኻት አምላኽ ዘይምስማዕ ናይ ዘመና ጸገም እውን እዩ።
አብ መወዳእታ ንወደይስ የኽብርዎ ይኾኑ ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ ልአኸሎም እንተ ኾነ ንእኡ እውን እዚ እዩ እቲ ወራሲ ኢሎም ካብቲ አታኽልቲ ወይኒ አውጺኦም ቀተልዎ። ካብዚ ንድሓር ነቲ አታኽልቲ ወይኒ ንርእሶም ወሲዶሞ። እዚ ነቲ ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን ዝገበርዎ የዘኻክር ካብታ ከይበልዕዋ ዝተከልከሉ ተኽሊ ክበልዑ እንከለዉ ከም አምላኽ ክፈልጡን ክኾኑን ዝገበርዎ ይመሳሰል። ከምኡ እቶም ሰብ ባቢሎን ንአምላኽ ከርክቡ ግምቢ ዝሰርሑ ይመሳሰል። እዚ ካብ ከተማ ወጻኢ ቅትለት እቲ ወዲ ንሞት ኢየሱስ አብ መስቀል ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ እዩ ዘመልክት።
አብ አታኽልቲ ጎይታ ጽዉዓት፡
ሎሚ ንሕና ኢና ህዝቢ አምላኽ አብ ግራቱ አብ አታኽልቱ ክንዓዩ ዝተሓረና። አምላኽ ፍረ ክነፍሪ እሞ ነባሪ ፍረ ክንፈሪ ይጽበየና። ሎሚ እቲ ቀንዲ አብ ርእስና ተመሊስና ክንሓቶ ዘሎና ጉዳይ፥ ከመሎና? ክሳብ ክንደይ ካብቶም ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ዝበለጽና ኢና? ፍሉይ ግንዖት ዝተገብረልና ኢና ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልና አብ አታኽልቲ ጎይታና ክንዓዪ ዝተዓደምና ምዃና ፍሉይ ህያብ እዩ። አብ ነፍስወከፍ ሰንበት ብሓንሳብ ተአኪብና ቃል ወንጌል ሰሚዕና እናአስተንተና ምስ ርእስና ነወሃሃዶ። አባላት ሰውነት ክርስቶስ ምሉእ ሱታፌ ዘሎና ማሕበር ክርስትያን ክንከውን ዝተሓረና ኢና። እሞ ከመሎና?
ብዙሓት ሰማዕታት፡
ጸዋዕታና ከመይ ንርእዮ? ከም ግንዖት ከም በረኸት ወይስ ከም ዘጸግም ተጽዕኖ ንርእዮ? ንመልእኽቲ አምላኽ ከመይ ተቐቢልናዮ ንርከብ?
አብ ዘመናት ክንደይ ነብያት ቤተ ክርስትያን ተነጺጎም ተገፊዖም ከምኡ እውን ተቐቲሎም? ከም ብዓል አቡነ ኦስካር ሮሜሮ፥ ማርቲን ሉተር ኪንግ፥ ብፁእ ገብረሚካኤል ማእለያ ዘይብሎም አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ምእንቲ መንግስቲ አምላኽ ተቐቲሎም። እዚኦም ኩሎም ሓንቲ ሓባራዊት ነገር አላቶም። መብዝሕትኦም ቀተልቶም ክርስትያን አብ አታኽልቲ ጎይታ ዝዓዩ እዮም እምበር አረመን አይነበሩን። ምናልባት ነዚ ምሳሌ ኢየሱስ ክነንብብ እንከሎና ንርእስና ዝሓሽና ገርና ንወስዳ ኢና እንተ ኾነ ካብኦም አይንፍለን ኢና። አብ ኢሳያስ 5፡7 ዘሎ ዝረአናዮ ሓቂ እዩ “ጽቡቕ ክገብሩ ተጸበዮም አብ ክንድኡ ግና ደም ከዓዉ፥ ቅኑዕ ኪገብሩ ተጸበዮም ንሳቶም ግና ነቲ ሕዝቢ ፍትሒ ደልዩ ኸም ዜእዊ ገበርዎ” ይብል፥ ነዚ አብ ግብሪ ክንርእዮ አብ ካልእ ዓለም ክንከይድ አየድልየናን እዩ አብ ቀረባና አብ ህዝብና አብ ከባቢና ንርእዮ ዘሎና እዩ።
እንታይ ዓይነት ፍረ እዩ ካባና ዝድለ ዘሎ?
