2014-09-05 09:27:02

ኡዝበኪስታን፦ ስደትን መከራን ማሕበረ ክርስቲያን


ኣብ ኡዝበኪስታን ጥሕሰት ናይ ሓይማኖት ነጻነት ይርአይ ከምዘሎን ናይታ ሃገር ናይ ከባቢታት መንግስታዊ ምሕደራ ንጸሎትን ስግደትን ንዝተኣከቡ እናሳደዱ መንፈሳዊ መጻሕፍትን ቅዱስ መጽሓፍን ወንጌልን እናመንዝዑ እቶም ክርስቲያን ንጸሎትን ስግደትን ከይእከቡ ይኽልክሉን ናይ ምንቅስቃስ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም እናግሃሱ የሳቕዮም ከምዘለዉ ጉባኤ 18 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ማእከላይ እስያ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ጉዳይ ዝከታተልን ኵነት ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝዕቅን ብዛዕባኡ ጸብጻብ ዘቕርብ ማሕበር ሓበሬታ ዘውጽኦ ሰነድ ዝጠቐሰ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መፋርቕ ኣብ ናቮይ ካብ 10 ንላዕሊ ዝግመቱ ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ብዘይ ናይ ምርመራ ተልእዀ ፍቓድ ኣብ ዝተፈላለየ ኣባይቲ ተራ ዜጋታት እናኣተዉ ናይ ባብቲስት ቤተ ክስቲያን መጋቤ መንበሪ ቤት ብምእታው ነቶም ንጸሎት ተኣኪቦም ዝነበሩ ዜጋታት ብምስጓግ ኣብቲ መንበረ ቤት ዝተረኽበ ናይ ግሊ መንፈሳዊ መጻሕፍትን ቅዱስ መጽሓፍ ወሲዶን ካብቶም ንጸሎት ተኣኪቦም ዝነበሩ ክልተ ዜጋታት ሩሲያ ድማ ናብ ዓዶም ክስጐጉ ከምዝገበሩ ኤሺያን ኔውስ ጉባኤ 18 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ማእከላይ እስያ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ጉዳይ ዝከታተልን ኵነት ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝዕቅን ብዛዕባኡ ጸብጻብ ዘቕርብ ማሕበር ሓበሬታ ዘውጽኦ ሰነድ ጠቑስይ የመልክት።
ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ብተደጋጋሚ ዝርአይ ምዃኑን ኣብ ክሆረዝም ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ሓደ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ፕሮተስታንት ክርስቲያን ሃይማኖቱ ከካፍልን ክሰብኽን ተረኺቡ ቢሎም ሃይማኖት ኣስዳዕ ብዝብል ክሲ ንፍርዲ ክቐርብ ኣብ ናይ ተኸሳሲ መዝገብ እውን ከምዘስፈርዎ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ኣስዒቡ ኡዝበኪስታን ካብ መላእ ሕዝቢ 88 ሚእታዊ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓቢ ከምዝኾነን ኣብታ ሃገር ናይ ሓይማኖት ነጻነት ድሩት ከምዝኾነን ናይ ሃይማኖት መጻሕፍትን መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ምሓዝ ከም ገበን ዘኽስስ ከምዝኾነን ብዛዕባ ሃይማኖት ዝዛረቡ መጻሕፍቲ ናይ መንፈሳዊ መጻሕፍቲ ኣኽራርነት ዘንጸባርቑ እያቶም ተባሂሎም ከምዝሕሰብ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.