2014-09-26 18:35:41

ሰንበት ዘመስቀል 2007 ዓ.ም. መስከረም 17 2007 ዓ.ም. (9/28/2014)


RealAudioMP3 መዝሙር፡ ዝንቱ ውእቱ መስቀል . . . . ።
    ንባባት፡ ፩ቆሮ 2፡1-12፥ ፩ጴጥ 2፡20-ፍ፥ ግ.ሓ. 4፡19-31፥ ሉቃ 9፡18-28
    ዘኁልቅ 21፡4-9፥ ፍሊጲስዩስ 2፡6-11፥ ግ.ሓ. 2፡22-37፥ ዮሓ 3፡13-17።

ምስባክ፡ 1. ወወሃብኮም ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፥ ከም ያምስጡ እምገጸ ቀስት፥ ወይድኃኑ ፍቁራኒከ።
2. ወአጽንኦ እግዚኦ ለዝንቱ ተሠራዕከ ለነ፥ ውስተ ጽርሕከ ዘኢየሩሳሌም፥ ለከ ያምጽኡ ነገሥት አምኃ። “ኦ አምላኽ ሓይልኻ ግለጽ፥ ስለቲ አብ ኢየሩሳሌም ዘሎ መቕደስካ ነገስታት ውህበት ከምጽኡልካ እዮም” መዝ. 68፡28-29።
ቅዱስ ጳውሎስ አብቲ ጽንኩር እዋን ስብከቱ ብንጹር ዝአምኖ ኽሕብር ምስ ደለ “ንሕና ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኢና እንሰብኽ” (1ቆሮ 1፡23) ይብል ነበረ። መስቀል ካብ መጀመርያ አብ እምነት ክርስትና እቲ ዝለዓለ ትርጉም ሒዙ ይርከብ። አብ ስርዓት ሃገርና መስቀል ፍሉይ ክብርን ትርጉምን አልኦ አብ ኩሉ ጸሎታትና ስርዓት ማኅሌታትና መስቀል ንዝክር ንኹሉ ጸሎታትና ብመስቀል ንጅምሮ። አብ ዓመት ክልተ ጊዜ ንዝክሮ፥ ማለት መጋቢት 10 ከምኡ መስከረም 17 ብፍሉይ ጸሎትን ክብርን ዘኪርና ነብዕሎ። መስቀል ንአና ምልክት ተስፋ ንአምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክንአምን ዝሕግዘና ፍሉይ ምልክት መንነት እምነትና እዩ።
አብ ታሪኽ ብፍሉይ ነዚ ናይ ሎሚ ብዓል እንተ ረኤና መሰረቱ እዚ ዝስዕብ እዩ።
    አብ ዝንገር ታሪኽ ብ312 አቢሉ ቍስጢንጢኖስ ምስ ማክሰንጢዩስ ዝብሃል መቐናቕንቱ ንምሉእ ግዝአት ሮማ ንምግዛእ ተዋጊኡ፥ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ ንሰማይ እንተ ጠመተ መስቀል ምስ ሴፍ ርእዩ ከምዚ ዝብል ቃላት ከአ ርእዩ “በዚ ምልክት እዚ ክትስዕር ኢኻ”። ቍስጢንጢኖስ በዚ ምልክት ተበራቲዑ ሴፉ ወሲዱ በቲ ጫፉ ሒዙ ምልክት መስቀል ገሩ ንወተሃድራቱ ንውግእ መሪሑ ስዒሩ ናይ ምዕራባዊ መንግስቲ ሮማ ንጉሥ ኮይኑ። አዲኡ ንግስቲ እለኒ ጽንዕቲ ክርስትያን እያ ነራ ንወዳ ቍስጢንጢኖስ ካብ ንእስነቱ ትምህርቲ ክርስቶስ ጽቡቕ ገራ አምሂራቶ። ንሱ ንጉሥ ምስ ኮነ ስደት ክርስትና ደው አቢልዎ ዕላዊ እምነት መንግስቱ ገርዎ። አዲኡ ከአ ግማድ መስቀል አብ ኢየሩሳሌም ኩዕታ አካይዳ ረኺባቶ።
