2014-09-27 15:25:03

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብቲ ዝተጐድአ ሰብኣዊ ብትብዓት ነብል


RealAudioMP3 ዓለም ብዘይ ምቁራጽ ወትሩ ናብ ሓድነት ከብል መታን ብለጋስነት ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ወንጌላዊ ሃሴትን ነበስር ኣብ ዝብል ምዕዳን ዘማእከለ መልእኽቲ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቶም ካብ 137 ሓገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 500 ሚእቲ ዝግመቱ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ጠቕላሊ ጉባኤ ማሕበረሰብ ኣፍቅሮተ ዘቤት ተሳተፍቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በተን ነቲ ማሕበረሰብ ንኽመርሓ ዳግም ዝተመርጻ ማርያ ቮቸ ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ማሕበረሰብ ካብ ንእሽቶ ዘርኢ ዝተወልደ ሎሚ ከም ሓደ ዓቢይ ገረብ ኮይኑ ጠጢዑ ብዙሓት ክርስቲያንን ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ዜጋታት ከም ሓደ ስድራ ዝጠራነፈ ኰይኑ፣ ሓቂ ኣብ ምድላይ ጉዕዞ ብሓባር እናሰጒሙ፣ ፍትሕን ምትሕብባርን ዝዘርኡ ኰይኖም፣ እዚ ተግባረ ተልእኾ’ዚ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ ናይ ሓድነት መንፈሳውነት ዝኾነ፣ ሎሚ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾ የገልግል ከምዘሎ ቅዱስ ኣቦና ተንቲኖም፦ “ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ነቲ ኣዚዩ ኣብ ድኽነት ዝርከብን ዝተናዕቀን ተነጺሉ ንኽነብር ንዝተገደ ብሕውነትን ብሓጐስን ዝተሰነየ ተስፋ ብምኹስኳስ ናብ ሓድነት ዘብል ጉዕዞ ንዘርኢ ሰብ ከተበስር ዝተጸውዔት እያ” እንክብል ዝገልጾ ትርጉም፣ ሓድሽ ወንጌላዊ ምስክርነት ዝብል ከምዝኾነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤተ መስራቲት ኪያራ ሉቢክ ናይዚ ማሕበረሰብ ጸጋ ዝዀነ መንፈሳውነት ኣብቲ ፍርያማ ሕይወተን ጥዑም ሽታ ኢየሱስ ናብ ዝተፈላለየ ጭቡጥ ታሪኽ ሰብኣውነት ዓለም ብምብጻሕ ዝተግሃ ምዃነን ዘኪሮም፣ ማሕበረሰብ ኣፍቅሮተ ዘቤት “ኣስተንትኖን ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእን ሕንጸት ምስፋሕን ዝብሉ ሰለስተ መገዲ ክኽተል ኣለዎ። ቅድም ቀዳድም ኣስተንትኖ፣ ስለምታይ ሎሚ ካብ ቀደም ሰብን ዓለምን፣ እግዚኣብሔርን ዘደንቕ ፍቕሩን ምስትንታን ኣዚዩ የድልዮ። ምስትንታን ማለት ኣብ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ተሰንዮ ምንባርን ብሓባር ምሳኦም ናይ ሱታፌ ህብስቲ ብምቝራስ ብሓባር ‘ኣቲ ኣፍ ደገ ኣነ እየ፣ ብኣይ ዚኣቱ ኪድህን እዩ፣ ኪኣቱን ኪወፍርን እዩ፣ መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ’ (ዮሓ. 10,9) ዝበለ ጐይታ ናብ ኣቦ ናብ ዝመርሕ ኣፍ ደገ ክመርሓና እዩ (ዮሓ. 1,18 ረአ) ስለምታይ ኣስተንትኖ ማለት እቶም ዘታልሉናን እቲ ክቱር ርእሰ ኣምልኾን ኣንነትን ክቱር ርእሰ ተገዳስነትን ዝብል ኩሉ ፈተና ኣብ ኣፍ ደገ ሓዲግካ (ወንጌላዊ ሓሴት.281) ናብ እዚኣብሔር ምእታው ማለት እዩ” ብኻልኣይ ደረጃ ካብ ገዛእ ራስኻ ምውጻእ ዝብል ቃል ጠቒሶም፦ “ፍቅሪ እግዚኣብሔር ብልግሲ ብምክብባርን ብነጻን ብናይ ምህዞ ብቕዓት ንምብሳር ምውጻእ፣ ብዘይ ናይ ምህዞ ብቕዓት ንቕድሚት ምጉዓዝ ዘይከኣል እዩ። እዚ ንምፍጻም ናይቲ ዘተ ናይ ዝብል ክቡር ዋጋ ክኢላ ምዃን የድሊ፣ ዘተ ኣብ ሰናይ ዕዳጋ እትመሃሮም እትዕድጎን ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ርእየትካ ንላዕሊ ኣቕኒዕካ ጠመተኻ ኣግፊሕካ ብሓገዝን ሓልዮትን እግዚኣብሔር እትዕደሎ ጸጋ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ብትብዓት ምውጻእን ናብቲ ናይ ኣሕዋት ስቓይ ምባልን ናብቲ ናይ ሕዝቢ መከራን ስቓይን ምባልን፣ ናብቲ ናይ እዋናዊ ባህሊ ሕቶታት ምባልን ምኻድን ማለት እዩ። ኣብ ኣፈት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝቖሰለ ልብን ዝደመይ ሕብረሰብንን ስጋውን ግብረ ገባውን መጉዳእቲ፣ መጉዳእቲ ህላዌን ብውግእ ዝደመዩን ክትርእይ ብሓቂ ልብኻ ዘሳቕይ እዩ፣ እዚ እናረኣኻ ድማ ብዙሓት ክርስቲያን ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ስነ መንፈሳውን ሕቶታት ክብዝንትዉ ትርእይ፣ እዚ ብሓቂ ልብኻ ዘድምይ እዩ፣ ስለዚህ ሎሚ ንቢዛንታውነት ‘ክትዕን ምፍልሳፍን’ መሰል የብልናን፣ ክንወጽእ እዩ ዝግብኣና፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊመ ዝበልክዎ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ዓቢይ ናይ ውግእ ስፍራ እትርከብ ዳስ ሕክምና እያ፣ ሰፈር ሕክምና እያ፣ ናብቲ ናይ ሕክምና መውሃቢ ዳስ ዝኸይድ ጉድእ፣ ብቐዳምነት ዝወሃቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቆስሉ ምሕካም እዩ እምበር ቅድም ክላእ ዓይነት ሕክምናዊ መጽናዕቲ ክግበረሉ ኣለዎ ቢልካ ትእዛዝ ምትሕልላፍ ኣይኰነን፣ ቅድም ቁስሉ ይተሓክም እቲ ካልእ ናይ ስነ ሕክምና መርመራ ደሓር ዝኸውን እዩ። ብሳልሳይ ደረጃ ሕንጸት እዩ፣ ንሓድሽ ወለዶ ብዘይ ብቑዕ ናይ ሕንጸት መደብን ተግባርን ብዘይ ምቕራብ ሕንጸት ኣዚዮም ኣገድስት ሸቶታት ንምዕታር ሕልሚ ዝኸውን፣ ህውተታ እዩ ዝኸውን” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ሓደስቲ ዜጋታት ምሕናጽ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ኪያራ ሉቢክ፦ እቶም ሓደስቲ ዜጋታት ማለት ድማ “ናይ ሰብኣዊ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልቢ ዝተኣንገደ መሰረታዊ ድላይን ሻቕሎትን ጸበባን ተስፋን ከስተውዕሉን ከንብቡን ዝኽእሉ ተባዕትዮን ደቂ ንስትዮን መንፈስ ልብን ኣረእያን ኣእምሮን ኢየሱስ ዘለዎም የድልዩ” ዝበልኦ ቃል ጠቒሶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.