2014-09-20 17:11:43

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ አልባንያ


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጽባሕ ሰንበት ዕለት 21 መስከረም 2014 ዓምፈ አብ አልባንያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ምዃኖም አብ ዝሓለፈ ዜናታትና ተኸታቲልኩሞ ከምዝነበርኩም ዝዝከር ኮይኑ ካብ ቅድስት መንበር ብዝወጸ መርኃ ግብር መሠረት ጽባሕ ንግሆ በቆጻጽራ ሰዓት ናይ ሮማ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ፊዩሚቺኖ ነቂሎም ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓትን ፈረቃን በረራ አብ ቲራና ክበጽሑ ትጽቢት አሎ፣ ሓዋርያዊ ምብጻሖም ፈጺሞም ከአ አማስያኡ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቃን አብ መዓርፎ ነፈርቲ ቻምፒኖ ከምዝምለሱ እቲ መርሓ ግብር የመልክት፣
ነዙይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ አመልኪቶም ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ንማእከል አገልግሎት ተለቪዥን ከተማ ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መግለጺ ልዕሊ ኩሉ ሃገረ አልባንያ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ጸልማት ዓመታት መንገዲ ዘተ ብምምራጽ አብ መንጎ አስላምን ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ብዝተገብረ ሃናጺ ዘተ ሓደ ርጉእ ሓድነታዊ ሃገራዊ መንግሥቲ ከቁሙን ናብ ምዕባሌን ሰላምን ክግሥግሱ ምር አይን ነዙይ ምትብባዕን የድሊ፣ እዚ ከአ ቅዱስነቶም ወግሔ ጸብሔ ሓደራ ዝብልዎ ንብዙኃት ግን ዘይውጻእ ዓቀብ ኮይኑ ዝረኤ መንገዲ ዘተን ፊት ንፊት ተራኺብካ እሂን ምሂን ምባልን ከምዝከአል ሓደ ዓቢ ጭብጢ ኢዩ፣ አብዚ ከስምረሉ ዝደሊ ቅዱስነቶም ህያው ብዝኾነ አብነታትን ጭብጥታትን ክዛረቡ ስለደልዩ ነዛ ሃገር እዚአ ክበጽሑ ከምዝመረጹ ኢዩ፣ እዛ ሃገር እዚአ ኩልና ከም እንፈልጦ አብ ዝሓለፈ ታሪኻ ቀሊል ዘይኮነ ጸገማት ሰጊራ እያ አብ መጨረሽታ ግን ደጊም ከስ ሃይማኖት ናይ ግጭትን ዘይምርድዳእን ምኽንያት አይኹነና ቢሎም አብነታዊ ስጉምቲ ወሲዶም፣ ምስ ካል ኦት ሃገራት ክተነጻጽራ ከሎኻ ሃገረ አልባንያ ካብ ድቅድቅ ጸልማት ኢያ ወጺአ፤ ስለዝኾነ ከአ ቅድስት መንበር ካብ ምትብባዕን ደገፍን ጀሚርካ ኩሉ ዘድሊ ሓገዝ ጌራ ገና እውን ትገብር አላ፣ ሽሕኳ እቲ ጸልማት ብርቱዕ እንተነበረ ሃገረ አልባንያ ግን ነቲ ዝነበራ መንፈሳዊ ውርሻ አብ ትሕቲ ዘስካሕክሕ ስደትን ጭንቀትን ዓቂባቶ ጸኒሓ፣ እዚ ከአ ሎሚ ዘመነ ራህዋ ምስ ኮነ እቲ ዘድሊ መሰላት መሠረቱ ቃል አምላኽ ዝኾነ ነጻነት ኅልናን ነጻነትን እምነትን ካልእ መሠረታዊ መሰላት ደቂ ሰባትን ዝሕለወላ ሃገር ኮይና አላ፣ እንክብሉ ቀንዲ መል እኽቲ ናይዚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እዚ ምስ አመልከቱ፣ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ቅዱስነቶም አብዚ ጕዕዞ እዚ ካብ መራሕቲ መንግሥትን ሃይማኖታትን ጀሚርካ ንብዙኃት ክረኽቡን ቃለ ማዕዳ ክህቡን ምዃኖም ምናዳ ከአ ን አቡናትን ካህናትን ደንግልን ናይቲ ዓዲ ከዘራርቡ ምዃኖም አመልኪቶም፣