    ብ335 ዓ.ም. አብ መስከረም 14 ርእሰ አድባራት ቤተ ክርስትያን ብንጉሥ ቍስጢንጢኖስ አብቲ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉ ተሰሪሓ ተመሪቓ። እዚ ሎሚ እንብዕሎ ዘሎና ናይ እዛ ቤተ ክርስትያን ምርቓ ዝኽሪ እዩ። ቅድምዚ እቲ ቦታ ሃድርያን ዝተባህለ ሮማዊ ንጉሥ ኩሉ አፍሪሱ አብኡ ንአምላኽ ሮማውያን ቨኑስ ምስቲ ንጁቢተር ዝሰርሖ ምስሊ ገሩ አብ ቀራንዮ ሰሪሕዎ እዚ ኸአ ነቲ አብ ከባቢ ዝነበረ ኩሉ ዝፈርስ አፍሪሱ ዝጸሪ አጽርዩ ከም ብሓዲስ ሰሪሕዎ። አብ ዳሕራይ ዓመተታ ቍስጢንጢኖስ ምስ ነገሰ ንግስቲ እለኒ ንመስቀል ክርስቶስ አብቲ ሃድርያን ቤተ መቕደስ ዝሰራሓሉ ኩዕታ አካይዳ ረኺባቶ። ድሕሪ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ንጉስ ፋርስ ኮስሮይስ ዝተባህለ ንኢየሩሳሌም ወሪሩ ሒዙ ነቲ ሓቀኛ መስቀል ንፔርስያ ወሲድዎ። ድሕሪ 14 ዓመት ባዝንትንያዊ ንጉሥ ሄራክልዩስ ዝተባህለ ንንጉሥ ፋርስ ስዒሩ ንመስቀል ክርስቶስ አብ ኢየሩሳሌም አምጺእዎ። ብዓቢ ዓጀባን ጽቡቕ አልባሳትን ወርቃዊ ሽልማታትን ተሸሊሙ ንመስቀል አብ መንኩቡ ተሰኪሙ አብታ ቍስጢንጢኖስ ዝሰርሓ ቤተ ክርስትያን አብ ቀራንዮ ክመልሶ እንከሎ አብ አፍደገ ቤተ ክርስትያን ምስ በጽሐ ክንቀሳቐስ አይከአለን። ሓደ ዘይርኤ ሓይሊ ምእታው ከሊእዎ ክንቀሳቐስ አይከአለን። በቲ ጊዜ ናይ ኢየሩሳሌም አቡን ዝነበሩ ዘካርያስ ዝተባህሉ ከምዚ ኢሎም ተዛሪቦሞ “ በዚ ለቢስካዮ ዘሎኻ ዘግይጽ አልባስካ ካብ ኢየሱስ እቲ ድኻ ምእንቲ ድሕነትና መስቀል ዝተሰከመ ብዙሕ ተፈሊኻ አሎኻ” ስለዚ ክዳውንትኻ ቀይር ኢሎሞ። ሽዑ ንጉሥ ክዳውንቱ ቀይሩ ምስ ቀረበ ክአቱ ክኢሉ ንመስቀል ከአ አብታ ኢየሱስ ዝተሰቕለላ ቀራንዮ አብኡ መሊስዎ። ነዚ እና ዘኪርና እነብዕል ዘሎና። እዚ እዩ ድሕሪ ባይታ ታሪኽ እዚ ሎሚ እነበዕሎ ዘሎና።

መዝሙር፡ ንትርጉም መስቀል ክገልጽ ከምዚ እናበልና ንዝምር፦“መስቀል ብሓቂ ድንቂ እዩ፥ አብ ብርቱዕ ነገር ሠናይ ንምግባር ብቐሊል መገዲ የጽንዓና፥ መስቀል ኃጢአት ይምሕር፥ ጻድቃን ካብ ደብረ ልዑል ኃጥአን ካብ ምድሪ ካብ ማእከል ኩኔን ጸውዑ፡ ንኖና ጽዮን ብመዓልቲ ሰንበት ንባሕሪ ምስ ገሰጾ ማዕበል ሃድአላ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ንባሕሪ ምስ ገሰጻ ደቂ እስራኤል ብእግሪ ተሳገሩ ንሕና ብሓይሊ እዚ መስቀል ረድኤት ከም ዝውሃብ ንአምን፡ መስቀል አብ ማእከል ጸላእቲ ረዲኤትን ኃይልን ጽንዓትን ድኅነትን ምዃኑ ንአምን መስቀል ኃይልናን ጸግዕናን እዩ”።
