2014-09-25 16:42:11

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብኤቦላ ንዝተጠቕዓ ሃገራት ሓገዙ ከቕርብ ሓደራ


RealAudioMP3 ዕለት 24 መስከረም 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ነተን ብሕማም ኤቦላ ዝጥቀዓ ዘላዋ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕዝበንን ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኩለ መዳያዊ ረድኤት ክቐርበሉ ሓደራ እንክብሉ ድምጾም ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስኮ ሳባቲነሊ ሓቢረን።
“ሓሳበይ ናብተን ብሕማም ተላገብ ኤቦላ ናብ ዝተጠቕዓ ሃገራትን ሕዝበንን የብል። ነቶም በዚ ከቢድ ሕማም ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ናተይን ናይ መላእ ካቶሊካውያን ቅርበትን ጸሎትን የረጋግጽ፣ ምእንቲ እተን ሃገራትን ሕዝበንን ኩሉ ክጽልይ እላበው፣ ኣቲ በዚ ሕማም ዝሳቐ ዘሎ ሓውና ዝኾነ ሕዝቢ ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኩለ መደያዊ ናይ ግብረ ሰናይ ደገፍ ክቐርበሉን፣ ምእንታኡ ብኣማላድነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጸልይ” ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ገሊጸን።
ናይ ፋተበነፍራተሊ ማሕበር ናይ ተልእኾን ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባርን ጉዳይ ኣማኻሪ ንጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ሞሰስ ማርቲን ድሕሪ እቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣመርኲይዞም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት ናይቲ ሕዝቢ ስቓይ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ናይ ብዙሓት ዜጋታት ሕይወት ይጠፍእ ከምዘሎን ዘተሓሳስበን ብሕማም ኤቦላ ሕይወቱ ዝሓልፍን ዝተጠቕዐን ዝሳቐይ ዘሎ ብዝሒ ሕዝቢ ዘሰንብድ እዩ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ምቁጽጻር ሕማምን ምክልኻልን ማእከልን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ክንክን ጥዕና ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ክትትል ሕማም ኤቦላ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብሕማም ኤቦላ ዝተለኽፈ ብዝሕዚ ሕዝቢ 1.4 ሚሊዮን ከምዝኸውን እንከመልክቱ፣ ጊኒን ሰራሊዮንን ላይበርያን እተን በዚ ተመሓላላፊ ሕማም ኣዚየን ዝተጠቕዓ ሃገራት ምዃነን ክፍልፈጥ እንከሎ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ዘእግዚኣብሔር ፋተበነፍራተሊ ናይ ክንክን ጥዕና ሓልዮ ልኡካን ማሕበር ኣባላት ኣብ ሰራሊዮን ካብ ዘገልግሉ ተወላዲ ስፐይን ናይ ሕክምና ስነ መጥባሕቲ ሊቅ ሓው ማኑኤል ጋርሲያ ቬኾ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሕማም ኤቦላ ምኽንያት ኣብ ስፐይን ሕክምና ዝግበረሎም ዘሎን ኣብ ከቢድ ኩነት ከምዝርከቡን ሓው ሞይሰስ ማርቲን ገሊጾም ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ናይ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ደገፍ ዘድልዮ ኩነት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.