እዛ ብ2000 ዓምፈ ዳግመ ሕንጸት ዝጀመረት ሃገር እዚአ ብኩሉ ኩሉ ትግስግስ ከምዘላ እንክምልከት ብወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እውን ገና ብዙኃት ሚስዮናውያ እኳ እንተለው ኩሉ ካብ ዜሮ ይብገስ ስለዝነበረ ካብ ሕንጸት ሓዲስ ካተድራል አብ ትራና ክሳብ ዘርአ ክህነታትን ኵሰኰሳን ምስትምሃር ትምህርተ ክርስቶስን ገና ብብርቱዕ ዝሥራሓሉ ዘሎ ሥራሕ ምዃኑ እውን ገሊጾም፣
ምልስ ቢልና ታሪኽ እንተገንጸልና እዚ ምብጻሕ ቅዱንስነቶም አብዚ ዘመንና ካብ ዝተገብሩ ተባዓት ስጕምትታት ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ አሰር ዝሰዓበ ምዃኑን ኩነታት አልባንያ አብ ምቅያር ገጹ አብ ዝነበረሉ ብ1993 ዓምፈ ብወርኂ ሚያዝያ ዕለት 25 ቀዳማይ ሓዋርያዊ ዑደት ዝቀጸለ ካልአይ ምብጻሕ ምዃኑ እውን ምዝካር የድሊ፣ አብቲ ጊዜ እቲ ኩነታት አልባንያ ምቅ ያር ካብ ዝጅምርን ቅድስት መንበርን ሃገረ አልባንያን ርክብ ካብ ዝፈጥሩ ክልተ ዓመት ጥራይ ገሩ ነሩ፣ ኮይኑ እቶም ትንቢታዊ አቦ ኩሉ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ተባዕ ስጉምቲ እዚ ከምዝወሰዱ ይዝከር፣ ጸሊም ታሪኽ ሓሊፉ እንክዝከር ጥ ዑም እኳ እንተኾነ አብቲ ግዜቲ ግን ኩሉ ዝተሓዋወሰ ኢዩ ነሩ ኮሙኒስታዊ ሥር ዓት እቲ ሃገር ብ1967 ዓምፈ ገኒኑሉን ዓቢዱሉን አብ ዝነበረ ግዜ ነቲ ነባሪ ካተድራል ናይቲ ዓዲ ሃጊሩ ሜዳ ኵዕሶ ገርዎ ነሩ፣ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከአ ብትብ ዓት አብቲ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብቲ ቅርዓት ከምዝገብርዎ ምስ አመልከቱ ሰበሥልጣን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይቲ ሃገር ነቲ ቦታ ተረኪቦም ቀቅድሚ ምምጻእ ር.ሊ.ጳ ነቲ ቦታ እንደገና ቤተ እግዚአብሔር ንክኸውን ባረኽዎ ከም ውሳኔኦ ር.ሊ.ጳ ከአ ቅዳሴ አባኡ ተገብረ አብቲ አጋጣሚ ከአ አርባዕተ ሓደስቲ ጳጳሳት ቀብኡ፤ ሎሚ ናይ ቲራና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ርሮክ ሚርዲታ ሓደ ካብቶም ሽዑ ዝተቀብዑ ጳጳሳት ኢዮም.
ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተኸታሊ ቅ.ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዚስየሙ እዚ ሓዋርያዊ ዓለም ሓቈፍ ሓውጾተ ኖላዊ እዚ ራብ ዓዮም ምዃኑ እውን ዝዝከር ኢዩ፣
አብዚ ሓውጾተ ኖላዊ ብመሠረት መርኃ ግብር ናይ ዕለቱ ሰዓት ዓሠርተ ምስ ሰበሥልጣን መንግሥትን ወከልቲ ካልኦት መንግሥታትን ምስ ተራኸቡ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ክሰብኩን ከማኡ እውን ጸሎተ መል አከ እግዚአሔርን ጉባኤ አስተምህሮን ክገብሩ ምዃኖም ተመልኪቱ አሎ፣ እዚ ኩሉ ዝኾነሉ ቦታ ከአ አብቲ ሓዲስ ካተድራል ተሃኒጺሉ አብ ዘሎን በታ ዓባይ ናይ ዘመንና ሓዋርያን አደ ድኻታትን እንብላ ማዘር ተረዛ ዝተሰምየ፤ ቅርዓት ማዘር ተረዛ ከምዝፍጸም ተመልኪቱ፣ ብድሕሪዚ አማስያኡ ምስ መራሕቲ ካል ኦት ሃይማኖታት ክራኸቡን ክዛተዩን ምዃኖም እንክምልከት ምስ ቤተ ክህነትን ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ምንቅስቃሳት ናይቲ ዓዲ ብኅብረት ዳዊት ዘሰርክ ክብጽሑን ክሰብኩን ምዃኖም ተሓቢሩ፣
አብ መወዳእታ ብማእከል ቤታንያ ዝፍለጥ ናይ ግብረ ሠናይ ማእከል በጺሖም ንመንበሮም ከምዝምለሱ እቲ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ መርኃ ግብር አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.