ዝኽሪ መስቀል፡
ናይ ሎሚ ዝኽሪ መስቀል አብ ሕይወት ነፍስወከፍና ክህሉ ዝግብኦ ርድኢት መስቀል ዘዘኻኽርን አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዕብየትን ጽንዓትን ክነርእየሉ ዝሕግዘና እዩ። ትርጉም መስቀል ክንፈልጥ አሎና። ቅድሚ ክርስቶስ ምስቃሉ ትርጉም መስቀል መቕጻዕቲ ነቶም ሕጊ ዘፍረሱ ታሕተዎት ዓለት፥ ዓመጽቲ እዩ ነሩ በዚ ኸአ ምልክት ሕፍረት ውርደትን ኮይኑ ዕንቅፋት ንአረመን እዩ ነሩ። ድሕሪ ክርስቶስ ግን ዝዓበየ ምልክት ዓወትን ምሕረትን እዩ። አብ ኩሉ ሕይወት ክርስትያን መስቀል ዝዓበየ ቦታ አልኦ። አብ ኩሉ አብያት ክርስትያናትና ምልክት መስቀል አሎ፥ አብ ገዛውትና አብ ዝተፈላለየ አብ ማዕተብና አብ ግንባራትና አብ ክዳውንትና ከምኡ አብ መቓብር አብ ሓደ ቦታ ሓደጋ ዝበዝሖ ምልክት መስቀል ንገብር።
አብ ምጅማር ጸሎትና ብትእምርቲ መስቀል ንጅምሮ፥ ማይ ጸሎት ክንዓትብ ከሎና ምልክት መስቀል ንገብር እዚ ኸአ ንጥምቀትና ከዘኻኽረና ምእንቲ እዩ፥ ሰባትን ካልኦት ነገራትናን ብምልክት መስቀል ንባርኾም፥ ድሕሪ ቅዳሴ ካህን ንህዝቢ ከፋኑ እንከሎ ብጸሎት የፋንዎም። አብ ጊዜ ጾም ፍኖተ መስቀል ንገብር እዚ ኸአ አብ ሕማማትን ስቕለትን ሞትን ክርስቶስ ከዘኻኽረና ምእንቲ እዩ።
ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ዝተባህለ ምሁር ሕጊ መን ምዃኑ ኽገልጸሉ እንከሎ “ብኡኡ ዝአምን ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ከምቲ ሙሴ አብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኪስቀል ይግባእ እዩ” (ዮሓ 3፡14-15) ኢልዎ። እስራኤላውያን ንሕጊ አምላኽ ምስማዕ ምስ አበዩ መቕጻዕቶም ብመርዛማት አትማን ተነኺሶም ክሞቱ ምስ ጀመሩ ተጠዒሶም ምሕረት ምስ ለመኑ እግዚአብሔር ብሙሴ ገሩ አብ ባላ ምልክት ስቕለት ተመን ክገብር እሞ አብኡ ዝጠመተ ከም ዝሓዊ ነገሮ እሞ ኩሎም አብኡ ዝጠመቱ ይሓውዩ ነሮም። ተመን አብ ባላ ዝተጠቕለለ ምልክት ምሕረት ኮይኑ። ኢየሱስ አብ መስቀል ምስ ኮነ አብኡ ከበረን ልዕል በለን። አብዚ ኢና ዕብየት ፍቕሪ አምላኽ ክንርኢ እንኽእል።
