2014-10-04 16:32:31

ሃገረ ቫቲካን፦ ዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕን ኣብቲ ከባቢ ህልዉ ኩነታት ማሕብረ ክርስቲያንን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ንምዝታይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካንን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ማለት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፣ ምኽትሎምን ተቐያሪ ዋና ጸሓፊ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣክይዶም ዝተመልሱ ንኣሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፣ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ፣ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፣ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ፣ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መናብርት፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን፣ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣብ ጀነቭ ናይ ሕቡራትም ንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀወምንቲ ተዓዛብቲ ዝዓደመ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. ፍልዩ ድላይን ውሳኔ ዝተጠልበ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዝዛዘም ጉባኤ ይካይድ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘካየዶ ናይ ንጐሆ ዋዕላ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ፦ “ህልው ኩነታ ማእከላይ ምብራቕን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንኽረጋገጽ ቅድስቲ መንበር ዘካየደቶን እተካይዶ ዘላ ክሌኣዊ ጻዕርታትን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘረባ እንከስምዑ ሕጋዊ ድላይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ግምት ዝህብ ካብ ዘተ ዝምንጭው መፍትሒ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘነጸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፣ ብፁዕነቶም እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝሰፍሕ ዘሎ ተርእዮ ኣሸባርነት ብናይ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ምውጋእን ንእምንቲ ናይ ሕዝቢ ጥቕሚ ኩለን ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላምን ምዕባለ ሕዝብታት ክተሓባበራ ክቀራረባን ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ፣ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ክሌኣዊ ርክባት ኣቢላ ብፍላይ ድማ ምስተን ብዙሃን ናይ ሃይማኖት ሰዓብቲ ምስ ዘለወን ሃገራት ናይቲ ውሁድ ማሕበረ ክርስቲያንን ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከከክላኸላን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ከምእትዝትን ከምእተተባብዕን ከምዝገለጹ ሓቢሩ።
ቀጺሎም ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ፍልስጥኤም ሓዋርያዊ ወኪል ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ዘሎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ግጭትን ህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ መንበርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ ድሕሪ እቶም ዝቐረቡ ክልተ ጸብጻባት እቲ ናይ ዕለቱ ዋዕላ ብናይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ቀጺሉ ቀጺሉ ብናይ ሓባር ጸሎተ ዘሰርክ ክእምተዛዛመ ግሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.