2014-10-04 16:30:01

ሃገረ ቫቲካን፦ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሃገረ ስሪላንካ ርእሰ ብሔር


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ነኸካይዱ ቅድስቲ መንበር ንዝኣተዉ ናይ ስሪላንካ ርእሰ ብሔር ማኣሂንዳ ራጃፓክሳ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስሪላንካ ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ መንጐ ኣህዛብ ናይ ምቅርራብ ምልክታን፣ ነቶም ምእንቲ ናይ ሓባር ጥቕምን ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣሚቶም ንዘገልግሉ መበራትዒ ክኸውን ዓቢይ ትጽቢት ዝተነብሮ ከምዝኾነ ናይ ሶሻሊስታዊት ዴሞክራሲዊት ረፓብሊክ ስሪላንካ ርእሰ ብሔር ራጃፓክሳ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ርእሰ ብሔር ራጃፓክሳ ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ኣመልኪቱ፣ እቲ ርክብ ልባዊ ኰይኑ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ስሪላንካን ብፍላይ ድማ ኣብታ ሃገር ዝረጋገጽ ዘሎ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ምምሕያሻት ዛዕባ ዝገበረ ዘተ ከምእተኻየደን እቲ ዝብጻሕ ዘሎ እወታዊ ምምሕያሽ ነቲ ናይ ስሪላንካ መላእ ህዝቢ ቅኑዕን ሕጋዊ ትጽቢታት ንምዕታር ዘብቕዕ ክኸውን ለበዋ ዝቐረበሉ ርክብ ከምዝነበረ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.