2014-09-09 16:28:34

ቅ.ኣ.ርሊ.ጳ.፦ ከም ማርያም እግዚኣብሔር ምሳና ክጓዓዝ ንፍቀደሉ


RealAudioMP3 ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 8 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣለዳ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለቱ በዓል ልደታ ለማርያም ምዃኑ ዘኪሮም ናይ ማርያም ታርኽ ንርአይ እሞ እግዚኣብሔር ምሳና ክጓዓዝ ንፍቀደሉ ቢሎም ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ፍጥረትን ኣብቲ ኣብ ታሪኽ እግዚኣብሔር ምሳና ዝገብሮ ጉዕዞ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኦሪት ዘፍጥረት ከነንብብ እንከለና እግዚኣብሔር ከም ሓደ ሰራዪ ገርካ ናይ ምሕሳብ ፈተና ከጋጥም ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግን እግዚኣብሔር ነገራት ኩሉ ይኹን ዝበለን ዝፈጠረን እዩ፣ ንነገር ኩሉ ኣብ ውሽጡ ውሳጣዊ ስርዓት ኣንበረሉ እዚ ድማ ነገር ኵሉ ክዓብን ኣብ ፍጻሜ ክበጽን መታን ቢሉ እዩ። ንኣድማ ኩሉ ርእሰ ናጽነት ዓደሎ ደ’ምበር ጽግዕተይና ኣይገበሮን፦ “እግዚኣብሔር ሰራዪ ኣይኰነን፣ ፈጣሪ እምበር። ኣብ ሻብዐይቲ መዕልቲ ኣብ ኦሪቲ ዘፍጥርነት ከምእነንብቦ ሰብ ተፈጥረ፣ ነጻነት ዓደሎ፣ ኣብ ታሪኽ ተጓዓዝ ቢሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ሓላፍነት ኣልበሶ ንተፍጥሮ ናብ ፍጻሜ ከመርሕ መታን ቢሉ። ኣየናይ እዩ እቲ ናይ ጊዜ ፍጻሜ? እቲ ፍጻሜ እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልቡ ዝነበረ ናይ ወዱ ምምጻእ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንዅላትና ንምስሊ ወዱ ክንመስል ኣቐዲሙ መደቦ” እዚ እቲ ናይ ሰብኣዊ ጉዕዞ ዝዘመልከት ጉዕዞ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምዝኾነን እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ሓደ ወዱ ክንከውን ክንመስል ከምዝደለየን ድማ በቲ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓረግ ትውልዲ መሰረት ተንቲኖም፣ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዘረኢ ሓረግ ጐይታና ቅዱሳትን ሓጢኣተይናታትን ኣለዉ፣ እቲ እግዚኣብሔር ሰብ ናጻ ክኸውን ዝፈጠሮ ታሪኽ ድማ ብኸምዚ መገዲ ዝቕጽል ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ነጻነት ብጌጋ ብምጥቃምሙ ድማ ሰብ ካብ ገነት ተሰጔ ተስፋ ግን ዓደሎ፣ ሰብ ብዘይ ተስፋ ካብ ገነት ከምዘይተሰጔን እቲ ጉዕዞ ንበይኑ ዘይኰነስ ምሳኡ ሓቢሩ እግዚኣብሔር ዝጓዓዝ ምዃኑ ባዕሉ ከምዘረጋግጾን እግዚኣብሔር ኣብቲ ናይ ሰብ ግዜ ብምእታው ድማ ናይ ታሪኽ እግዚኣብሔር ኮነ፣ ትስብእቲ ወዱ እግዚኣብሔር ምስ ሓጥኣንን ቅዱሳትን ከምዝጓዓዝ የረጋግጾ፣ ምስ ኩሉ ሓቢሩ ከምዝጓዓዝ ቅዱስነቶም ተንቲኖም ወንጌል እቲ ናይ ኢየሱስ ሓረግ ዘርኢ ድማ ኣብ ዮሴፍን ማርያም ይድምድሞ፣ ሕጽር ብዘበለ ኣገላልጻ ተመልኪቱ ከምዘሎን እቲ ዓቢይ ናይ ታሪኽ እግዚኣብሔር ኣብ ነአሽቱ ታሪኻት እውን ገዛእ ርእሱ ገለጸ ቅዱስ ቶማስ ከምዝብሎ በቲ ዓበይቲ ነገራት ሰንቢድካ ኣይትደነቕ ነቲ ንእሽተይን ትሑትን ነገር እውን ግምት ሃቦ እዚ ድማ መለኰት ከምዝኾነ እንከረድኡ፦ “እግዚኣብሔር ምሳና ሓቢሩ ይጓዓዝ ኣቲ ጐይታ ትዕግስቲ ዝኾነ እግዚኣብሔር ምሳና ሓቢሩ ይጓዓዝ። ትዕግስቲ እግዚኣብሔር ምስ ኩሉ ትውልዲ ምስ ኩሉ ጻድቕን ሓጥእን፣ ምስና ሓቢሩ ዝጓዓዝ ድማ መታን ንምስሊ ወዲ ክንመስል ቢሉ እዩ፣ ኣብ ምፍጣር እግዚኣብሔር ነጻነት ደኣ እምበር ርእሰ ከዋንነት ኣይዓደለናን ሕጂ እውን ምሳና ሓቢሩ ዝጓዓዝ እግዚኣብሔር እዩ” ምስ በሉ ዕለቱ በዓለ ልደታ ለማርያም ምዃኑ ዘኪሮም ሎሚ ንማርያም ነታ ትሕትን ቅድስትን ብዘይ ሓጢኣት ንጽህቲ ኣደ እግዚኣብሔር ክትኸውን እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ዝሓረያን ዝመደባን ንኽንጥምትን ኣብ ቅድሚ ዓቢይን ንእሱን ታሪኽ ሓቢሩ ዝጓዓዝ እግዚኣብሔር ዝረጋግጽ እዩ። ኣብ ታሪኸይ ከመይ ይጓዓዝ ኣለኹ? እግዚኣብሔር ምሳይ ክጓዓዝ እፈቅድ ዶ? ክሕልወኒ እፈቕድ ዶ? ክምሕረንን ክድግፈንን እፈቕዶ? ንእግዚኣብሔር ምሳኻ ክጓዓዝ ምፍቃድ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምራኸብ ዘብቅዕ ጉዕዞ እዩ። ፍጻሜ ጉዕዞና ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ። ኣብዛ ዕለት እቲ ንሱ ምሳና ክጓዓዝ እንፈቕደሉ ኩነት ሰላምና እዩ እዚ ሰላም ክዕድለና ድማ ኣብዛ መዓለቲ በዓለ ልደት እኖና ንለምኖ” ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.