2014-09-23 16:41:01

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. እቲ ሓቀይና ጻማ ዘጸግው ናይ ገንዘብ ሃብቲ ዘይኰነስ ሰናይ ምግባር እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ኣልባኒያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እቲ ኣብ 1990 ዓ.ም. ዝተመስረተ ቤታኒያ እተሰምየ ዘኽታማትን ድኽታትን ሕጻናት ዝእለይሉ ማእከል ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምክያድ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ቅዱስነቶም ሰናይ ተግባር እቲ ካብ ሃብቲ ገንዘብ ዘዐድሎ ዝለዓለ ደረት ኣልቦ ርውየት ዝህብ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፣ እቶም ኣብቲ መዕቆቢ ድኻታትን ዘኽታማትን ዝእለዩ ሕጻናት ኣብ ገጻቶም እቲ ዘጕነፎም ንዝኽትምናን ንድኽነትን ዝዳረጐም ምኽንያት ብጭቡጥ ዝተቓልሔን እቲ ብሓባር ክነብሩ ዝድርኾም ድማ እቲ ኣብታ ቤት ቤታንያ ዝረኽብዎ ሓልዮትን ፍቕርን ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ብሓቂ ነቲ ክርስቲያናዊ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ተግባር መግለጺ እዩ። እቶም ኣብቲ መዕቆቡ ዘገልግሉ ወለንተይናታትን ኣብኡ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ኣካላትን “ብዝተፈላለየ ሰብኣዊ ሽግር ኣብቲ ማእከል ንዝእለዩ ሕፃናት ብርሃንን ተስፋን ዘበስሩን ዘብጽሑን እያቶም” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ኣመልኪቶም።
“እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ካብ እምነት ዝምንጭው ነቲ ጐቦ ዘይምግዳስን ገጽካ ከዊልካ ምሕላፍን ዝብል ናይ ዘይምእማንን ጽልእን ባህሊ ባህርይ ዘሰንፍን ልብን ኣእዳውን ንሰናይ ተግባር ዝኸፍትን ነዚ ሰናይ ባህሊ ንምስፋሑ ዘትግህ ናይ ፍቕሪ ተግባር እዩ። ነቶም ሕጻናት በቲ ተራን ትሑትን ብዝኾነ ምልክታ ኣቢሉ ዝቐርብ ግብረ ሰናይ እቲ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ ኣብ መንጐና ይነብር ኣሎ ዝብል ጥዑም ብስራት ዘመሓላፍ እዩ” ቢሎም ቤታንያ መዕቆቢ ማእከል ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ባህልታትን ፍጥረት ሰብ ሰላማውን ሕውነታውን ናይ ሓባር ናብራ ዝከኣል ምዃኑ ዝምስክር ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ምርድዳእን ክህሉ ዘኽእል ኩነት ስንይትን ሓጐስን ሰላምን ከምዝፈጥርን ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ብፍቕርን ብዘይ ዓመጽን ገዛእ ርእሱ ክገልጽን ሕያውነትን ለውሃትን ሰናይነትን ዘየሕፍር ምዃኑ ክገልጽ ዘበራትዕን እቲ ናብቲ ልዕሉ ሰናይ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዘቕርብ ስናይነት ስልማትካ ዝገብር ተግባር ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና እንከመልክቱ፦ “ካብቲ ዘደናግር ሃብቲ ገንዘብ ንላዕሊ ዘርውይ እቲ እውነተይና ሰናይ ተግባር እዩ፣ ስለምንታይ እቲ ብተራና እነወፍዮ ፍቕሪ ካብ እግዚኣብሔር ንኽንቅበል ዝተፈጠርና ስለ ስዀናን ድኣ እምበር ንኹሉ በቲ ንኹላትና ክቐትል ብዝኽእል ገንዘብን ስልጣንን ክንመዝን ኣይተፈጠርናን” ቢሎም ኣብቲ መእለዪ ሕጻናት ካብ ዘገልግሉ ወለንተይናታት ሓድ “ስለ ፍቕሪ ኢየሱስን ፍቕሪ ገዛእ ርእስናን ንኻልኦት መስዋዕቲ ምዃን ሰናይ እዩ” እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ጠቒሶም እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ፍቕሪ ምንባር ዝጽግሞ ምድራዊ ሃብቲ ከናድይ መላእ ዓቕሙን ጉልበትን ዘፍስስ፣ ርእሰ ዕጋበትን ርውየትን ዕንደራን ናይ ህላዌ ፍጻሜ ዝብል ምዃኑ፦ እቲ ዓቢይ ምስጢር ናይ ዕዉት ህላዌ ትርጉም ኣብ ፍቕርን ገዛእ ርእስኻ ምእቲ ፍቕሪ ምውፋይን ዝርከብ እዩ። ኣብዚ ዓይነት ፍቕሪ ድማ እቲ ገዛእ ርእስኻ ብሓጐስ ንምውፋይ ዘብቅዕ ሓይሊ ይርከብ። እዚ ተግባር’ዚ ድማ ናይቲ ዓቢይ ሓጐስ ምንጪ እዩ ዝኸውን፣ ስለዚ እዩ ድማ ወሳኒ ናይ ሕይወት ምርጫ ዝግበር፣ እቲ እውነተይና ናጽነት ምሉእ ብምሉእ ዝኽውን ተግባር ድማ ፍቕሪ እዩ” እንክሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.