2014-09-06 18:51:43

ወንጌል ሓዳሲ ኢዩ፣ አብ ቤተ ክርስትያን ተሓድሶ ንምግባር አይትፍርሁ፣


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘቅረብዎ ስብከት ኢዩ፣
አብ ላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ ትማሊ ዝተነበ ወንጌል ናይ ቅዱስ ሉቃስ 5፤33-39 እንክኸውን “አር ድ እቲ ዮሓንስ ይጾሙን ይጽልዩን ከማኡ እውን አርድ እቲ ፈሪሳውያን አር ድ እትኻ ግን ስለምንታይ ዘይጾሙ” እንክብሉ ፈሪሳውያን ን ኢየሱስ ዝሓተቱሉ አጋጣሚ ዘዘንቱ ኢዩ ነይሩ፣
ቅዱስነቶም ዝኾነ ክርስትያን ናይ ሕግታት ባርያ ኮይኑ ክነብር ከምዘይብሉን ወንጌል ምንጪ ተሓድሶ ስለዝኾነ ካብ ተሓድሶ ክፈርህ ከምዘይብሉን እንታይ ደአ ልቡ ንሓዲስ ፍቅሪ ሕጊ ክኸፍት ከምዘለዎ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ጥቅሲ ብምምርኳስ ንሓዲስ ወይኒ ሓዲስ ሓርቢ ብማለት ነዚ ዝስዕብ ቢሎም፣
“ንሓዲስ ወይኒ ሓዲስ ሓርቢ እዚ ኢዩ ተሓድሶ ወንጌል፣ ወንጌል እንታይ የምጽ አልና ቢልና እንተደአ ሓቲትና ታሕጓስን ተሓድሶን ኢዩ እቲ መልሲ፣ እንተኾነ አብ ጊዜ ኢየሱስ እቶም ሊቃውንቲ ሕጊ አብ ሕግን ባዕሎም ዝወሰኽዎም ና አሽቱ ሕግታትን ተሓጺሮም ስለዝነበሩ ክቅበልዎ አይከአሉን፣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘዕባኦም እንክዛረብ እምነት ቅድሚ ምምጻአ ማለት ኢየሱስ ቅድሚ ምምጻኡ ንሕና እውን ከም እሱራት ናይ ሕጊ ኰና ንመላለስ ነርና ይብል፣ ብ ዓንደ ር እሱ እቲ ሕጊ ሕማቅ አይነበረን ናብ እምነት ዘምርሕ ኢዩ ነይሩ ኮይኑ ግን አባኡ ተሓጺሮም ከምዝተርፉን እሱራት ናቱን ስለዝገበሮም ነቲ ብ ኢየሱስ ክግለጽ ዝነበሮ እምነት ክቅበልዎ አይከአሉን፣ እዚ ሕጊ እዚ ብሙሴ ዝተዋህበ እንክኾን ብሊቃውንቲ ሕጊ ዝተወሰኸ ብዙሕ ና አሽቱ ሕግታት እውን ነርዎም ኮይኑ ግን ነቲ ነጻነት ዝጽበ ዝነበረ ሕዝቢ ባሮት ሕጊ ገበሮም፣
“ምናልባት ሓደ ካባኹም አባቴ ክርስትያን ሕጊ የብሎምን ድዮም ቢሉ ክሓተኒ ይኽእል፣ አሎዎምባ ኢየሱስ እኳ ንሕግን ነቢያትን ክስ ዕሮም አይመጻእኩን እንታይ ደአ ፍጽምና ክህቦም ቢሉ ኢዩ፣ ፍጽምና ናይዚ ሕጊዚ ን አብነት እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ እምባ ዝሰበኾም መንገዲ ብጽሕና ዝገልጻ ሕጊ ፍቅሪ ዝተሓንገጣ ቃላት ኮይነን ኢየኡስ ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቀረና ዘመልክታ ኢየን፣ ኢየሱስ ንፈሪሳውያን ክምልሸሎም ከሎን ንሊቃውንቲ ሕጊ ክነቅፎም እንከሎን ንሶም ንሕዝቢ ብሕጊ ክንዲ ዝሕልውዎም ባሮት ናይ ሕጊ እኳ ደአ ባዕሎም ናይ ዝደረስዎም ናአሽቱ ሕግታት ባሮት ከምዝገበርዎም ይገልጸሎም፣ ስለዚ ብዘይካ እቲ ኢየሱስ ዘምጸአልና ነጻነት ናይ ሓዲስ ሕጊ ብደሙ ዝተሓትመ ክንሕደስ አይክ እልን ነቲ ተሓድሶ ከአ ክንፈርሆ የብልናን፣
“ቅዱስ ጳውሎስ ውሉድ ሕግን ውሉድ እምነትን ቢሉ ይፈላሊ፣ ንሓዲስ ወይኒ ሓዲስ ሓርቢ ማለት ኢዩ፣ በዚ ከአ ቤተ ክርስትያን ለውጢ ክንገብር ትሓተና አላ፣ ነቲ ንጊዜኡ ተባሂሉ ዝስራዕ ሕግታት ገዲፍና ናይ ወንጌል ሓደስቲ ሓርብታት ክንወስድ አሎና፣ እንክብሉ ካብ ተሓድሶ ናይ ወንጌል ክንፈርህ ከምዘይብልናን ነቲ አሲሩ ሒዙና ዘሎ ሕግታትን ባህልታትን ሰጊርና ብወንጌል ክንሕደስ አዘኻኺሮም፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙኃን ኮይኑ ዘሎ ትዊተር ዝተባህለ ይድረስታኦም “ም እንቲ እቶም አብ ኢራቅ ዝሳቀዩ ዘሎው ዕለት ዕለት እጽሊ አሎኹ ምሳይ ጸልዩ” እንክብሉ ሓጺር መል እኽቲ ብምጽሓፍ ኵልና ምሳኦም ሓቢርና ም እንቲ እቶም አብ ዒራቅ ሕይወቶም ንብረቶም ነጻነቶም ዝሰአኑ ክንጽሊ ተማሕጺኖም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.