2014-10-03 11:33:52

ንጭኑቅ ንምርዳእ መዓጹ ልቢ ይከፈት፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንልዕሊ ሓሙሳ ዝኾኑ ካብቲ ቅድሚ ዓመት ብ ዕለት 3 ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓምፈ አብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ኅልቂት ዝደኃኑ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ፣ “አብ መዓሙቍ ልበይ ብቃላት ክትገልጾ ዘይትኽእል ነገራት ይህውጸኒ አሎ ከይገልጾም መዛረቢ ቃላት የብሎምን፣ እቲ ኩሉ ዘሕለፍክምዎ ስቃይ አብ ከውታ ኮንካ ክስትንተንን ክብኸየሉን ዘለዎ ኮይኑ ወትሩ አብ ጐንኹም ክንከውን ከአ ሃረር እናበልና ኢና፣ ሓንሳእ ሓንሳእ ዓዲ አትየ ቢልካ አብ አፋፌት በጺሔ ቢልካ እናሓሰብካ ከበድቲ ነገራት የጋጥሙኻ፣ እቲ አፌፈት ተዓጽዩ ይጸንሓካ አበይ ከም እተብል ይሕርብተካ፣ ኮይኑ ግን ብዙኃት ልቦም ከፊቶም ዝቅበሉኹም እውን አለው፣ አብዚ ግዝያት እዚ ማዕጾ ልቢ ኢዩ ል ዕሊ ኩሉ አገዳሲ፣ ንኩሎም ደቂአንስትዮን ደቂተባዕትዮ ኤውሮጳ መዓጹ ልቦም ክኸፍቱ እምሕጸን፣ ወትሩ አብ ጐንኹም ከምዝኮንኩን ም እታኹም ከምዝጽልን ምናዳ ከአ እተን ተዓጽየን ዘለዋ መዓጹ ክኽፈታልኩም እጽሊ፣” እንክብሉ እቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ነዚ ቅዝፈት እዚ ዘኅንኽ ዘኅፍር ተግባር ቢሎም ዝገለጸዎ ሎምዘመን ግን እቲ ኅልቂት ብምቅጻሉ አብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ልዕሊ 3000 ነፍሳት ግዳይ ማእከላይ ባሕሪ ምዃኖም እቶም ዓዲ ሰብ አቲና ዝበሉ እውን ኩሉ ኃርቢትዎም ዳርጋ ነቶም ዝሞቱ ዕድለኛታት ኢዮም እናበሉ ምረት ዘለውዎ ናብራ እንክገልጹ ዝብልዎ ሓርቢትዎም፣ ንዝስመዓኒ ክገልጽ ዝኽ እል ቃላት የልቦን ግን አጆኹም ም እንታኹም እጽሊ አሎኹ ቢሎም፣መብዛሕትኦም ካብዞም ውጻእ መዓት ዝኾኑ አብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ጀርመን ስዊደን ኖርወይ ደንማርክ ሆላንድ ዚአመሰላ ሃገራት አ ዕቍቦን ኦም ከምዘለዋውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.