2014-09-25 17:52:16

ንቤተ ክርስትያን ኃይሊ ዝህባ ክርስቶስ እምበር መሣርዓ አይኮኑን፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት አብ አልባንያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብሰፊሑ ድሕሪ ተንቲኖም እዛ ብርቱዕ ስደት ክርስትናን ስእነት ነጻነት እምነትን አብ ትሕቲ ኮሚኒስት ዝጨፍጨፋ ሃገረ አልባንያ ከመይ ቢላ ጸኒዓ አብዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ስኒትን ሓድነትን ደረጃ ሕይወት በጺሓስ አብ መንጐ አስላምን ኦርቶዶክስን ካቶሊኽን ውህደት ፈጢርካ ብዘተን ሕውነትን መንግሥቲ አቍምካ ነጻነት እምነት ዝረጋገጸሉን ክብሪ ወዲ ሰብ ዝሕለወሉን ደረጃ በጺሓ ቢልና እንተሓተትና ምንጪ ጽንዓቶምን ኃይሎምን እቲ አብ ክርስቶስ ዝነበሮም ፍቅሪ ምዃኑ ከምእንግንዘብ አዘኻኺሮም፣
ዝሓለፈ ሽግር ክትዛረቦ ቀሊል እኳ እንተኾነ ሕዝቢ አልባንያ አብ ትሕቲ እቲ አረማውን ኢሰብአውን መግዛእቲ ኮሙኒዝም ብዝሕ አብያተ ክርስትያናትን መሳግድን አሕሪሩ ንዝተረፈ ከአ አብያተ ሲነማን መዘናግ ዕን ብምግባር ንናይ ሰይጣናዊ ትምህርቲ ኮሙኒዝም ንምጉስጓስ ተጠቂሙሉ፤ ቅዳሳት መጻሕፍቲ ብኩሉ ተቃጺሎም ወለዲ ንደቆም ናይ አዝማዶም ናይ ሃይማኖት አስማት ከየውጽኡ ተኸልኪሎም ን እግዚአብሔር ምምላኽ ይኹን ብዛዕባኡ ምዝራብ ከም ዓቢ ገበን ተቈጺሩ ነዙይ ክገብር ዝተረኽበ ሰብ አደዳ መግረፍትን ስደትን ማእሰትን ብምዃን ንዓሰርተታት ዓመታት አብ ቤት ማእሰርትን አብ ግዱድ ስራሕን ተላኢኹ፣ እዚ ኩሉ ኪኸውን ግን ክሳብ ሰማዕትነት እሙናት ብምዃን ብጽንዓት እምነቶም ዝመስከሩን ነሕዋቶም ዘጽን ዑን ብዙሓት ሓሊፎም ገለ ከም ጥረ አብ ማእከል ብሱል ዝደሓኑ ከአ ሕያው ምስክርነት እምነቶምን ጽን ዓቶምን ገና ይህቡ አለው፣ እንክብሉ ምንጪ እዚ ጽን ዓት እዚ ፍቅሪ ክርስቶስን ምሳኡ ዘለዎም ምት እሥሳርን ዝወለዶ ምዃኑ ገሊጾም፣
“ሎሚ እውን እንተኾነ ከም ትማሊ ኃይሊ ቤተ ክርስትያን ካብ ዘለዋ ምድራጃዋት ወይ ትሕተ ቅርጻዊ ሥርሓት ዘይኮነስ እዚኦም ወላውን ዘድልዩ ይኹኑ እምበር እቲ ቀንዲ ምንጪ ኃይልና ካብ ፍቅሪ ክርስቶስ ኢዩ፣ እዚ ኃይሊ እዚ አብ ጽንኩር ግዝያት የጽንዓና ነቲ ጐይታ ዝ አዘዞ ሓዋርያዊ ሥራሕ አብ ልብና ብምስትንፋስ ከአ ብምሉእ ሕያውነት ክንውፈን ንምሕረት እግዚአብሔር ንምምስካር ከአ ንሕና ምሕረት ክንልግስ የኽእለና፣ ብማለት ምንጪ ኃይሊ ቤተ ክርስትያን ምስ ገለጹ ናብ አልባንያ ምልስ ቢሎም ከአ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ ቤተ መንግሥቲ አብ ዝተጓዕዙሉ ጊዜ ናይቶም አብ ጊዜ ኮሙኒዝም ዝተሰውኡ ናይ አርብ ዓ ዝኾኑ ካህናት አሳእል ሓሓሊፉ ተንጠልጢሉ ብምንባሩ ነዙ ብምዕዛቦም ዝተሰመዖም እንክገልጹ ናይዞም ካህናት እዚኦም ጉዳይ ብፅዕና ብ ዕቱብ ይስረሓሉ ከምዘሎ ገሊጾም፣ ናይዚ ባርባራዊ ሥርዓት ቅትለትን ስደትን መከራን ዝተቀበሉ ካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት አስላምን ኦርቶዶክስን እውን ከምዝተሰውዑ እዚ መሥዋዕቲ እዚ ከአ ከንቱ ከምዘይኮነ ደሞም ዘር ኢ ናይዚ ሕጂ ንር እዮ ዘሎና ሰላምን ሕውነታዊ ምትሕብባርን ከምዝፈረየ አብሪሆም፣
“ሎሚ ከም ሎሚ አልባንያ ናይ ቤተ ክርስትያን ዳግማይ ልደት አብነት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ብሰላም ምስ ካል ኦት ሃይማኖት ተሓባቢርካ ምንባር አብነት እውን ኢያ፣ ስለዚ ሰማዕታት አልባንያ አይከሰሩን አይተሳዕሩን እኳ ደአ በቲ ጀግንነታዊ ምስክርነቶም ነቲ ወትሩ ሓደስቲ መንገድታትን አድማሳትን ናይ ተስፋ እናከፈተ ንሕዝቡ ዘጸናን ዕ እግዚአብሔር ከአሊ ኩሉነት ብምንጽብራቅ ዕውታትን ካብ ዕውታት ንላ ዕልን ኢዮም፣ እንክብሉ እንደገና በቲ ቤተ ክህነት አልባንያን መንግሥቲ አልባንያን ዝገበሩሎም ዕድመን ተቅባልን አመስጊኖም ነቲ አብ ቅር ዓት ቅ.ጴጥሮስ ዝነበረ ሕዝቢ እውን ሰላምታን ምስጋናን ነዚ ተባዕ ሕዝቢ ከቅርቡ ብምምሕጻን ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.