ምናልባት ንርእስና አባላት ናይ እዚ አታኽልቲ አምላኽ ምዃና ሓሲብና አይንፈልጥን ንኸውን፥ ንሕና ከም ቍምስና ከም ቤተ ክርስትያን እንታይ ዓይነት ፍረ ኢና እንፈሪ ዘሎና? ጥዑም ምቍር ደስ ዘብል ፍረዶ ወይስ መጺጽ ዓንደል ዝጥዕም ኢና እንፈሪ ዘሎና። ማሕበርና ቍምስናና ብሓቂዶ ህላዌ ክርስቶስ ከምዘልአ እተንጸባርቕ ማሕበር ኢና ወይስ ብቀለዓለም እንነብር ኢና? አብ ልዕሊ ሰባት ደቂ ሃገርና እንታይ ዓይነት ጽልዋ ኢና እነሕድር? አባና ዝርአ እንታይ እዩ ፍቕሪዶ ወይስ ጽልእን ቅርሕንትን ሰባት አባና እንታይ ይርእዩ?
ከም ቃል ጳውሎስ ንሰብ ፍሊጲስዩስ ዝበሎዶ ንነብር አሎና፡ “ብዝተረፈ አሕዋተይ ሓቂ ዘበለ ርዝነት ዘለዎ ኹሉ፥ ቅኑዕ ዘበለ ንጹሕ ዘበለ፥ ተፈታዊ ዘበለ፥ ሠናይ ዜና ዘለዎ ኹሉ ብሉጽ ወይ ምስጉን ነገር እንተ አልዩ ብዛዕባዚ ነገርዚ ሕሰቡ” (ፊሊጵ 4፡8)። ቀጺሉ “ነቲ ኻባይ ዝተመሃርክምዎን ዝተቐበልክምዎን ዝሰማዕክምዎን አባይውን ዝርአኽምዎን ነገር ኵሉ ግበርዎ አምላኽ ሰላም ከአ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ” (ፊሊጵ 4፡9)። እዘን ቃላት ጳውሎስ ንነፍስወከፍና ሕልናዊ ሕቶ ዘቕርባ ዘተሓሳስባ እየን። ግን ጳውሎስ ከም ዝብለና ክነብሮ እንተ ጀመርና አምላኽ ሰላም ከአ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ ይብለና።
ቍምስናዊ አታክልቲ ወይኒ (ግራት)፡
ቍምስናና አታክልቲ ወይንና እያ። ክተፍርዮ ዝግብአ መጺጽ ዘለላ ክብላዕ ዘይክአል አይኮነን። ነቲ አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝዛረቦ ክትሰምዕ ክፍቲ ክትከውን ይግባእ፥ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ይኹኑ ወይ እውን ነብያዊ ድምጺ ዘስምዑ ንኽትሰምዖ ጽንኩርን ዘሕምምን ይኹን ኩሉ ጊዜ ክፍቲ ክትከውን ይግባእ።
አብ ቍምስና ኩሉ ጊዜ ሓደ ፈተና አሎ ንሱኸአ ከም ናይ ጸጥታ ሰራሕተኛ ምዃን ማለት ነቶም ብእዋኑ አብ ኩሉ ሕብረተሰብ ዝመጹ ብድሆታት ናይ ዘመና ክትገጥሞም ዘይምድላይ። ገለ ጸገም ምስ መጸ አብ ዝሓለፈ አረጊት ባህልን ሕግን ስርዓትን ጸኒዕካ ክትቅይር ዘይምድላይ። ገለ ሰባት ለውጢ ወይ ተሓድሶ ከምጽኡ እንከለዉ ደጋጊምካ ምንጻጎምን ምስጓጎምን። ከምዚ ዓይነት እትኽተል ቍምስና ናይ ገዛ ርእሳ “ሊቃነ ካህናትን ዓበይቲ ዓድን” ተፍሪ (እዚኦም ግድነት ካህናት ወይ አቡናት ጥራሕ ማለት አይኮነን ካብ ምእመናን እውን ክኾኑ ይክአል እዩ) ሽዑ እተፍርዮ ዘለላ መጺጽን ክትበልዖ ዘይክአልን ይኸውን። እቶም ብሩህ መጻኢ ዘለዎም ይዕገቱ እሞ ቍምስና ናይ አረገውትን አኽረርትን ጥራሕ ትኸውን እዚ አብ ሙማት ቍምስና ከብጽሕ ይኽእል።
አብዚ ዘሎናዮ እዋን ንድምጺ አምላኽ በቶም ልኡኻቱ ክሰደልና እንከሎ ልክዕ ከምቶም መራሕቲ አይሁድ አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበሩ ንቃል አምላኽ ከለልዩ ዘይከአሉ ንአና እውን ካብ ምስማዕ ዝኽልክለና ብዙሕ ነገራት ክንርኢ ቀሊል እዩ። Cardinal Newman ዝተባህሉ ቅድሚ 100 ዓመት አቢሉ ነዚ ብጽቡቕ ይገልጽዎ “ምንባር ማለት ምልዋጥ ማለት እዩ፥ ፍጹም (ምሉእ) ምዃን ማለት ከአ ደጋጊምካ ዝቐየርካ እንተ ኾንካ እዩ” ይብሉ። አታኽልቲ ቍምስናና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ዘየፍሪ እንተሎ ብርግጽ ገለ ጸገም አሎ ማለት እዩ ንሕና እውን ንፉዓት እሙናት ዓየይቲ ኮና የለናን ማለት እዩ። አብ ገለ እዋን አምላኽ ነቲ ተልእኮ ካባና ወሲዱ ንኻልኦት ክህቦ ይኽእል እዩ።
ቍምስናና እንተ ተዓጾ ወይ እውን ፋሕ እንተ በልና መንዩ ዝጉዳእ? ከምቲ ዝግብአና ክንዕንብብ ክንፈሪ እንተ ዘይከአልና መንዩ ዝውቀስ መንዩኸ ካብቲ ክፉእ ውጽኢት ዝረብሕ? አብዚ ብሓቂ ሕልናዊ ሓላፍነት ክንለብስ አሎና። አብ ናይ ግላዊ ሕይወትና ነገራት ጥራሕ አተኲርና እንጉዓዝ እንተ ኾና ንቤት አምላኽ ንቀትል አሎና። ካብ ገዛእ ስምዒታትና ወጺእና ንአምላኽን ንአናን ዘሓጉስ ፍረ ክንፈር ፍቓደኛታት ንኹን። ቤት አምላኽ ብሓደ ወይ ብኽልተ አይኮነትን እትእየ ናይ ነፍሲወከፍና እንጻወቶ ተራ የድሊ። ናይ ማዕዶ ምእመን ወይ አብ ጥምቀት አብ ቃል ኪዳን ወይ እውን አብ ቀብሪ ጥራሕ እንተ ኾና እንደልያ ቤተ ክርስትያና ጌና ትምህርቲ ወንጌል አይተሰቕረናን አሎ ማለት እዩ። ቤትና ሰላም ፍቕሪ ሕውነት ክነግሶ ናይ ኩልና ኢድ የድልዮ።
አምላኽ ዝብለና ጽን ኢልና እናሰማዕና አብ አታኽልቲ አምላኽ ክንወፍር ፍቓደኛታት ንኹን። ፍቕሪ ለውሃት ትሕትና ለቢስና ጉዕዞ ሕይወትና ክንመርሕ ንጽዓር አምላኽ ከአ ብጸግኡ ይሓግዘና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.