ናይ ኢየሱስ ስቕለት ክነስተንትን እንከሎና አብ ርእስና አቲና ንዝገበርናዮ ኃጢአት ካብ ንአይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ኢልና ዝገበርናዮ፥ ትዕቢትና፥ ዘይምዕጋስና ወይ ክንምሕር ክንዕረቕ ቅሩባት ዘይምዃና ክንርኢ ንኽእል። አብ መስቀል ክንጥምት ከሎና ብእምነት እንተ ገበርናዮ ከምቲ ናይ እስራኤላውያን ንሕና እውን ካብ ኩሉ ኃጢአትና ክንሓዊ ንኽእል ኢና።
መስቀል ምልክት ዓወት እዩ፥ ቀራንዮ ናይ ዓወት ዘውድና እያ። አብኡ ንኹልና ደቂ ሰብ አድሒኑና። ነቶም ብሰንኪ ድንቍርንኦም አብ ጸልማት ዝነበሩ ብርሃን በሪቕሎም ነቶም ብሰንኪ ኃጢአት ተአሲሮም ዝነበሩ ኸአ ነጻ አውጺእዎም። አብ መስቀል ኢየሱስ አእዳዉ ዘርጊሑ እዚ ኸአ ንምሉእ ዓለም አብ ሕቕፉ ክቕበል ኢሉ እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ አብ ፊሊጲስዩስ ዝጸሓፋ ነዚ ምስጢር እዚ ትገልጸልና። ኢየሱስ ምእንታና ኢሉ ንርእሱ ኢሚንቲ ገበረ ሥጋና ለቢሱ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ከማና መሲሉ “መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ፥ ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት አረ እኳ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት ተአዘዘ” (ፊሊጵ 2፡6- 9) ይብል። ኢየሱስ ብመስቀሉ ከመይ ክነብር ከምዘሎና መዓልቲ መዓልቲ መስቀልና ጸርና ክንስዕቦ አርእዩና። ናይ ጳውሎስ ቀንዲ ትምህርቲ አብ “ዝተሰቕለ ክርስቶስ” ዘተኮረ እዩ፥ ብመስቀል ከአ ይምካሕ። ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ ይብል እዚ ንነፍስወከፍ ክርስትያን መዝሙሩ ክኸውን ይግባእ። እሞ አብ ሕይወተይ ንስቑል ኢየሱስ ሰቢኸ እፈልጥዶ ኢልና ንሕልናና ንሕተታ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ መስቀል አብ ዝሃብዎ ትምህርቲ ከምዚ ይብሉ “ክርስትና ብዘይ መስቀል የለን ከምኡ ምስቀል ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ የለን”። መስቀል ምስጢር እዩ፥ ምስጢር ፍቕሪ አምላኽ ንርእሱ ዘትሕት፥ ንርእሱ ኢሚንቲ ዝገብር እሞ ንኃጢአት ሰብ አብ ርእሱ ወሲዱ ዝዋረድ። ክርስትና ሓደ አካል እዩ፥ አብ መስቀል ዝደየበ፥ ንርእሱ ንሰብ ከድሕን ኢሉ ዘዋረደ ኢና እንርኢ። መስቀል ዘይብሉ ክርስትና ምሉእ ክርስትና አይኮነን ስለዚ ኩሉ ንመስቀሉ ክጸውርን ከፍቅርን ይግብኦ፥ ልዕሊ ኹሉ መስቀልና አለሊና ክንክእል ይግብአና።
