2014-09-30 19:21:53

ሰይጣን ንነገራት ጽቡቝ አምሲሉ ይቅርበልና እንተኾነ ንወዲ ሰብ ከጥፍእ ኢዩ ድላዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ላቲን ሥርዓት ንዝበዓል በዓለ ሊቃነ መላእክት ሚካኤልን ገብርኤልን ሩፋኤልን ብምዝካር “ሰይጣን ንነገራት ሠናይ አምሲሉ ብምቅራብ ከሰሓሓተና ይፍትን ኮይኑ ግን ዝተፈላለየ መጠበሪ ነገራት እናፈጠረ ን ዓሌት ሰብ ከጥፍ እ ዝተዓጠቐ ጸላኢ ኢዩ፣ መላእኽቲ ተጻይ ሠይጣን ይቃለሱ ይከላኸሉልና ከአ” እንክብሉ ሰቢኾም፣
ናይ ዕለቱ ንባባት ብብሩህ መንገዲ ነቲ ምስሊ ይቅርቡልና፣ ትንቢት ዳንኤል ሻብዓይ ምዕራፍ ንወዲሰብ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቅድሚ አቦኡ ብኽብሪ ከምዝረአየን አርባዕተ እንስሳ ከማኡ ከአ ነቲ ዓቢ ገበል ከምዝረአየ ይናገር ዮሓንስ ወንጌላዊ ከአ አብ ራእዩ ምዕራፍ 12 ከአ አብ መንጎ ሊቀ መላእኽቲ ሚካኤልን መላእኽቱን ተጻይ እቲ ዓቢ ገበል ጥንታዊ ተመን ዲያብሎስ ዝበሃል ዝኾነ ውግእ ከምዝረአየ እንኪናገር አብ ወንጌል ዮሓንስ ከአ ኢየሱስ ንናትናኤል ሰማያት ተኸፊቱ መላእኽቲ እግዚአብሔር ድማ አብ ል ዕሊ ወዲሰብ ክድይቡን ክወርዱን ክትርእዩ ኢኹም (1፤47) እናበለ ቅዱሳት ጽሑፋት መንጎ ሰይጣንን እግዚአብሔርን ዘሎ ጸብኢ ይነግረና፣
“ኮይኑ ግን እዚ ውግ እ እዚ ሰይጣን ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝውለድ ሕጻን ከጥፍእ ምስ ተበገሰ ኢዩ ዝለዓል፤ ሰይጣን ኩሉ ጊዜ ንወዲሰብ ነቲ ዳንኤል አብ ክብሪ አቦኡ ዝረአዮን ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ ንናትናኤል ብኽብሪ ከምዝመጽእ ንዝነገሮ ወዲሰብ ከጥፍእ ኢዩ ዝደሊ፤ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ መጀመርያ ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ፈተና ይዛረበና፣ እዚ ከተጥፍእ ምድላይዚ ከአ ካብ ቅንኢ ዝተላዕለ ኢዩ፣ አብ መዝሙረ ዳዊት 8“ንወዲሰብ ካብ ል ዕሊ መላ እኽቲ ገበርካዮ” ዝብል ነንብብ እቲ ናይቲ መል አኽ ዝነበረ ልዑል አእምሮ ነዚ ትሕትና እዚ ክጻወሮ አይከአለን ትሕቲ ክኸውን ዝነበሮ ፍጥረት ልዕሊ ክኸውን ስለዘይተዋሕጠሉ ከአ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ክድምስሶ ሒዅ ይብል አሎ፣ ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ወዲሰብ ክብል እንከሎ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዘስምዕ፣ እቲ አብ መዝሙረ ዳዊት ዘሎ ድሒሩ አብ መል እኽቲ ዕብራውያን ከምዘብርሆ ከማኡ እውን እቲ ናይ ትንቢት ዳን ኤል ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ብዛዕባ ገዛእ ር እሱ እንክዛረብ ወልደእጓለእመሕያው ወዲሰብ እናበለ ኢዩ ዝዛረብ ነሩ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሥጢረ ሥጋዌ አብ ማእከልና ብምሕዳር ከማኡ ደቂ አምላኽ እንኾነሉ ሥልጣን አልቢሱና፣ ንሠይጣን ምውሓጥ አብያቶ ዘላ ከአ እዚአ ኢያ፣ ስለዚ ሠይጣን ወትሩ ንደቂ ሰባት ኵልና ከጥፍእ ምስ ተቃለሰ ኢዩ፣
