2014-09-16 16:26:07

ጋዜጣዊ መግለጺ ዛዕባ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣልባኒያ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዛዕባ እቲ ዕለት 21 መስከረም 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣልባኒያ ዝፍጽምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለጺ እንክህቡ እዚ ቅዱስነቶም ኣብ ኣልባኒያ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ፍክሊ ዓለም ኤውሮጳ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝኾነን ትርጉሙ ድማ ናይ ሰማዕታት እምነትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተን ዝብል እዩ ከምዝበሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
እቲ ዓለም ሓቆፍ ሓዋያዊ ዕደት ናይ ሓደ መዓልቲ እውን እንተዀነ ጽዑቕ መደባት ዘለዎን ናይ ሰማእታት እምነት ዘማእከለ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘተባብዕ ምዃኑን እዚ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስነቶም እቲ ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትን ወሰናስን ህላዌን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ማእከል ክኸውን ደጋግሚም ዝህብዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን ዘጉልሕ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፦ “ንናይ እምነት ሰማዕታት ምስጋና ዘቕርብን፣ እዚ ድማ እቲ ኣብ ኣልባኒያ ዝነበረ ኢእዚኣብሔራዊ ስርዓት ዴስነት ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝፈጸሞ ዓመጽን ቅትለትን ስደትን ንምዝካርን ኣልባኒያ ኣብ ዓለም እቲ ኢእግዚኣብሔራዊ መንግስቲ ዝቖመላ ቀዳመይቲ ሃገር ከምዝነበረትን ኣብቲ ናይታ ሃገር ቅዋም ኢእግዚኣብሔርነት ዝብል ቃል ዝተነብሮ ከምዝነበረ እውን ዝዝከር እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልሲ ካብ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ኮርያ ደጋጊሞም ዝገለጽዎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝብል ቃል ኣብ ኣልባኒ እውን ንምቅላሕን ክረጋገጽን ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብምክብባርን ብምቅብባልን ብምቅራብን ጥዑም ውሁድ ቅንይት ዝዓሰሎ ማሕበረሰብ ክቐውም ዝምዕድ ሓዋርያዊ ዑደት ኢዩ” ከምዝበሉ ጋዜጠይን ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣመልኪቶም።
ቅድስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ቲራኒያ ዘተኰረ ሓዋርያዊ ዑደቶም ሽዱሽተ ርክባት ብምክያድ ሽዱስሸተ ዝተፈላለየ ዘረባ ብቋንቋ ጣልያን ዘስምዕሉን ኣብ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሕንጻ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም በዓል ምስ ተሳተፉ ኣብ ኣደባባይ እናቴ ተረዛ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣብቲ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ እኖ ሰናይ ምኽሪ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖታት ክራኸቡን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቲራኒያ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ጸሎት ዘሰርክ ክመርሑን ኣብ ኢእግዚኣብሔራዊ ስርዓት ዴስነት ስቓይን ስደትን ካብ ዘጋጠሞም ዝቐርብ ቃል ምስክርነት ክሰምዑን ኣብ ቲራኒያ ዝርከቡ ኣካለ ስንኵላን ትሕቲ ዕድመ ዝናበይሉ ቤታንያ መዕቆቢ ሕጻናት ክበጽሑን ምዃኖም ዝሓበሩ ኣባ ሎምባርዲ ካብቶም ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝተሳተፉ ካብ ወጻእን ውሽጥን ዝመጹ ጋዜጠይናታት ሓደ እቶም ገዛእ ርእሶም እስላማዊ ሃገር ቢሎም ዝኣወጁ ኣሸባርያን ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ክፍንዉ ዝብል ሓበሬታ ናይ ስግኣት ዶ ኣሎ እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ “ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቦና ዝተፈነወ ናይ ስግኣት ቃል የሎን፣ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ኩሉ ከምዝፈልጦ እቲ ልሙድ ዝኾነ ኣነባብራኦምን ምስ ሕዝቢ ዝፍጽምዎ ርክባትን ወግዓዊ መደባቶም ከምቲ ልሙድ እዩ ዝቕጽል፣ ምስ ሕዝቢ ቀጥታዊ ርክብ ዝመርጹ እዮም ስለዚህ እዚ ዓይነት ኣገባብ ከምዘለዎ እዩ ዝቕጽል” ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ኣልባኒ ሓዋርያዊ ዑደቶም ብእናቴ ተረዛን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን መንፈስ ዝስነዩን ከምዝኾኑን ዕለት 25 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣልባኒያ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ኣርባዕተ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዝሰመዩን ዘዘኻኸሩ ኣባ ሎምባርዲ፦ በቲ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳጋምዊ ኣብ ኣልባኒያ ፈጺሞምዎ ዝነበሩ ሓዋርያዊ ዑደት ተዘክሮ ዝስነይ ቀጻልነትን ሓድሽነትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ዑደት እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.