በነዲክቶስ XVI ብዛዕባ መስቀል አብ ዝጸሓፍዎ “ካብ መስቀል ሓዲስ ሕይወት ይመጽአና” ይብሉ። ክርስቶስ አብ መስቀል ንርእሱን ካልኦትን ምንጪ ናይ ሓዲስ ሕይወት ኮይኑ። አብ መስቀል ሞት ተሳዒራ። ናይ ኢየሱስ ተአዝዞ ንሰማያዊ ድላይ አብኡ ንኹሉ ሕይወት ኮይኑ።
አብቲ መስቀል ኢየሱስ ዝነበረ ዮውሓንስ ወንጌላዊ ከም ዝሕብረና “ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሥ አይሁድ” ዝብል ነበሮ እዚ ኸአ ንግሥነቱ ክሕብር ዝኾነ እዩ። ኢየሱስ አብ መስቀል ምስ ደየበ መስቀል ዝፋኑ ገሩ ንዓለም አብኡ ስሒብዋ። ካብዚ ምሉእ ብምሉእ ንርእሱ ዝሰውአላ ቦታ፥ ካብዚ ሓቀኛ ሰማያዊ ፍቕሪ ዝተራእየላ ብናቱ መገዲ ሓቀኛ ንጉሥ ኮይኑ ነጊሱ።
አብ መስቀል ክልተ ነገር ተራእዩ ማለት ናይ ኃጢአት ጸልማትን ዘይቅንዑነትን ከምኡ ናይ አምላኽ ቅድስና ነዒንትና ንምርአዩ ክሳብ ዝጽግመና ተራእይ እዚ ኸአ ልዕሊ ርድኢትና እዩ። እዚ ይኹን እምበር እቲ ሓቂ ናይ ሓዲስ ኪዳን መልእኽትን አብ ሕይወት ቅዱስን ከም እንርእዮ እቲ መልእኽቲ እቲ ምስጢር ዘንጸባርቕ ሕይወት ኮይኑ። መስቀል እምብአር ዓቢ ምስጢር አምላኽ ዝተገልጸላ ዓባይ ምስጢር እምነትና እያ።
አብ መስቀል ኢየሱስ ዘአናዮ ዓቢይ ምልክት ናይ ምሕረት ስራሕ እዩ። ንሱ ንድላይ አብኡ ብምልኡ ክሳብ ሞት ተአዛዚ ኮነ። ናይ ኢየሱስ መስቀል ንነፍሲ ወከፍና ነጻነት አምጺኡልና ነጻነትና ኸአ ንአምላኽ ምፍቃርን ንሓውና/ሓፍትና ነነድሕድና ምፍቃርን እዩ። እዚ ኸአ እዩ እቲ ክብርን ዓወትን መስቀል እንብሎ። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ክንደክም ከምኡ ክንፍተን ይክአል እዩ እዚ ግን ብእምነት መታን ክንዓብን ክንጸንዕን ከምኡ ክንሰብኽ ንማለት እዩ። አብ እምነትና እንተ ጸናዕና ንኃጢአት ክነሸንፍ ከምኡ ንዓወት መስቀል አብ ኩሉ ክነብጽሕ ንኽእል።
በዚ ብሩኽ ዕለት እምብአር ነፍስወከፍና መስቀልና ጸርና አብ ቀራንዮ ሕይወትና ንሰቐል። ሽዑ ካብ ኃጢአትና ክንሓውን ክነጽሕን ኢና። ኦ አምላኸይ መስቀለይ ጸረ ክስዕበካ ሓግዘኒ ንበሎ። መስቀል ክርስቶስ ሎሚ እውን አብ ሕይወትና ንኃጢአት ንቒምታ ንክፍአት ተዓዊትና እንኽእለሉ ጸጋ የውርድልና።
ርሑስ መስቀል በሪቝ ሰላም ምሕረት ዘምጽእ ዘመን ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.