2014-09-05 09:18:14

ታሪኽ ካህናት ምስ ዝተጸሉን ዝተናዕቁን ኣብ ቦነስ ኣይረስ


ኣብ ክፍሊ ከተማታት ድኻታት ቦነስ ኣይረስ መሰኻኽር ወንጌል ምስቶም ግዳም ሓደርን ሰብኣዊ መሰሎም ክብሮም ዝተነፍጐምን ክትግምቶ ኣብ ዘይከኣል ሕሱም ድኽነት ወዲቖም ዝርከቡ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣብ ዝነብሩሉ ክፍሊ ከተማታት ቃል ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ዝምስክሩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ማዕርገ ክህነት ዝሰርዑሎም ታሪኽ ካህናትን ዝፍጽምዎ ተልእኾን ብኣርጀንቲናዊት ጋዜጠይና ሲልቪና ፕረማት “ካህናት ናይ መወዳእታ ዓለም” ዘርእስታ ዝደረስኣ መጽሓፍ ዕለት 3 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ብዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ንንባብ ከምዝበቕዔት ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤልቪራ ራጎስታ እንክሕብራ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ 24 ሰዓት ማዕጸወን ዘርህዋ ቁምስናታት ዝነብርኦ ምስ ድኻታትን ሕይወት ክርስቶስ ካህናት ብእግሮም ድዩ ብብሽክሌታ እቶም ድኻታትን ግዳም ሓደርን ነናብ ዝርከብሉ ከባቢ ብምኻድ ወንጌል ዘበስሩ ነቶም ዝተናዕቁን ኩሉ ተነፊግዎም ኣብ ተስፋ ቍርጸት ዝነብሩ ብፍላይ ዝመጸ መድሕና ብቓልን ሕይወትን እናላለዩ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ዓለም ዝተኸስተ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብዝሓት ካብ ማእከላይ መነባብሮ ናብ ድኽነት ስለ ዝዳረጎ እዚ ኩነት ብዝሒ ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ክብ ከምዘበሎን ቅዱስ ኣቦና ገና ሊቀ ጳጳሳት ቦንስ ኣይረስ እንከለዉ ናብ ድኻታት ኪዱ ወንጌል ስበኹ እናበሉ ማዕርገ ክህነት ካብ ዝሰርዑሎም ኣርጀንቲናውያን ካህናት ሓደ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምስክርነት ዝሃቡ ኣባ ቻርልይ ኦሊቪየሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ “እቶም ናይ ወሰናስን ከተማታት ካህንና ምስቶም ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ዜጋታት ኰይኖም ዘድዓዕሱን ዘጸናንዑን ጥራሕ ዘይኰነስ እዞም ክፍሊ ኅብረሰብ ሓደ ቤተሰብ ኰይኖም ወንጌላዊ ሕይወት እናነበሩ ንሓድ ሕዶም ክፋቐሩን ኣብቲ መንግስቲ ቡኹር ዝኾነሉ ከባቢ ድኻታት ቤተ ክርስቲያን እናተረኸበት ኵለ መዳያዊ ድጋፍ ብምቕራብ መጻኢ ሕይወቶም ብሩህ ክኸውን ናይ እተቕርቦ ኵለ መደያዊ ሓልዮት መጋበርያ ካህናት እያቶም” እንክብሉ ናይታ መጽሓፍ ደራሲት ሲልቪና ፕረማት ብወገነን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፦ “እታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ናይ ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝተጻሕፈት እያ፣ ሎሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ክትርኢ ብሓቂ እቲ ንሶም ዝነብርዎ ክርስትያናዊ ሕይወት ናይቶም ናይ ወሰናስን ካህናት ሕይወት ዘንጸባርቕ እዩ፣ ወንጌላዊ ሃሴት ዝሰብኽን ዝነብርን ሕይወት ዝገልጽ እዩ” እንክብላ ብምቕጻል ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ድሕሪ ኣቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ “እቶም ናይ ወሰናስን ፍክሊ ከተማታት ካህናት ወንጌል ስነ ሓሳብ ዘይኰነስ ጭቡጥ ኩነት ከምዝኾነ ዝምስክሩን ወንጌል ሕይወት፣ ሕይወት ዝህብ ሕይወት ኰይኑ ሕይወት ዝህብ ምዃኑ መሰኻኽር እያቶም፣ እዞም ካህናት ወንጌላዊ ሕይወት ንኽንነብር ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ወንጌላዊ ሕይወት እናነበሩ ብሕይወቶም ወንጌል ዝሰብኵ እያቶም” ቢሎም፦ “ወንጌል እሙንን ተኣማንን ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ዝምስክሩ እያቶም” እንክብሉ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.