2014-09-05 09:09:22

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኤኮኖሚ ካብ መኽሰብ ሰብ


ዕለት 3 መስከረም 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተህሮ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ እታ ታይሰንክሩፕ እተሰምየት ፋብሪካ ሓጺን ሰራሕተይና ንምንካይ ዝብል ሓድሽ ናይ ኤኮኖሚ መደቡ ንኽትግብሮ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከወግድ ጻውዒቲ ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅድሚ ሕጂ እውን እቲ ፋብሪካ ናይ ዝርከበሉ ከተማ ተርኒ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁዘፐ ፒየሞንተሰ ናይቲ ፋብሪካ ሰራሕተይናታት ኣብ ዓቢይ ሻቕሎት ይርከቡን እቲ ናይቲ ፋብሪካ ውሳኔ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ እንክብሉ ገሊጸም ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ “ሕጂ እውን ደጊመ ደጋጊመ ኣብ ዓለም መኽሰብ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከይከውንን ኣክንዲ መኽሰብ ሰብ ክቕድም ናይ ምትሕብባርን ፍትሕን ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክኸውን ጻውዒት አቕርብ፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን ናይ ስራሕ ጉዳይ ሕቶ ሰብን ክብሩን ምቕዳም ይግባእ። ስራሕ ጻውታ ኣኰነን፣ ገሊኣቶም ንሃብቲ ገንዘብ ድለባ ገሊኣቶም ንመኽሰብ ኣሚቶም ሰራሕተይናታት ካብ ስራሕ ይሰጉ፣ ስራሕ ሓደ ካብቶም ሰብኣዊ ክብርታት እዩ” ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.