“ናይ ግሊ ኃጢአት ገዲፍካ ወዲ ሰብ ለይትን መዓልትን ብዙሕ መደባት እናሓንጸጸ ኢዩ ኮይኑ ግን እዚ መደባት እዚ ክብሩ ዝቅንጥጡ ሥራሕ ሰይጣን ምዃኖም ትርኢ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ተጻይ ወዲሰብ ስለዝኾነ ኢዩ፣ ክፉእ ጐራሕ ስለዝኾነ ኢዩ፣ አብ ዘፍጥረት ሳልሳይ ምዕራፍ ከም እነንብቦ ተመን ካብ ፍጥረት ኩሉ ዝጐርሐ ከምዝነበረ ኢዩ፣ስለዝኾነ ከአ ንነገራት ወላውን ነቶም ናብ ጥፍ አትና ዝወስዱና ከም ጽቡቃትን ሰሓብትን ጌሩ ይቅርበልና ዕላማኡ ግን ንጥፍ አትና ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ነዚ ዝከላኸሉ መላ እኽቲ አለውና፣ እዞም መላ እኽቲ እዚኦም ንወዲሰብ ይከላኸሉ ነቲ ሰብ ዝኾነ አምላኽ እሞ ኸአ ብወዲሰብ ዝፍለጥ እቲ ልዑል ሰብ መዝሙረ ዳዊት ካብ መላእኽቲ አ ዕበኻዮ ዝብሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጽምን ደቂ ሰባት ዝኾነ ፍጹም ሰብን ፍጹም አምላኽን ዝኾነ ይከላኸሉ፣ ስለዚ ከአ ቤተ ክርስትያን ንመላእኽቲ ተኽብር፣ ንሶም እዮም አብ ክብሪ አምላኽ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ንሶም ከአ ኢዮም ነቲ ሕቡእ ምሥጢር አምላኽ ዝኾነ ሥጋ ዝለበሰ ቃል አምላኽ ዝሕልው፣ ዕዮ ገዛ ሕዝበ እግዚአብሔር ከስ ነዚ ወዲሰብ እዚ ምሕላው ማለት ነቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ምሕላው ኢዩ ምኽንያቱ ከአ ንኩሎም ደቂ ሰባት ሕይወት ዝህብ ንሱ ስለዝኾነ ኢዩ፣ ሠይጣን ግን ዝተፈላለዩ ፍልስፍናታትን ርቀት ዝመል ኦም ምርመራታን እናቅረበ ፍጥረት አዳም ንር እሱ ባዕሉ ከጥፍ እ ከምዝደናደን ይገብሮ፣
“እዚ ውግ እ እዚ ዕለታዊ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዕለት ዕለት ዚፍጸም ኢዩ፣ አብ ልብና አብ ሕይወትና አብ ቤተሰብና አብ ሕዝበ እግዚአብሔር ብሰፊሑ አብ አብያተ ክርስትያናትና ን ዕዘቦ አሎና እንተዘይተጋዲልና ክንሰዓር ኢና፣ እንተኾነ ጐይታ በቲ ዓቢ ጥበቡ ነዚ ጉዳይዚ ብቀዳምነት ንመላእኽቱ ሂብዎ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዘረጋግጹልና ከአ እዞም መላእኽቲ ክዋግ ኡን ክስ ዕሩን ኢዮም፣ እቲ መደምደምታ ቅዱስ መጽሓፍ ዝኾነ ራእዩ ለዮሓንስ ከአ ተዋጊኦም ከምዝስዕሩ ከአ “ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ” እንክብል የረጋግጸልና፣ ስለዚ ነዞም ፍሉይ ሓገዝ ከበርክቱልና እግዚአብሔር ዝዓደለና ሊቃነ መላእኽቲ ንለምኖም ምናዳ እታ ጥንታዊት ግን ከአ ሓያልን ፍረ ዘለዋን ናብ ሊቀ መላእኽቲ ሚካኤል እትቀርብ ናይ ሓለዋ ጸሎት ነዘውትራ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.