2014-09-20 16:55:53

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ኤውሮጳ መዓልቲ ማሕበራዊ ካቶሊካውያን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ናይ ቤተ ክስርቲያን ፍቕሪ ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ናይ መላእ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪን ናይ ማድሪድ ሰበኻን ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብሓባር ናብ ዘዳለዎ ኣብ ማድሪድ ክሳብ ዕለት 21 መስከረም እምነት ክርስትናን ናይ ኤውሮጳ መጻኢን” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዮ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ኤውሮጳ መዓልቲ ማሕበራዊ ካቶሊካዊ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊም ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“እቲ ሓደ ዓቢይ ብድሆ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ፣ ብስሉጥ ኣገባብ ብርሃነ ወንጌል፣ ምስቲ ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ ዝገጥሞ ሕጹጽ ዕለታዊ ሕቶ ክራኸብ ዘኽእሎ መገዲ ምርካብ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዝሰፈሮ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ነቶም 200 ዝግመቱ ተጋባእያን ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ቅድስና ብጸሎትን ብብሕታዊ ምልዋጥን ከናድዩ፣ በዚ ምገዲ’ዚ ኣቢሎም ድማ ናይ ዝተፈላለየ ክፍሊ ሕብረሰብ ሕሊና ናብቲ ምድራዊ ሃብቲ ዝኾነ ጭቡጥ ነገርን ሥርዓት ዝሓለወ ህዱእን ሰላማውን ማሕበራዊ ሕይወት ኣብ ኣገልግሎት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣውን ኣብቲ ፍጻሜ ዝኾነ እግዚኣብሔር ክዋኔኡ ዘበራብር ጥሙርን ሕጉስን ምስክርነት ከቕርቡ ናይ መበረታትዒ ሓሳብ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
“ጸሎትን ከምኡ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ንድኻታትን ዓመጽን ኣድልዎን ስደትን ነዘጓንፎምን ነቶም መዕቆቢ ነኸናድዩ ናብ ኤውሮጳ ንዝስደዱ ዝሓልይ ፍቅሪ ቤተ ክርስቲያን ዘብጽሕ እምነትን ዘሎዎ ኰይኑ ክበራታዕ” ኣብ መልእኽቶም ሓደራ ቢሎም፣ ነቶም ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ዘድልዮም ብንዋታዊ ድኽነት ንዝተጠቕዑ ቆላሕታ ክገብሩን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ክሓስብን ናይ ሓቅን ናይ ድሕነትን ነቶም ጽምኢ ዘለኣለማዊ ሕይወት ንዘለዎም ብዛዕባ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ተስፋ ንዝሓትኹም ዘእምን ምስክርነትን ብስራት ቃልን ከተቕርቡ ሓደራ እንክብሉ ዘመሓለልፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.